መርገጺ ጸለውቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ግብሺን ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን

ምንጪ ስእሊ, EGYPTIAN PRESIDENCY WEBSITE

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ቀዋሚ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ [ዳዕመ-ሰሪዕ] ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ካብታ ሃገር ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ዝህልዎ ጽልዋ ኣሻቓሊ ኰይኑ’ሎ።

እታ ምስ ማያት ቀይሕ ባሕሪ እትራኸብ፡ ሃብቲ ሕርሻን ነዳድን እትውንን፡ ኣብ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ስፍራ ሰሜን ምብራቕ ኣፍራቃ እትርከብ ሃገረ ሱዳን፡ ንሩስያን ኣሜሪካን ከይተረፈ ዝሰሓበ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣገዳስነት ኣለዋ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ብቕሉዕ ስም ከየነጸረ ብሰራዊት ሱዳን ዝወጽአ፣ “ዞባውያንን ውሽጣውያንን ኣካላት” ንሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ይሕግዛ ኣለዋ ዝብል መግለጺ፡ ኣሰላልፋን ግብረመልሲን እተን ጸለውቲ ሃገራት ዓረብ ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ድዩ ዘሎ? ንዝብል ሕቶ ዝሽርጥጥ ኰይኑ'ሎ።

መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ፡ ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሱዳን ዘይሻራዊ መርገጺ ከምዘለወን እየን ዝገልጻ።

እንተዀነ፡ እተን ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራት ዓረብ፡ ብፍላይ ስዑዲ፣ ኢማራትን ግብጺን ኣብ ሱዳን ብዘለወን ረብሓታት ምስቶም ተነሓናሕቲ ወገናት ዕሙቕ ዝበለ ምትእስሳር ከምዘለወን እዩ ዝፍለጥ።

ግብጺ፡ ካብተን ጽኑዓት መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ገለ ዝተፈልየት ትመስል። ኣብታ ብሸነኽ ደቡብ እትዋሰና ጐረቤታ ሱዳን ዘሎ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንዝምራሕ መንግስቲ እያ ትድግፍ። ኢማራት ዓረብን፡ ስዑዲ ዓረብን ነናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓታት ንኸረጋግጻ ግን ኣብ መንጐ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ዝካየድ ዘተ ዝዓበየ ተራ ክህልወን ጻዕሪ ክገብራ የረኣያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኢማራት ዓረብ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ትድግፍ ከምዘላ እዩ ዝንገር።

ረብሓታት ግብጺ እንታይ እዩ?

ግብጺ፡ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዛ፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እቲ ዞባን ዓለምን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከተሐይል ትርአ’ላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሱዳን ንግብጺ፡ ብፍላይ ኣብቲ ብሓባር ዘዋስነን ዶባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀንዲ መሓዛኣ እያ። ክልቲአን ብጉዳይ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስራሕ ዘሎ ዓቢይ ግድብ ህዳሰን፡ ንሱ ዝፈጠሮ ስክፍታታትን ንነዊሕ ዝጸንሐ ምስሕሓብን፡ ንውሕስነት ማይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ሓባራዊ ኣረኣእያ ተሰማሚዐን ጸኒሐን እየን።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ - ግብጺ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት “ኢድ ዘይምእታው” ዝብል መትከል ከም እትሕሉ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ገለ ማዕከናት ዜና ዓረብ ዝወጸ ጸብጻባት፡ ኣብ መንጐ ሲሲን ግዝያዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግብጺ ንሰራዊት ሱዳን ከም እትድግፍ እዩ ዘመልክት።

ብኣሜሪካ ዝምወል ‘ቲቪ ኣል-ሑራ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዓረብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሲሲ ሲቪላዊ ምሕደራ ኣብ ሱዳን ንኸይህሉ ንምቅላስ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ንምጽናሕን ክጽዕር ከምዝኽእል ሓደ ተንታኒ ጠቒሱ ይሕብር።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዙሕ ግዜ ዝተራኸቡ ኰይኖም፡ ኣብ 2019 ስምምዕ ዶብ ከምዝፈረሙን፡ እቲ ሱዳናዊ ጀነራል፡ ንዝዀነ ብካይሮ ዝድለ ሰብ ከምዘረክብ ቃል ከምዝኣተወሉ ይግለጽ።

እዚ መብጽዓ’ዚ ኸኣ ነቶም ኣብ 2013 ኣብ ግብጺ ድሕሪ ምእጋዶም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ኣባላት ምንቅስቓስ ‘ኣሕዋት ኣስላም’ [ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን] ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ይግመት።

ብ19 ሚያዝያ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ምንጭታት ጠቒሱ፡ ግብጺ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ፡ ንሰራዊት ሱዳን ንምድጋፍ ነፈርቲ ውግእ ከም ዝሰደደት ይገልጽ።

እቲ፡ ግብጺ ንቡርሃን ንምሕጋዝ ደገፍ ክትሰድድ ምዃና ዝግለጽ ዝነበረ ግምታት፡ ኣብ ጽባሕ’ቲ ውግእ ዝጀመረሉ መዓልታት፡ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ወተሃደራት ግብጺ ከም ዝሓዙ ብዝገልጽ ጸብጻባት ተራጕዱ።

ኣዳላዊ መደብ ዕላል ተቓወምቲ ግብጺ ሙዕታዝ መጠር፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ንመምርሒታት ስዑዲ ዓረብ ወይ ኢማራት ተቐቢሉም፡ "[እዚ] ግብጺ ንቡርሃን ከም ዝደገፈት ናይ መጀመርታ ምልክት'ዩ" ክብል ተዋሲኡ ብምባል ከሲሱ።

ፕረዚደንት ግብጺ ድሒሩ፡ እቲ ሰራዊት ከም ኣካል ሓባራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ከምዝነበረን፡ ኣብቲ ውግእ ከምዘይሳተፍን ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝያዳ ንሰራዊት ሱዳን ብዕቱብ ክድግፋ ተራእየን። ኣዳላዊ መደብ ዕላል ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀነ ኣሕመድ ሙሳ፡ ሓደ ሰራዊት ንርግኣት ሃገርን መንግስትን ዘለዎ ተራ ብምጕላሕ፡ ህዝቢ ሱዳን ንሰራዊቱ ክድግፍ ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ካልእ ደጋፊ መንግስቲ ዝዀነ ጋዜጠኛ ዓምር ኣዲብ፡ ሰራዊት ኵሉ ግዜ ዝዓበየ ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰባት ብሓፈሻ ነቲ "ልኡላዊ" ተባሂሉ ዝሕሰብ ክድግፉ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

ኣመለኻኽታ ስዑድ ዓረብ ከ?

ካርቱን

ምንጪ ስእሊ, AL-ARABY-AL-JADID WEBSITE

ነቲ ኣብዚ እዋን ተባሪዑ ዘሎ ውግእ ሱዳን፡ ብወግዒ ገለልተኛ ምዃና ክትገልጽ እትግመት ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘለዋ ፕራግማቲክ ወይ ከኣ ግብራዊ ብዝዀነ ኣቀራርባ ተጠቒማ ነቲ ብ ኣሜሪካ ዝተገብረ፡ ካብ 24 ሚያዝያ ዝጀመረ ኣብ መንጐ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ሱዳን ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ክትሽምግል ሓጊዛ እያ።

ፖለቲካዊ መርገጺኣ፡ ዞባዊ ጽልዋኣን ጂኦግራፍያዊ ቅርበት ወደባዊት ከተማ ጅዳን ፖርት ሱዳንን፡ ስዑድያ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ዜጋታታን ዜጋታት ካልኦት “ፈተውቲ” ሃገራትን ዘውጽአት ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ስዑድ ዓረብ ኣባል ናይቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ዝርርብ ንምጥጣሕ ዝሰርሕ፣ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ኢማራትን ዘጠቓለለ ዲፕሎማስያዊ ጕጅለ ‘ኳድ’ እያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ምስ ክልቲኦም መራሕቲ - ኣልቡርሃንን ሕሜቲን ብተሌፎን ዝርርብ ኣካይዱ።

ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይካ ክልተ ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፍ ዝመስል ኣብታ ጸላዊት ጋዜጣ ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተሓትማ ዓንቀጻት፤ ሓደ ካብኡ፡ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ውግእ ጀሚሮም ዝብል - ኣብ መብዛሕትኡ ጭቡጥ ሓቅታት ጥራይ እየን ዘቃልሓ ዘለዋ።

ወኪል ቲቪ ኣልዓረብያ ናይ ስዑዲዓረብ’ውን፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዝያዳ ንረብሓ ሰራዊት ሱዳን እዩ ዝመስል ዘሎ ኢሉ ነይሩ፤ ዋላ’ኳ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ሽፋነኡ ብሓፈሻ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ዝተመርኮሰ እንተዀነ።

ምስ ቐጠር እትተኣሳሰር ኣብ ለንደን ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ ኣልዓረብ ኣ’ጀዲድን ከምኣ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜናን፡ ስዑድያ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ምስ ዳጋሎ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሓሳብ የቕርባ። ከም ምኽንያት ዝህባኦ ድማ ‘RSF’ ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ንኵነታት የመን ንኽጽንበር ሓይልታት ስለዝለኣኸ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2015 ኣብቲ ጥምረት ንምስታፍ ዘቐረበቶ ጻውዒት ናብ መንግስታትን ወግዓዊ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝቐንዐ ብምንባሩ ዝዀነ ይዅን ህላወ ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብቲ ኪዳን ከኣ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።

ተገዳስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሱዳን ምስ ምልሕላሕ ጽልዋ እስላማዊ ሓይልታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ግን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስለምንታይ ኢማራት ዓረብ ናብ RSF ቅርበት ከም ዘለዋ ትርአ?

ካርቱን

ምንጪ ስእሊ, AL-ARABY-AL-JADID WEBSITE

ኢማራት ዓረብ ፡ ዋላ’ኳ ገለልተኛ መርገጺ ከም ዘለዋ እንተኣወጀት፡ ምስቲ ሓይሊ RSFን መራሒኡን ጥቡቕ ርክብ ከምዝፈጠረት እዩ ዝፍለጥ።

ደገፍ እታ ወሽመጥ ዓረባዊት ሃገር ንሰራዊት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ እትገብሮ ደገፍ ንኽልተ ወሰንቲ ረብሓታት ከምዘገልግል ይንገር፤ እቲ ቀዳማይ፡ እስላማዊ ጽልዋታት ኣብቲ ዞባ ንምዕጋት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብቲ ውሑስ ዝዀነ ሃብቲ ወርቅን ነዳድን ዳጋሎ ረብሓ ንምርካብን እዩ።

እዚ እናዀነ ግን፡ ውሽጣዊ ማዕከናት ዜና ኢማራት ኣብ ጸብጻባተን ንዝዀነ ወገን ናይቲ ግጭት ዝድግፋ ኣይመስላን፤ ብኣንጻሩ መብዛሕትኡ ትዅረት ዝህባኦ ዘለዋ ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ሱዳን ጥራይ እዩ።

ኢማራት ዓረብ፡ ብ20 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተታሒዞም ዝጸንሑ ወተሃደራት ግብጺ ንኽፍትሑ፡ ኣብ ጻዕርታት ሽምግልና ንግብጺ ከም ዝሓገዘት ገሊጻ።

እዚ ምንቅስቓስ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኢማራትን RSFን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ክግለጽ ዝጽነሐ ጸብጻብት ዘራጕድ እዩ።

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ጀነራል ዳጋሎ ካብ ኢማራት ዓረብ ከምዝፍኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ብምዝርጋሕ፡ እታ ሃገር ኣብ ኵነታት ሱዳን ኢድ ኣለዋ ብምባል ብትሪ ክነቕፉ ጸኒሖም እዮም።