ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ኣፍሪቃ እዚ ዓመት በዓል መን እየን?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ዋላኳ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ኣህጉር እንተኾነት፡ ብሰንኪ ፖለቲካውን ቊጠባውን ጸገማት ከምኡ ድማ ስእነት ጸጥታ፣ ብልሽውና፣ ኲናት ሓድሕድን ግብረ ሽበራን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ተሸሚማ ትርከብ።
ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ)፡ ኣብዚ ዘለናሉ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከባ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ዝርዝር ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ናይዘን ሃገራት መጠን ሃብቲ ወይ ድኽነት ንምልካዕ ጥቕሉል ሓፈሻዊ ምህርቲ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ከምኡ ድማ ምህርቲ ውሽጢ ዓድን ኣገልግሎትን ነቲ ህዝቢ ብምምቃል ኣስሊሑ።
ዋላኳ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርዝር ሓሙሽተ ሃብታም ኮነ ድኻ ሃገራት አንተዘይሃለወት፡ ድልዱል ቊጠባ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝኾነት ጸብጻብ ትካል ገንዘብ ዓለም የረድእ።
ኣብ 2024 ሓፈሻዊ ምህርታ ብ 6.2 ምኢታዊት ክዓቢ ትጽቢት ዝግበር ኢትዮጵያ፡ ናህሪ ዋጋ እናዓበየ ዝመጸ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ግን ክቕንስ ከምዝኾነ ጸብጻብ እቲ ትካል የመልክት።
ብመሰረት ትንበያ እቲ ትካል ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳን ኣይቮሪ ኮስትን ልዕሊ 6 ምኢታዊት ዕብየት ዘመዝግባ ሃገራት እየን።
ኣይኤምኤፍ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ድኻታትን ሓሙሽተ ሃብታማትን ዝበለን ሃገራት ዝስዓባ እየን።
5 ሃብታማት ሃገራት ኣፍሪቃ
1. ሞሪሸስ
ናይዚ ዓመት ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሪሸስ ኮይና፡ ጥቕሉል ሃገራዊ ፍርያት ምስ ናይ ህዝባ ናይ ምሽማት ዓቕሚ እንትነጻጸር 31 ሽሕን 157 ን ዶላር እዩ።
ሞሪሸስ ካብቲ እትፍለጠሉ ምህርቲ ሽኮርን ጨርቃ ጨርቅን ብተወሳኺ ኣብ ብዙሕ ጽላታት ቊጠባዊ ምንቅስቓስ ኣለዋ።
2. ሊብያ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ከቢድ ቊጠባዊ ፈተናታት ዘጋጠማ ሊብያ፡ 26 ሽሕን 527 ዶላር ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ብምምዝጋብ ካልኣይቲ ሃብታም ሃገር ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።
ቀንዲ ፍልፍል ሃብቲ እታ ሃገር ኣብ ዘለዋ ሃብቲ ነዳዲ ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እታ ሃገር ክትረጋጋእ ዝተገበረ ጻዕሪ ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ደረጃ ቊጠባዊ ሃብቲ ክትሕሉ ኣኽኢልዋ።
3. ቦትስዋና
እዛ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር 20 ሽሕን 311ን ዶላር ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ብምምዝጋብ እያ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ። እታ ሃገር ኣብ ብዙሓት ጽላታት ዘለዋ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ምኽንያት እዚ ዕብየት ከምዝኾነ ይእመን።
ቦትስዋና ዘለዋ ሃብቲ ኣልማዝ ብግቡእ ምጥቃማ ከምኡ'ውን ቱሪዝምን ልምዓት ሕርሻን ብምስፍሕፋሓ ድልዱል ቊጠባ ክህልዋ ኣኽኢልዋ።
4. ጋቦን
ጋቦን 19 ሽሕን 865 ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ብምምዝጋብ ራብዓይቲ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ብሃብቲ ነዳድን መዓድናትን ዝተዓደለት ጋቦን ንዕብየት ቊጠባኣ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ዝተኸተሎ ዘላቒ ትልሚ ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ቊጠባዊ ምንቅስቓስን ጋቦን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃብታም ሃገራት ተርታ ክትስራዕ ገይሩዋ።
5. ግብጺ
ግብጺ ድማ 17 ሽሕን 788 ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ብምምዝጋብ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ግብጺ ልዑል በዝሒ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እትስራዕ ኮይና ቊጠባኣ ኣብ ቱሪዝም፣ ሕርሻን ምህርቲታት ፋብሪካን ዝተመስረተ እዩ።
5 ኣዝየን ድኻ ሃገራት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
1. ደቡብ ሱዳን
ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር እያ። ቊጠባዊ ጸገም ግን ሓላሊኽዋ 'ሎ።
ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ፣ ጎንጺን ዘይተማለአ ትሕተ ቅርጽን እታ ሃገር ንቕድሚት ምዕይ ምባል ካብ ዝኸልኡዋ ጸገማት ዝጥቀሱ እዮም።
መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ድሑር ምንቅስቓስ ሕርሻ ዝተዋፈሩ እዮም። ጎንጽን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እውን ነቲ ሕርሻ ዕንቅፋት ይኾንዎ ኣለዉ።
11 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።
2. ቡሩንዲ
ቡሩንዲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ። ማሕበራውን ቊጠባውን ጸገማት ዓትዒቶም ዝሓዝዋ ቡሩንዲ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ጎንጽን ዝተዳኸመ ትሕተ ቅርጽርን ፈተናታታ እዮም።
ቊጠባዊ ጸገት ህይወት ነበርታ ዘኽበደ ኮይኑ፡ ብቅልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር እውን ካልእ ዕንቅፋት እዩ።
80 ምኢታዊት ህዝባ ኣብ ባህላዊ ስራሕቲ ሕርሻ ዝተዋፈረ ቡሩንዲ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት እንትነጻጸር ብውሕስነት ምግቢ ኣብ ትሑት ብርኪ ትርከብ።
3. ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ
ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ እዛ ሃገር ከምተን ካልኦት ድኻ ሃገራት፡ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ብጎንጽን ድኹም ትሕተ ቕርጽን ቊጠባኣ ክንቀሳቐስ ኣይከኣለን።
ዋላኳ ብወርቂ፣ ነዳዲ፣ ዩራንየምን ኣልማዝን ዝሃብተመት እንተኾነት ዜጋታታ ግን ሕዚ እውን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ይርከቡ።
ዝቕባበ፣ ኲናት ዩክረይንን ከቢድ ውሑጅን ተደሚሮም ሪፐብሊክ ማእካይ ኣፍሪቃ ካብ ድኻ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን ገይሮምዋ ኣለዉ።
4. ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ
ዲኣርሲ እናተብሃለት እትጽዋዕ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ካብ ሰሃራ ንደቡብ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ዝዓበየት እያ።
ብኮባልትን ኮፐርን ዝሃብተመት ዲኣርሲ፡ ቊጠባዊ ጸገማት ግን ጸቒጥዋ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ህዝባ ድኻ ኮይኑ 62 ምኢታዊት ህዝባ መዓልታዊ ካብ 2.15 ዶላር ንታሕቲ ብዝኾነ ኣታዊ ይናበር።
ድዳኸ፣ ዘይምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ሕጽረት ማእከላት ጥዕናን ምስ ልዑል መጠን ወሊድ ተደማሚሩ ድኹም ቊጠባዊ ዕብየት ክህልዋ ገይሩዋ።
5. ሞዛምቢክ
ባዕዳዊት ግዝኣት ፖርቹጋል ዝነበረት ሞዛምቢክ ህዝቢ ተበታቲኑ ዝነብረላ ሃገር እያ።
እዛ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፣ ሕማምን ቅልጡፍ ዕብየት በዝሒ ህዝብን ድኽነት ዝነገሰላ ሃገር፡ ምህርቲ ሕርሻኣ ውሑድ፡ ክፍፍል ሃብታ ድማ ዘይፍትሓዊ እዩ።
ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ዘለዋ ጠንካራ ኣታዊ ውሽጢ ዓድን ካብ መስርዕ ድኻ ሃገራት ኣየውጸኣን።
እዚ ዝኾነሉ ድማ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሞዛምቢክ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ዝፈጥርዎ ሓደጋ ልዑል ብምዃኑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







