ሕብረት ኣፍሪቃ ንመንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ክሽምግል ተሓቲቱ

ህንጻ ኣፍሪቃዊ ሕብረት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ መንጐ መንግስትን ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ንዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምሽምጋል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ጣልቃ ክኣቱ፡ ኣባላት ባይቶ ኢትዮጵያ ሓቲቶም።

እቶም ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮምያ ዝዀኑ 12 ኣባለት ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ በቲ ግጭት ህይወት ህዝብን ንብረትን ይዓኑ ብምህላው፡ እቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ክረክብ ምእንቲ ነቲ ሕቶ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምዘቕረብዎ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጐ እቲ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሸባሪ ዝተባህለ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ሓይልታት መንግስትን ብዝተኻየዱ ግጭታትን መጥቃዕትታትን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ዝርከቡ ዞናት ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ካብ ዝተጐድኡ ሰባት ብተወሳኺ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ መንጐ እቲ ዕጡቕ ጕጅለን መንግስትን ዝርርብ ተኻይዱ ሰላም ክወርድ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ጻውዒት'ኳ እንተቐረበ፡ ዛጊት ዝጭበጥ ስጕምቲ ኣይተወስደን።

“ሰብ ይመውት፡ ህዝቢ ይሳቐ ኣሎ” ዝበሉ እቶም 12 ኣባላት ባይቶ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምቲ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ ኦሮምያ’ውን ከሸማግል ሓቲቶም።

ሓደ ካብቶም ኣባላት ቤትምኽሪ ዝዀነ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ብዙኣየሁ ደገፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ጸገም ብዝርርብ ንምፍታሕ ድልየታት ከምዘሎ ብኽልቲኦም ወገናት'ኳ እንተተገለጸ ዝጭበጥ ስጕምቲ ክውሰድ ብዘይምኽኣሉ፡ ምትእትታው ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሓተቱ ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ለካቲት ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ባይቶ እቲ ክልል ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ናብ ሰላም ዝመጽእ እንተዀይኑ ማዕጾኦም ክፉት ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ሽመልስ፡ ሰላም፡ ኣብቲ ክልል ንዝካየድ ልምዓታዊ ንጥፈታት ወሳኒ ምዃኑን ኣብቲ ክልል ሰላም ንምርግጋጽ ኣቓልቦ ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ነዚ “ተዓጢቘም ዝንቀሳቐሱ ከም ሸኔ ዝኣመሰሉ ሓይልታት ብዘተ ናብ ዕርቂ ክመጽኡ” ጻውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ብድሕሪ'ዚ፡ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፡ ነቲ ጻውዒት ብእወታ ከምዝርእዮ ብምግላጽ ንዓወት እቲ ዘተ ኣድለይቲ እዮም ዝበሎም ጉዳያት ብምዝርዛር ድልየታቱ ኣፍሊጡ እዩ።

ድልየት ሰላም ከምዘሎ ብኽልቲኦም ወገናት ካብ ዝግለጽ ሓደ ወርሒ ከምዝመልአ ዝጠቕሱ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ዛጊት ነቲ ግጭት ደው ዘብልን ሰላም ዘስፍንን ዝዀነ ተጨባጢ ስጕምቲ ከምዘይረኣዩን ይገልጹ።

ኣባላት ብልጽግና ዝዀኑ ተወከልቲ ህዝቢ ተመሳሳሊ ሕቶ ከቕርቡ እዚ ፈለማይ ኣይኰነን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ሕቶ'ኳ እንተኣቕረቡ፡ ካብ መንግስቲ ዝተዋሃቦም ምላሽ ካብ ምግላጽ ተቘጢቦም ኣለው።

ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቕረብዎ ሕቶ እንታይ ምላሽ ከምዝረኸቡ ቢቢሲ ዝሓተቶ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ብዙኣየሁ ደገፋ፡ ሕጂ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ሰላም ዝመጸሉ መገዲ ምንዳይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ነዚ ኣብ መጻኢ ክንምለሶ ኢና” ኢሉ።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ሰኑይ 11 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ እቲ ሕብረት ብመንጽር እቲ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዝነበረ ኲናት ደው ንምባል ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዓመታት ንዝተኻየደ ግጭት “ኣቕሊሉ ምርኣዩ” ከምዘሕዘኖም ሓቢሮም።

ሰራዊት ነጻነት ኦሮም ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ሂቡ እዩ።

እቲ ጕጅለ፡ ነጻ ሳልሳይ ወገን ናይ ወጻኢ ኣሸማገልቲ ክህልው፡ መንግስቲ ፌደራል ኣካል እቲ ዘተ ክኸውን፡ ብፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ ዝብሉን ካልእን ቅድመ ኵነት እዩ ኣቐሚጡ።

ካብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 170 ተወከልቲ ህዝቢ ኣባላት ባይቶ'ኳ እንተሃለው እቶም ነዚ ጻውዒት ዘቕረቡ 12 ጥራሕ እዮም።

ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ብዝምልከት ዛጊት ብወገን እቲ ሕብረት ዝተዋሃበ ምላሽ የለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ናብ ሃገሮም ብምእታው ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ክኣትው ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ዝዝከር ኰይኑ፡ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ሓደ ካብኣቶም እዩ።

እንተዀነ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ካብቲ ጕጅለ ብምንጻል ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ከኣ እቲ ጕጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብሰፊሕ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሸባሪ ተባሂሉ እዩ።

እዚ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ክፋላት እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ እቲ ጕጅለ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብር ብተደጋጋሚ ይገልጽ።