ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተጸውዐ ሰልፊ 4 ኣተሓባበርትን 97 ሰባትን ተኣሲሮም

ኣቶ ጊደና መድህን፣ መጋቢ ብሉይ አብርሃም ሃይማኖት፣ አቶ ካልኣዩ መሓሪን ኣቶ ናትናኤል መኮነንን
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ጊደና መድህን፡ መጋቢ ብሉይ አብርሃም ሃይማኖት፡ አቶ ካልኣዩ መሓሪን ኣቶ ናትናኤል መኮነንን

ዝመጽእ ሰንበት 30 ሕዳር 2016 [ኣ.ግ] ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ንዝተባህለ ሰልፊ ካብ ዘተሓባብሩ ፖለቲከኛታት ኣርባዕተ ብፖሊስ ከምዝተትሓዙ ክግለጽ እንከሎ፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር 97 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ እቶም ኣርባዕተ ሓሙስ 27 ሕዳር 2016 [ኣ.ግ] ዝተኣሰሩ ኰይኖም፡ እቲ ማእሰርቲ ነቲ ክካየድ ዝተወጠነ ሰላማዊ ሰልፊ “ንምትዕንቓፍ” እዩ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣቦ መንበር ውድብ ኢህኣፓ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ኣበራ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቶም ኣተሓባበርቲ ድሕሪ ምእሳሮም ፡ ምሸት ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ሰላማዊ ሰልፊ ጉልባብ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ብሕቡእ ይንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጕጅለታት ሽርሒ ከምዝፈሸለ” ብምግላጽ፡ 97 ሰባት ከም ዝተቐየዱ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ ካብቶም ዝተትሓዙ ሰባት እቶም ኣተሓባበርቲ ይርከቡዎም እንተኾይኖም እቲ ሓይሊ ዕማም ኣይሓበረን።

ካብቶም ሓሙስ ንግሆ ዝተኣሰሩ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ኢህኣፓ መጋቤ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖትን ኣባል ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ዝነበረ ኣቶ ናትናኤል መኮነንን ከምዝርከቡዎም ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ዝዀኑ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን መስራቲ ጉባኤኡ ናይ ዘካየደ ውድብ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ መራሕቲ ካብ ዝዀኑ ኣቶ ጊደና መድህንን ካልኣዩ መሓሪን ትማሊ ዝተኣሰሩ ካልኦት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ከምዝዀኑ እውን ሓቢሮም።

ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ዝተዓጠቑ ሓይልታትን ጕጅለታትን ኣስሊኹካ ናይ ምእታው ፈተነ ከምዝተገበረን፡ ብሽም ሰልፊ ህውከትን ዕግርግርን” ንምፍጣር “ተልእኾ ዝወሰዱ 97 ተጠርጠርቲ” ከምዝሓዘን ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ናይ ዘለዉ ዕጡቓት ሽርሒ ንምፍሻል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃንደበታዊ ፈተሻ ብምክያድ “ምስ ጸረ ሰላም ሓይልታት ብሓባር ዝሰርሑ” ዝበልዎም ተጠርጠርቲ ምስ ኣጽዋራት ኲናትን ራድዮ ርክብን ኣብ ቍጽጽር ውዒሎም ኢሉ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት፡ ዓዲ ከፍርሱ ብስም ብዘይጠቐሶም ግን ድማ “ሓይልታት ወጻኢ” ብዝበሎም ከምዝሕገዙ ብምግላጽ፡ ዝተረፉ ንምሓዝ እቲ ወፍሪ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣርባዕተ ኣተሓባበርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ከምዝተትሓዙ ዝገልጽ ኣቦ መንበር ኢህኣፓ፡ ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፖሊስ ፈደራል ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

ዛጊድ “ቃሎም ስለዘይሃቡ” ምኽንያት መእሰሪኦም ክፈልጥ ክምዘይከኣለ እውን ሓገዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ገሊጹ።

ቢቢሲ ምኽንያት መእሰሪ እቶም ፖለቲከኛታት ዝምልከት ካብ ፖሊስ ፈደራል ሓበሬታ ንምርከብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል ጀይላን ኣብዲ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ንዝቐረበሉ ሕቶ “ሓበሬታ ዝህብ ኮማንድ ፖስት ህጹጽ እዋን እዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ግን፡ እቶም ፖለቲከኛታት ዝተኣሰሩ ብኣተሓባባርነት ዝሳተፉሉ ንሰንበት ዝተጸውዐ ሰልፊ ንምትዕንቓፍ ከምዝዀነ ጥርጣረኡ ገሊጹ።

እቲ ካብ ኣራት ኪሎ ተበጊሱ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ክዛዘም ዝተጸውዐ ሰልፊ፡ ሰለስተ ዕላማታት ከምዘለዉዎ እቲ ብ 12 ኣተሓባበርቲ ተፈሪሙ ናብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ ደብዳበ የረድእ።

እቶም ኣተሓባበርቲ ብቐንዱ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን አሮሚያን “ኣብ ተግባራት ምፍሳስ ደም” ተዋፊሩ ዝበልዎ ሰራዊት ምክልኻል፡ “ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ናብ መዓስከሩ ክምለስ ንምሕታት”፣ ኣብ ኣዲስ ኣባበ፡ ኦሮሚያ ሲዳማን “ብዘይ ምኽንያት" ዝተኣሰሩ ኣምሓሩ ክፍትሑ ከምኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ተፈናቐልቲ “ብቕልጡፍ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ንምሕታትን” ከምዝዀነ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣተሓባበርቲ ሰልፊ ከምዘካይዱ ምስገለጹ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጸዊዑ ከምዘዘራረቦም ዝገልጽ ኣቦ መንበር ኢህኣፓ፡ “ሰልፊ ክካየድ ከምዘይብሉን ሓለዋ ከምዘይገብረሎምን” ከምዝሓበሮም ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ብስልኪ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ንዝመጽእ ሰንበት ዝተተለመ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ እቶም ኣተሓባበርቲ፡ ኣብ መዓልቱ ክካየድ እንተዀይኑ ዝሓተትናዮ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ፡ ምስቶም ዝተረፉ ኣተሓባበርቲ ተራኺቦም ከምዝውስኑ ኣፍሊጡ።