ብሰንኪ ኲናት ካብ ኢትዮጵያ ርሒቝ ዝጸንሐ ትካል ገንዘብ ዓለም ሰበስልጣናቱ ልኢኹ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES/AFP
ሰበስልጣን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ [IMF] ንኢትዮጵያ ክወሃብ ኣብ ዝኽእል ደገፍ ኣድላዪ ምድላዋት ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ምስ ኣይኤምኤፍ ካልኦት ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ፋይናንስ ዝነበራ ርክብ ብሰንኪ'ቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ተዳኺሙ ምፅንሑ ይፍለጥ።
ጕጅለ ክኢላታት ዓለማዊ ትካል ገንዘብ፡ እቲ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍ ብዝምልከት ኣድላዪ "ቴክኒካዊ ስራሕ ንምፍጻም" ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሐ ጸብጻብ ብሉምበርግ የመልክት።
ብሉምበርግ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቶም ንኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ደገፍ ክዛተዩን ኣድላዪ ኵነታት ከመቻችኡን ዝተለኣኹ ሰበስልጣን እቲ ትካል፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ እዮም።
ኢትዮጵያ ንዝሃቀነቶ ቍጠባዊ ጽገናታት መሳለጢ ዝኸውን ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝሓተተት ወሃቢ ቃል ኣይ.ኤም.ኤፍ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
"እቲ ክወሃብ ዝኽእል ደገፍ፡ ንእተሳልጦ ቍጠባዊ ምምሕያሻት ከምኡ’ውን ቍጠባኣ ብምርግጋእ ንሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ምንካይ ድኽነትን ዝውዕል'ዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።
እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሰበስልጣን ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ዘለዉ ቴክኒካዊ ዘተ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን እቲ ትካልን ዝተገብረ ዝርርብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን እቲ ትካልን ብዛዕባ ረድኤት፡ ምስራዝ ልቓሕን ምስግጋርን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት መልሲ ከይረኸበ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ሞት ኣማኢት ኣሽሓትን ብቢልዮናት ዝግመት ዕንወትን ዘስዓበ ኲናት ሓድሕድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባውያን ትካላትን ሃገራትን ኣብ ትረኽቦ ዝነበረት ቍጠባዊ ደገፍ ብዙሕ ጸቕጢ ፈጢሩ እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ዕንወት ዳግም ንምህናጽን፡ ንዘለዋ ሕፅረት ሸርፊ ወጻኢ ብምምላእ፡ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣቝሑ ካብ ወጻኢ ንምእታውን ደገፍ ከምዘድልያ ጸብጻብ ብሉምበርግ ይሕብር።
ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ነቶም ካብ ባንክ ዓለምን ትካል ገንዘብን እትረኽቦም ደገፋት ገቲእዎም ጸኒሑ’ሎ።
ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናትን ዓለማዊ ኵነታትን ከቢድ ሸርፊ ወጻኢ ጸገም ዘጋጠማ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዋጋ ሃለኽቲ ንብረት ርኡይ ወሰኽ ካብ ምርኣዩ ብተወሳኺ ሕጽረት እውን ኣጋጢሙ እዩ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዘስዓበ ዕንወት ዳግም ንምህናጽ 20 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ኣብ ቀረባ መዓልታት ምግላጾም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







