ፔሎሲ፡ ጉዳይ ታይዋን ከየነጸረት ናይ እስያ ዑደታ ጀሚራ'ላ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ እቲ ናብ ታይዋን ክትበጽሕ ከም እትኽእል ክወጽእ ዝቐነየ ዜና ገና ንጹር ምላሽ ከይተዋህቦ ናብ ሲንጋፓር፡ ማሌዥያ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፖንን እትገብሮ ናይ ኤስያ ዑደት ጀሚራ።
ንሳ ናብታ ንኣሜሪካን ቻይናን ብቐጻልነት ከተሰሓሕብ ዝጸንሐት ርእሰ-ምምሕዳራዊት ደሴት ታይዋይን ክትበጽሕ ከምእትኽእል ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ'ሎ።
ታይዋን ግዝኣታ ከምዝዀነት እትገልፅ ቻይና፡ ፔሎሲ ናብታ ደሴት እንተበጺሓ "ከቢድ ሳዕቤናት" ከምዝህልዎ ክተጠንቅቕ ምፅንሓ ይፍለጥ።
ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ዝዀነ ኣብ ስልጣን ዘሎ ላዕለዋይ ሹመኛ መንግስቲ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ገይሹ ኣይፈልጥን።
ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት ዝዀነት ፔሎሲ፡ እቲ ሽዱሽተ ኣባላት ዝሳተፍዎ ዑደት ልኡኻት ኮንግረስ፡ "ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ንዘለዉ መሓዙትናን ፈተውትናን ዘለዋ ዘይንቕነቕ ተገዳስነት ዳግማይ ንምርግጋጽ" ዝዓለመ ከምዝዀነ ብትዊተር ሓቢራ።
እቲ ዑደት ናብ "ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ" ምዃኑ ዘመልከተ ቤት ጽሕፈት እታ ኣፈኛ፡ ንሲንጋፖር፡ ማሌዥያ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን "ከምዘጠቓልል" እውን ኣፍሊጡ።
ቻይና ንታይዋን ኣካላ ክትከውን ዝግብኣ፡ ከም ሓንቲ ዝተነፀለት ግዝኣት እያ ትቘጽራ። ነዚ ኣብ መጻኢ ንምዕዋት ሓይሊ ትጥቀም'ዶ ትኸውን ዝብል ግን ግሉጽ ኣይኰነን።
ሰበስልጣን ቻይና ኣብ መንጎ መራሕቲ ታይዋንን ዋሽንግተንን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እናደልደለ ምምፅኡ የስተብህሉሉ ምህላዎም ብምጥቃስ ቁጠዐኦም ክገለጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሽዱሽተ ሓገግቲ ኣካላት ኣሜሪካ ናብታ ደሴት ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣሜሪካ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘለዋ ምስ ቻይና እምበር ምስ ታይዋን ኣይኰነን።
ፔሎሲ ንመሪሕነት ቻይና ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትነቅፍን ክትኵንንን ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።
ንሳ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ታይዋን ክትበጽሕ መደብ'ኳ እንተነበራ፡ ብዝተገበረላ ምርመራ ኮቪድ-19 ከምዘለዋ ስለዝተረጋገጸ ነቲ ጕዕዞ ኣናዊሓቶ።
"ንታይዋን ደገፍ ምርኣይና ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ [ሓምለ] ተዛሪባ ነይራ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ፔሎሲ ናብ ታይዋን እትገብሮ ዑደት "ኣብዚ እዋን'ዚ ጽቡቕ ኣይኰነን" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈታ ብሰንበት ዝዘርግሖ መግለጺ ድማ፡ እቲ ዑደት "ኣብ ሓባራዊ ድሕነት፡ ቍጠባዊ ሽርክነትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ዘተኰረ'ዩ" ኢሉ።
ኣብዚ ዑደት ዝለኦኣሉ ጉዳያት ንግዲ፡ ቅልውላው ክሊማን ሰብኣዊ መሰላትን እውን ከምዝዀኑ'ውን ተጠቒሱ'ሎ።
እቶም ንፔሎሲ ዘሰንዩ ልኡኻት፡ ላዕለዎት መሪሕነት ባይቶ፡ ግሪጎሪ ሚክስ፡ ማርክ ታካኖ፡ ሱዛን ደልቤነ፡ ራጃ ክሪሽናሙርቲን ኣንዲ ኪምን እዮም።
ናብ ታይዋን ንመወዳእታ ግዜ ዝበጽሐ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ነውት ጊንግሪች ኰይኑ፡ እቲ ግዜ ኣብ 1997 እዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







