ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ‘ዕጡቓት ሓይልታት ከይወጽኡ ዝካየድ ህዝበ-ውሳነ የለን’

ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቶም ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ዘለዉ ከባቢታት ተቖፃፂሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ከይወፅኡ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ከም ዘይህሉ ተዛሪቡ።

ምስቲ ትማሊ ናብ መቐለ ዝበጽሐ ብኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዘካየዶ ልዝብ'ዩ እቶ ጌታቸው ነቲ መግለጺ ሂቡ።

“ዕጡቓት ሓይልታት ካብቲ ከበባቢ ከይወፅኡን፡ ስደተኛታት ናብ መረበቶም ከይተመለሱን፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ረፈረንደም [ህዝበ-ውሳነ] ኣይህሉን፤ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ንባዕሉ ተቐባልነት የብሉን” ምባሉ ተለቪዢን ትግራይ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒተር ኣብዪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 14 ጥቅምቲ፡ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ዕጫ ናይቶም ኣብ ኢድ ምቁፅፃር ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብህዝበ ውሳነ ዕልባት ክረኽቡ ምዃኖም፡ ቅዋም ፌዴራል መንግስቲ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

"መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይን ክልል ኣምሓራን ዘላቒ ሰላም ንኽመፅእ፡ ረፈረንደም ዘማእከለ ኣካይዳ እንተተኸቲልና ዝሓሸ ይኸውን ኢሉ’ዩ ዝኣምን። ንሕና ምላሽ ንህብ ከም ዘለና ኢና እንኣምን። መፍትሒ ኣቐሚጥና ኢና። እቲ መፍትሒ ዘሰማምዕ ድዩ ኣየሰማምዕን ድማ ምዝርራብ’ዩ” ክብል ንኣባላት እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት፡ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሕገ-መንግስታዊ ሓድነት ግዝኣት ክልል ትግራይ፡ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ስምምዕ ግብራዊ ክኸውንን ነባሪ ፍታሕ ክረክብን ዝብል ትፅቢት ክግበር ጸኒሑ'ዩ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ ውዕል፡ ኣብ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዝርከቡ፡ ካብ ሰራዊት ፌዴራል መንግስቲ ወፃኢ ዝኸኑ ዕጡቓት ሓልታትን ወተሃደራትን ለቒቖም ክወፅኡ ዝብል ኰይኑ፡ እንተዀነ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ዛጊድ ሰፋሕቲ ኣዋሰንቲ ግዝኣታት ደቡብን ምዕራብን ትግራይን ተቖፃፂሮም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ሓይልታት ኤርትራ'ውን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብን ምብራቕን ገለ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ምህላዎም ሰብ መዚ እቲ ክልል ይኸሱ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቶም ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን [ዛጊድ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ማእኸላት ዝርከቡ] ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ እዋን ጀሚሩ፡ ክሳብ ድሕሪ ሓደ ዓመት ውዕል ፕሪቶርያ ሰፋሕቲ ገበናት ኲናትን፡ ገበናት ምፅናት ዓሌትን፡ ይፍፀሞ ከምዘሎ ኣምነሰቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀራባ እዋን ዘውፀኦ ፀብፃብ የመልክተ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ፡ “ረፈረንደም ክካየድ እንተዀይኑ’ውን፡ እቲ እማመ መጀመርታ ናብቲ ብነፃ ምርጫ ክምረጽ ዝኽእል ቤት ምኽሪ ክልል ክቐርብ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣማኻሪ ግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ጎይተኦም ታጠቅ ብወገኑ፡ ነቲ ምስ ልኡኽ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መሪሕነት እቲ ክልል ነዚ ብመንግስቲ ፉዴራል ዝተትሓዘ ቅዋም ከምዘይቅበሎ ገሊጹ።

“እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ፌደራል ዝተትሓዘ ቅዋም ሪፈረንደም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክኸውን ከም ዘይክእል . . . ንምንታይ እቶም ትማሊ ህዝብና ክመዛበል ዝገበሩ፣ ህዝብና ዝቐተሉ፣ ህዝብና ዘሳቐዩን ዘሸበሩን ኣካልት ኣብኡ ስልጣን ሒዞም እናሃለዉ ህዝብና ናብኡ ምምላስ ረብሕኡ ክረኣየና ኣይኽእልን። . . . ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ብውዕል ፕሪቶርያን ሕገመንግስትን መሰረት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይኹኑ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘለዉ ትካላት ክፈርሱ ዘይሕጋዊ ሓይልታት ክወጹ ክገብር ኣለዎ” ከም ዝበለ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ሓቢራ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, @USEmbassyAddis

እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምምሕዳር፡ ብመሰርት ስምምዕ ፕሪቶርያ መሰጋገርን ግዝያውን ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ግን፡ ነቶም ነቲ ውዕል ሰላም ከይዘርግዎ ዝስግኡ ጉዳይ ኣካታዕቲ ግዝኣታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድሌት ህዝቢ ክሰምዕ ከምዝደሊ'ውን ኣሚቱ ነይሩ።

“ምስ ህዝቢ ተዛቲና ኢና። መልሲ ናይቲ ህዝቢ ንፈልጦ ኢና። ግን ‘እዚ ኣማራጺ'ዚ እንኮ ኣማራጺ ኣይኰነን፤ ምሁራት መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣምሓራን ትግራይን ተዛትዮም ነባሪ ሰላም ዘምፅእ ካልእ ኣማራፂ ፍታሕ ኣለና’ እንተይሎም ብሓጎስ ክንቅበል ኢና"።

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓስን ብኸመይ ኵነታትን ምስ ህዝቢ ከም ዝተዛተየ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብፍላይ ኣብ ዘይምምላስ ተመዛበልቲ ድማ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ሓንኪሱ' ክብል ምንቃፉ ዝዝከር እዩ።

ምብጻሕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ናብ ትግራይ

እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ዘላቒ ሰላም ከም ዝዘተዩ ጠቒሱ።

"ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብዛዕባ ዝሰፍነሉ መንገድታት ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተመያይጡ" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ ዝወጸ ሓበሬታ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ሬሚ ማሬሾ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እቲ ክልል ተራኺቡ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ዳግመ-ሕውየት ትግራይን ብዝምልከት ከምዝተላዘቡ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን።