ኣስታት 4.5 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ዝተሰረዘላ ሶማልያ ብሓጎስ ትጽንብል

ምንጪ ስእሊ, Hamza Abdi Barre/X
ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ባንክ ዓለምን 4.5 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሶማልያ ከም ዝሰረዙ ምግላጾም ኣብታ ሃገር ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩ።
መንግስቲ ሶማልያ ትማሊ ረቡዕ ሞቓድሾ ምስራዝ ናይቲ ዕዳ ምኽንያት ብምግባር ጽንብል ኣካይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃምዛ ዓብዲ ባረ፡ እቲ ምስራዝ ዕዳ "ነፍሲ ወከፍ ሶማልያዊ ካብ ልዕሊ 300 ዶላር ዕዳ ነጻ ክኸውን ምስ ምግባር ማዕረ'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ሃገርናን ህዝብናን ብገንዘብ ዓቕሚ ከም ዘለዎምን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከም ዝስሕቡ ምስክር እዩ፤ ድሕሪ ሕጂ ብዙሕ ዕዳ የብልናን"።
እተን ትካላት፡ ብመገዲ ከቢድ ዕዳ ዘለወን ድኻ ሃገራት (HIPC) ዝተባህለ ፕሮግራም ኣቢለን’የን ዕዳ እታ ሃገር ሰሪዘን።
እቲ ናይ 4.5 ቢልዮን ዶላር ምስራዝ ዕዳ፡ ምሕረት ካልኦት ብዙሕነታዊ፡ ክልተኣውን ንግዳውን ኣለቃሕቲ እውን ዘጠቓልል እዩ።
እተን ትካላት ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ናይ ወጻኢ ዕዳ ሶማልያ ኣብ 2018 ካብ ዝነበረ 64 ሚእታዊት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ትሕቲ 6 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ” ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ባረ፡ ሶማልያ ኣብ መደባት ልምዓት ወፍሪ ክትገብር፡ ቁጠባኣ ክትሕይልን ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ልቓሕ ገንዘብ ክትልቃሕን ዘኽእላ ብምዃኑ ኣዝዩ ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።
ከቢድ ዕዳ ዘለወን ድኻ ሃገራት (HIPC) በኣይ-ኤም-ኤፍን ባንክ ዓለምን ኣብ 1996 ሓንቲ ዝዀነት ድኻ ሃገር ክትጾሮ ዘይትኽእል ጾር ዕዳ ከይገጥማ ንምርግጋጽ ዝተመስረተ ተበግሶ’ዩ።
ኣብ 2005፡ ናብ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዝወስድ ምዕባለ ንምቅልጣፍ፡ እቲ ተበግሶ ብብዙሕነታዊ ተበግሶ ምስራዝ ክድገፍ ተገይሩ።
እዚ ድማ መስርሕ ኣገባብ እቲ ተበግሶ ዘማልኣ ሃገራት ካብ ኣይ-ኤም-ኤፍ፣ ባንክ ዓለምን ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካን 100 ሚእታዊት ዕዳ ስረዛ ክረኽባ የኽእለን።
ገለ ካብዚአን ኢትዮጵያ እትርከበን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወጻኢ፡ ዓመታዊ እናወሰኸ ይርከብ። ባንክ ዓለም ከም ዝብሎ፡ ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ክእለ እንከሎ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ቢልዮን ዶላር ዕዳ ነይርዋ።
ብ2006 እዚ ዕዳ ናብ 2.2 ቢልዮን ዶላር ወሪዱ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን፡ ዕዳኣ ዓመታዊ ብቢልዮን ዶላራት እናወሰኸ መጺኡ።
ኣብ ሕዚ እዋን እታ ሃገር ዘለዋ ዕዳ ወጻኢ ኣስታት 58 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከሎ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ 2027 ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይግመት።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣለቃሕቲ ንኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዘለወን ዕዳ ዳግም ንከዋቕሩ [ደብት ሪስትራክቸር ንኽገብሩ] ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለን ኣሽሓት ቀቲሉ ብሚልዮናት ዘመዛበለን ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ ግን እቲ ሕቶ መልሲ ከይረኸበ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ሓድሕድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባውያን ትካላትን ሃገራትን ኣብ ትረኽቦ ዝነበረት ቍጠባዊ ደገፍ ብዙሕ ጸቕጢ ፈጢሩ እዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023 ከም ዝገለጽዎ፡ ቻይና ክሳብ 7 ሓምለ 2024 ዝቕጽል በጀት ዓመት እታ ሃገር እትኸፍሎ ዕዳ ከተናውሕ ፈቒዳ እያ።
ነዚ ስዒቡ እታ ሃገር፡ ካብ ካልኦት ኣለቃሕቲ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ትሓትት ምህላዋ ንምክትል ዳይረክተር ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣፍሪቃ ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ።
ብዛዕባ እቶም ሰበስልጣን እታ ሃገር ዘቕረብዎ ሕቶ ንምዝታይ ዝዓለም ብኣልቫሮ ፒሪስ ዝምራሕ ጉጅለ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ፡ ካብ 25 መስከረም ክሳብ 3 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
ይኹን’ምበር እቲ ዑደት ብዘይ ናይ ልቓሕ ስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ሮይተርስ ምጽብጻቡ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







