ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?

ባጤራ ናቕፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ጆርጅያ ሜሎኒን ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ሓቢሩዎም።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ከኣ ነቲ ተኽእሎታት ንምጽናዕ ንላዕለዋይ ኣማኻሪኣ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ክከታተሎ ከምዝሸመቶ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ወረ ኣብ ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታን ምስተቓልሐ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ እቲ ናይ ጥልያን ወፍሪ ሕጂ ክጅመር እዩ፡ ክብሉ እንከለው ገሊኦም ከኣ እቲ ዛዕባ ወፍሪ ብሓቂ ክትግበር ይከኣል ድዩ ወይስ ንህዝባዊ ርክባት ጥራይ’ዩ ተዘሪቡ ክብሉ ሕቶ ዘልዓሉ ኣለው።

ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መንግስታት ሩስያ፡ ቻይና ከምኡ'ውን ስዑዲ ዓረብ ዝተበጽሑ ሰፋሕቲ ስምምዓት ነይሮም። ንምዕባለታት እቶም ስምምዓት መሰረት ገይሩ ዝተራእየ ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ወላ ሓንቲ የለን።

ቢቢሲ እምበኣር ነዚ ጉዳይ ዝያዳ ንምንጻር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ተኽእሎታት ዳህሲሱዎ ኣሎ።

ባይታ ዘሎ ቍጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ

ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ከም ዳይረክተር እንዱስቱሪያዊ ልምዓትን ምትብባዕን ዝሰርሐ ምሁር ቍጠባ ክኢላን ሰንጋል ወልደንሰአ፡ እቲ ኣብ ጥልያን ዝተዘርበ ናይ ወፍሪ ኣርእስቲ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ ንግብራውነቱ ብዝምልከት ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ቍጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ ከምዝውስኖ ይገልጽ።

“ቅድምን ልዕልን ኵሉ፡ ነቲ “ወፍሪ” ዝብል ኣምርን፡ ሃገራት፡ ዘቤታዊ ወፍሪ ንምብርባርን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ንምዕዳምን ዝኽተላኦ ፖሊሲ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ” ዝብል ኣቶ ሰንጋል፡ መንግስቲ ኤርትራ “ብመንግስቲ ዝእዘዝ ምእኩል ስርዓተ ቍጠባ” ስለዝኽተል ፖሊሲታቱ፡ ዘቤታዊ ይዅን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዘተባብዕ ከምዘይኰነ ካብ ተመኩሮኡ ይዛረብ።

ሃገራት፡ ቊጠባዊ ዕብየተን ንምርግጋጽ፡ ሃገራዊ ረብሓታተን ንምዕቃብን ርእሰ-ማል ንምስሓብን ንደቀባትን ወጻእተኛታትን ሰብ ሃብቲ ዘተባብዕ፡ ዝተፈላለየ ፖሊሲታትን ስርዓታት ልቓሕን የዋድዳ እየን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዓለም፡ ፖለቲካዊ ስርዓተን ይዅን ዝኽተልኦ ስነሓሳብ ብዘየገድስ፡ ናይ ወጻኢ ርእሰ ማል ንምስሓብ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ወፍሪ ዝተማልአ ሓበሬታ ብምውዳድ፡ ንወፍሪ ዘተባብዕ ስርዓተ ልቓሕ፡ ናይ ግብርን ቀረጽን ኣተባባዒ ፖሊስን ሕጊን፡ ስሉጥ ናይ ባንክን መራኸቢታትን ኣገልግሎታት ብምቕራብ ንኣውፈርቲ የተባብዓ።

“ኤርትራ ኣብ 1991 ከም ናጻ ሃገር ካብ ትውለድ ክሳብ ሕጂ 32 ኰይኑ ከብቅዕ ቍጠባዊ ታሪኻ ንወፍሪ ዘተባብዕ ኣይኮነን” ይብል፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝመሃረን፡ ናይ ሓያሎ ኣውፈርቲ መጽናዕቲ ዝጸሓፈን ዝመርመረን ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራዊ ትካላት ኤርትራ ከም ኣማኻሪ ዝሰርሐ፡ ሕጂ ኣብ ዩኒቨሪስቲ ኒውዮርክ ዝምህር ዘሎ ክኢላ ቍጠባን ተመራማርን ፕሮፌሰር መንግስተኣብ ተስፋዮውሃንስ።

እቲ መንግስቲ ዝተኸለ ሓይሊ፡ ገድሊ 30 ዓመታት ዛዚሙ ካብ በረኻ ዝኣተወ ተዋጋኢ ሓይሊ ስለዝነበረ፡ ክሳብ ሕጋዊት ልዑላዊት ሃገር መስሪቱ፡ ማክሮ ፖሊሲ ሓንጺጹ፡ ኣብ ቍጠባዊ ፖሊሲታቱ ዝምርኮስ ናይ ወፍሪ ፖሊሲ ዝሕንጽጽ ቅሩብ ሓጐጽጎጽ ከጋጥሞ ባህሪያዊ ምንባሩ ኣቶ ሰንጋል ይጠቅስ።

“ሽዑ ናይ ዓቕሚ ሕጽረት እኳ እንተነበረ እቲ መንፈስ ግን ኣዎንታዊ ብምንባሩ፡ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ 1991 ሃገራዊ ማክሮ ፖሊሲ ቍጠባ ንምርቃቕ ዝደፍአ ክፉት ናይ ሞያውያን ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ 1996 ከኣ ብዙሓት ምሁራት ዝተሳተፉዎ ሃገራዊ ዋዕላ ቢዝነስ ዓዲሙ ሕጽረታቱ ኣመሓይሹ፡ ብብሕታዊ ክፋል ዝምራሕ ስርዓተ ቍጠባ ንምህናጽ ጽዒሩ” ይብል ሽዑ ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ሓላፊ ክፍሊ ልምዓትን ምዕባለን ዝነበረ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ኣቶ ሰንጋል።

እቲ ክልቲኡ ኣኼባታት፡ ቍጠባዊ ፖሊሲ ወፍሪ ኤርትራ ኣብ ምንጻርን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣብ ምዕዳምን ምትብባዕን ኣዎንታዊ ተራ ከምዝነበሮ ከኣ ይገልጽ።

ሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ከውፍሩ ዘሎ ተኽእሎ

ዶላር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንግስታት ንደቂ ዓድን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ንምትብባዕ ዝተፈላለየ ዓይነት ልቓሕ ይህባ እየን። ኣብ ገሊኡ ጽላታት ቍጠባ እውን ናይ ግብሪ ሕድገት፡ ናይ ክኢላታትን ምርምራዊ መጽናዕትን ሓገዝ፡ ንመዓላ ወፍሪ ዘገልግል መሬት፡ ናይ ዋንነትን ቀጻልነትን ውሕስነት ኣገልግሎት ይገብራ።

ኣብ ኤርትራ ግን፡ እቲ ብሕታዊ ክፋል ስለዘይተተባብዐ፡ ይትረፍ ከምኡ ዓይነት ሕድገታት ክግበር፡ ግቡእ ናይ ኤሌትሪክን ማይን ቀረብ፡ ናይ ትሕተ ቅርጺ መሳለጥያ፡ ብቝዕ ናይ ባንክን ኢንተርነት ኣገልግሎት፡ ብቝዕ ክኢላዊ ዓቕምን ስሉጥ መራኸቢታትን ስለዘየሎ ሰብ ሃብቲ ኣብ ኤርትራ ገንዘቦም ከውፍሩ ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ድሩት ምዃኑ ዶር መንግስተኣብ የረድእ።

ሓቂ እዩ ኤርትራ፡ ጻዕራም ህርኩት ህዝቢ ኣለዋ። ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ዝገለጸላ ሰፊሕ ናይ ወፍሪ ዕድላት፡ ሃብታም ማዕድናዊ ጸጋታት፡ ልዕሊ ሽሕ ኪሎሜተር ዘይተተንከፈ ድንግል ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሰዓት፡ ክረምትን ቀውዕን እትርእየሉ፡ ክሊማ ቆላን ደጋን እተስተማቕረሉ መልክዓ ምድሪ ስለዘለዋ፡ ሰብ ሃብቲ፡ ርእሰ ማሎም ከውፍሩ ከምዝብህጉዋ ይሕብር።

እንተዀነ ይብል ዶር መንግስተኣብ፡ ዝዀነ በዓል ሃብቲ፡ መሰል ኣእምሮኣዊ ንብረት፡ መሰል ቀዋምን ተንቀሳቓስን ዋንነት፡ ንጹር ናይ ሽቕለት ሕግታት፡ ዘተግብርን ዘኽብርን “ርጉእ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ፡ ብዙሕ ዘይለዋወጥ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ መሰላት ኣውፈርቲ ዘኽብርን ዝሕሉን ናጻ ፍርዳዊ ስርዓት” ዝኣመሰለ ውሕስነት ንኢጣልያውያን ኮነ ካልኦት ኣውፈርቲ ኣዝዩ ከምዘገድሶም ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን ኤርትራ፡ ካብተን ኣብ መኽሰበን ጥራይ ዝግደሳ ኣብ ዕደና ወርቅን ፖታሽን ዝነጣጠፋ ዘለዋ ናይ ቻይና ኩባንያታት ወጻኢ ምስ ናይ ምዕራብ ኩባንያታት ኰነ ትካላት ብዙሕ ናይ ወፍሪ ዝምድናታት ከምዘይብሉ ዝሕብር ኣቶ ሰንጋል፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ትነጣጠፍ ዝነበረት ኔቭሱን ዝተሰምየት ኩባንያ ካናዳ፡ ደሞዝ ዘይክፈሉ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ጉልበት መዝሚዛ ተባሂላ ኣብ ካናዳ ተኸሲሳ ነቶም ግዳያት ካሕሳ ከምዝሃበት ይሕብር።

እዚ ናይ ኔቭሱን ከም ኣብነት ዝጠቐሰ ኣቶ ሰንጋል ናይ ሃገራት ምዕራብ ኩባንያታት ኣብቲ ናይ ወፍሪ ዕድላት ጥራይ ዘይኰነ ንፖሊሲታት እቲ መንግስትን ባህሪያቶምን እውን ስለዝርእያ፡ ስሩዕ ኣኼባታት ዘካይድ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተኻኻእ ርጉእ መንግስቲ፡ ናጻ ፍርዳዊ ትካላት፡ ስሉጥ ብዙሕ ኣገልግሎታት ባንክን ኢንተርነትን ኣብ ዘይብሉ ሃገራት ገንዘበን ከፍስሳ ከምዝስከፋ የረድእ።

ወፍሪ ዝዕድማ ሃገራት ቅድሚ ዝኣገረ፡ ከም መስመራት መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ጸዓት፡ ዝኣመሰለ ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጺ ከዋድዳ እየን ዝጽዕራ።

ምትዕርራይ ፖሊሲ ክትገብር ትኽእልዶ?

ኢጣልያ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKEL

ኤርትራ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፍን ምስ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ብዝጸንሐ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ኵነታትን፡ እትረፍ እቲ ዝነበራ ትሕተ ቅርጺ ክዝምንን ክመሓየሽን እቲ ቀደም ዝነበሮ ደረጃ'ውን ክዕቅብ ከምዘይከኣለ እዩ ዝገልጽ ዶር መንግስተኣብ።

ወፍሪ ወጻኢ፡ ሰፊሕ ናይ ሽቕለት ዕድላት ብምፍጣር ዕዳጋታት ከም ዘረጋግእ ዘረድእ ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ወፍሪ ንምትብባዕ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንብሕታዊ ክፋል ዘልመሰ ቀያዲ ፖሊሲታት ክኽለስን መንግስቲ ኤርትራ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ክገብር ከምዝግባእ የዘኻኽር።

ወፍሪ ወጻኢ ብምዕዳም ቍጠባ ሃገር አሐይለን ዓይነት ህይወት መንብሮ ሕብረተሰብ ንምቕያርን ዝሕልና ኵለን ሃገራት ቀጻልን ስሩዕ ኵለንትናዊ ገምጋም ፖሊሲታት ከምዘካይዳ ዝገለጸ ኣቶ ሰንጋል፡ “ናይ ወጻኢ ወፍሪ ሓደ ካብቲ ቍጠባ ሃገር ዘደንፍዕን ዘረጋግእን ዓውዲ ስለዝዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ንወፍሪ ዝሓልኽን ዝዕንቅፍን ቢሮክራሲ ክኽልስን ክመሓየሽን ይግባእ” ይብል።

ኣብ 1994 ንፈለማ እዋን ዝወጸ መምርሒ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት ኮድ)፡ ኣብ 1997 ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ምምሕያሽ ተገይሩ ምንባሩ ሰብመዚ ኤርትራ ይገልጹ። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ካልእ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ረቛሒታት ምሉእ ምትእምማንን ክፈጥርን ክትግበርን ኣይክኣለን።

ሰብ ርእሰ ማል ወጻእተኛታት፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብታ ሃብቶም ከውፍሩላ ዝሓስቡ ሃገር ንዘሎ ፖለቲካዊ ርግኣትን ጸጥታን ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ወፍሪ ዝተሓሓዝ ጽላታት ቍጠባ፡ ፍቓድ መሬት፡ ግብርን ቀረጽን፡ ርጉእ ሸርፊ ወጻኢ፡ ሞያዊ ክእለትን ቴክኖሎጂን፡ ስሉጥ መስመራት ርክብ ኢንተርነትን ተሌኮሙኒኬሽንን፡ ዝኣመሰለ ዓውድታት ነንሓድሕዱ ዝናበብ ንጹር ፖሊሲ ምህላው እውን ይፍትሹ እዮም።

ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ዘበነ ጉሎባላይዘሽን፡ ኣውፈርቲ ናይ ምዕዳም ዓቢ ውድድር እዩ ዘሎ። ስለዝዀነ፡ ኵለን ሃገራት ንሰብ ሃብቲ ዘተባብዕ ዝተፈላለየ ሰሓቢ ሃዋህው ክፈጥራ እየን ዝጽዕራ።

ኵሎም ሰብ ሃብቲ ከኣ ኣብቲ ዝያዳ መኽሰብን ረብሓን ዝረኽብሉ ኩርናዕ ዓለም ከይዶም ተረጋጊኦም ከውፍር እዮም ዝደልዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር መንግስቲ ኤርትራ ኵሉ ዓይነት መሰላት ኣውፈርቲ ብሕጊ ከም ዝሕሎን ከምዝረጋገጽን ከተኣማምኖምን ግሉጽን ስሉጥን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንክህሉ ብግብሪ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣቶ ሰንጋል ይዛረብ።

“ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጎናጸፍ ኣትሒዛ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ክትዕድም ብዙሕ ጻዕርታት እያ ኣካይዳ። ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ኣብ ዕደና ዝነጣጠፋ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ካልእ ጽላት ዝነጥፋ ናይ ወጻኢ ትካላት እንተሃልየን ኣዝየን ውሑዳት እየን” ይብል ዶር መንግስተኣብ ተስፋዮውሃንስ፡ ሰብ ሃብቲ ንምዕዳም ኣድላዪ ዘበለ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ከምዘድሊ ብምዝኽኻር።