ቻይና 30 ነፈርቲ ብክሊ ምክልኻል ኣየር ታይዋን ኣብሪራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና 30 ነፈርቲ ኲናት ናብ ክሊ ኣየራ ድሕሪ ምልኣኻ ተዋጋእቲ ነፈርታ ከምዘዋፈረት ታይዋን ገሊጻ።
እቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ ተርእዮ ድሕሪ ወርሒ ጥሪ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ቻይና ንታይዋን ካብ ምውራር ክትቁጠብ ድሕሪ ምጥንቃቑ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ።
ብዘይካ'ዚ ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣሜሪካ'ውን ናብታ ደሴት ብምብጻሕ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ምስ ሰብመዚ ምዝታዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ልምምዳት ንምግባር ምዃኑ እትገልጽ ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ተካይድ ኣላ።
እንተኾነ ግና እቲ ተግባር ንታይዋን ከቖጥዓ እንከሎ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ወጥሪ ኣሐይልዎ ኣሎ።
ንታይዋን ከም እተነጸለት ሓንቲ ዞባ እትርእያ ቻይና፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ሓይሊ ብምጥቃም ክትመልሳ ከምእትኽእል ትገልጽ።
ኣብቲ ናይ ሕጂ ተርእዮ፡ 22 ተዋጋእቲ ነፈርቲ፡ ኤለክትሮኒካዊ ኲናት፡ ቅድመ መጠንቀቕታን ጸረ ሳብማሪን ነፋሪትን ከምዝተሳተፋ ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ዝዘርግሖ ካርታ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፕራታስ ብዝርከብ ኣካል ታይዋን ብዝኾነ ክሊ ምክልኻል ኣየር (ADIZ) እየን በሪረን። እንተኾነ ናብ ክሊ ኣየር ታይዋን ኣይኣተዋን።
ክሊ ምክልኻል ኣየር፡ ካብ ግዝኣትን ክሊ ኣየርን ሓንቲ ሃገር ወጻኢ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር እኳ እንተኾነ፡ እታ ሃገር ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነታ ብኡ ዝሓልፋ ነፈርቲ ክትትል ትገብረለን እያ።
ታይዋን ነፈርቲ ቻይና ናብቲ ክሊ ኣየር ይኣትዋ ከምዘለዋ ምግላጽ ካብ እትጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ተግባር ታይዋን ናጽነታ ካብ ምእዋጅ ክትቑጠብ ዝወሃብ መጠንቀቕታ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ቤጂን ግና ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ልዑላውነታ ንምሕላው እትገብሮ ልምምድ ምዃኑ እያ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ናብ እስያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ብዛዕታ ምጥሓስ ክሊ ኣየራት ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቻይና "ኣዝያ ቀሪባ ትበርር ብምህላዋ ብሓደጋ እያ ትጻወት ዘላ" ክብል እንከሎ፡ ቤጂን ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ወራር እንተፈጺማ፡ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ክትህብ ፍቓደኛ ምዃና ብምግላጽ፡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







