ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ ኢሉ?

ማይክ ሃመር

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኰሚተ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ፖሊሲን ብሓፈሻ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ካብ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልኦትን ዘቲዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ሃመር ከምኡ'ውን ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃ፡ ኤጀንሲ ዓለም ለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ታይለር ቤክልማን ቀሪቦም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምስክርነት ሂቦም።

ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባን ብዛዕባ ዘለዉ ፖቲካዊ ኩነታት ብመንጽር ፖሊሲ ወጻኢ ሃገሩ፡ ቤልክማን ድማ ብዛዕባ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እተሳልጦ ዘላ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ምስክርነትን ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርህን ሂቦም።

በዚ መሰረት ማይክ ሃመር ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ጎንጽታትን መንግስቲ ኣመሪካ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርን መብርሂ ሂቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሰራዊት ምንቅስቃስ ሓርነት ኦሮሞ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ እናካየደ ከምዝጸንሐ ብመዝኽኻር፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ዕድል እንተተዋሂብዎም ሰላማዊ ዝርርብ ክግበር ንምሕጋዝ ኣመሪካ ድሉውቲ ምዃና ጠቒሱ።

ማይክ ሃመር ኣብ ክልል ኦሮምያን ኣምሓራን ዘለዉ ጎንጺታት ወታሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ከምዘይከውንን መንግስቲ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕን ኣመሪካ ቅዋማ ብግልጺ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጠትን እውን ወሲኹ ገሊጹ።

ሃመር ብፍላይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ። እቶም ቀንዲ ዝስዕቡ እዮም።

ሕቶ ኣባላት ቤት ምኽሪ

ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣካቢ ንኡስ ኮሚተ ኣፍሪቃ ጆን ጀምስ፡ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ ንምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቒፉ።

ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻእን ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ንምፍታሽ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙን ሕጂ ዝፍጠሩ ዘለዉን ኣልዒሉ፡ እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ እናሓርፈፈ ከምዝመጽአ ገሊጹ።

ጆን ጀምስ “ብዛዕባኣ (ኢትዮጵያ) ብዙሕ ብዝፈለጥኩ ቁጽሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ድልየት ከምዘይብሉ ይርዳእ ኣለኹ። ብሕታዊ ድልየቱ (ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ) ፡ ብፍላይ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝደልዮ ቁጠባዊ ጸገሙ ፍታሕ ንምርካብ እዩ” ኢሉ።

ንግዝኣት ሚሽጋን ዝወከለ ኣባል ሪፐብሊካን ጆን ጀምስ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ዕንወት፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ጎንጺ ምቕጻሉን ብምጥቃስ ድልየት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ርእይቶ ተወሳኺ ስግኣት ኲናት ይፈጥርዶ? ዝብል ሕቶ ንማይክ ሃመር ኣቕሪቡሉ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣባላት እቲ ኮሚተ ምስተዛረቡን ሕቶ ምስኣቕረቡን፡ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካን፡ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ድልየትን ኣብሪሁ።

ምምሕዳር ባይደንን ሃሪስን ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሰፍንን ልምዓት ክህሉን ድልየት ኣለዎም ዝበለ ሃመር፡ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ካብ ዝምደብ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ደው ክብልን ምስ ግድብ ህዳሰ ተኣሳሲሩ ዝነበረ ወጥሪ ክሃድእን ዕላማ ገይሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ተዛሪቡ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ምስበለ፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ፡ ኣብቲ ኲናት ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ምርግጋጽ ቀንዲ ጉዳይ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዕላዊ ምግባሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ክሲ ክምስረት ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ንገብር ኣለና ኢሉ።

ማይክ ሃመር ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐነሱ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎም እውን ገሊጹ።

ኮይኑ ግና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ለቒቑ ከምዘይወጽአ፣ ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን ምስንባትን ከይዲ ከምዝተጓተተን ብምሕባር ተሪፎም ዝበሎም ስራሕቲ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ጉዳይ ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ሕቶ ይግበኣኒ ዝለዓሎም ከባቢታት መፍትሒ ከምዘይረኸበ ብምግላጽ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝፈረሙሉ ውዕል ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተፈጸመን ኢሉ።

ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ምስተሸመ፡ ናብ ቱርክን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምኻድ፡ መንግስቲ ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ምሃቡ ኣመሪካ ከምዘሻቐላን እተን ድሮናት ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዝገደደ ክተሓላለኽ ብምግባረን ስግኣቱ ከምዝገለጸን ጠቒሱ።

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ

ቊጠባ

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ከቢድ ኣብ ዝበሃል ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዝኣተወት ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ጠቒሱ።

“ውህሉል ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝቕባበ ብማእከላይ 30 ምእታዊት እዩ” ዝበለ ኮይኑ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝምልከት ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ) ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ ኣሎ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ካብቲ ተረባሒት ዝነበረትሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ተሰሪዛ እያ።

ኮይኑ ግና ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ካብ ዝብጻሕ ንደሓር ዳግም ተረባሒት ኣጎዋ እትኾነሉ ኩነታት ይጽናዕ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ተዛሪቡ።

“ኢትዮጵያ ንኣጎዋ ብቕዕቲ ምዃና ዳግም ይጽናዕ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ውሳነ ክረክብ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ጥሕሰት መሰላት ዘሻቕል እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን። ብመሰረት መዐቀኒ ኣጎዋ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንቐደም ክመሓየሹ ኣለዎም” ኢሉ።

ጉዳይ ግድብ ሕዳሰን ቀይሕ ባሕርን

ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ናይ ዝተረፋ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስን ኩለን ሓበራዊ ተጠቃምነት ዘረጋግጽ ስምምዕ ክብጻሕ ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ክትቅጽል እያ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “ ጉዳይ ወደብ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ” ኢሉ ምዝራቡ ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ሓሊፉ ንኣመሪካ እውን ምንጪ ስግኣት ከምዝኾነ ማይክ ሃመር ተዛሪቡ።

ኮይኑ ግና ድልየት ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ተፈጻሚ ከምዘይከውን ብዕልን ብውልቀን መረጋገጺ ከምዝሃቦ ኣመልኪቱ።

“እዚ ዞባ ፍጹም ዘይደልዮ ነገር እንተሃለወ ካልእ ኲናት እዩ። . . . ኣብቲ ዞባ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽን ዘይምርድዳአን ብሰለማዊ መንገዲ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ።”

ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት አሮሞን

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየዱ ዘለዉ ጎንጽታት ንኣመሪካ ከምዘሻቐልዋ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር ነቶም ኣላባት ቤት ምኽሪ ገሊጹሎም።

በዚ መሰረት “ ተዋጋእቲ ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምድርዳር ሕቶ ኣቕሪብና” ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ እናተዛተዩ ከምዝቐነዩ ሓቢሩ።

ድርድር ታንዛንያ ኣመሪካ ንኣዋርሕ ብዘቕረበቶ ቀጻሊ ሕቶ ከምዝተሳለጠን ዝድለ ለውጢ ክሳብ ዝመጽእ ጊዜ ክወስድ ከምዝኽእልን እውን ገሊጹ።

“እቲ እንደልዮ ዓይነት ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዘ ምምጻእ ከቢድ እዩ። እቲ ዘተ ከቢድ ነይሩ። ኣብ ዳሬ ሰላም ንክልተ ሰሙናት ጸኒሐ እየ። ኣወንታዊ ለውጢታት ግን ኣለዉ። ሰላማዊ መፍትሒ ክሳብ ዝብጻሕ ውፉያት ኢና።“