ባይደን ድሕሪ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ውሳነ ዝስዕብ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ካብ ውድድር ዳግመ-መረጻ ንኽእለ ንሰሙናት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ጻውዒታት ክነጽግ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰንበት ንኣመሪካውያን መረጽቲ ብፍላይ ሃንደበታዊ ብዝዀነ ውሳነ ካብ ውድድር ፕረዚደንትነት ከምዝተኣለየ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ዝተረፎ እዋን ፕረዚደንትነቱ ክምልኦ'ኳ እንተዀነ፡ ከኣ ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኣብ ክንድኡ ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራት ኰይና ክትቀርብ ደጊፉዋ ኣሎ።
እዚ ውሳነ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ዲሞክራስያውያን ክካየድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ዝተረፎ ዝመጽአ ብምዃኑ ንሰልፊ ዲሞክራት ናብ ዘይተነጸረ ሃዋሁ ከምዘእተዎ ይግለጽ።
ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ዝስዕብ ይመስል።
ሕጂ እንታይ’ዩ ክግበር?
ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዳግማይ ንመረጻ ዝገበሮ ጐስጓስ ዝገደፈሉ ናይ መወዳእታ እዋን ኣብ 1968 እዩ ነይሩ።
ንሱ ድማ ካብ 1963 ክሳብ 1969 መበል 36 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ዘገልገለ ሊንደን በይንስ ጆንሰን እዩ።
ከም ውጽኢቱ መዓልቲ መረጻ ክሳብ ዝቐርብ ሓድሽ ሕጹይ ንምልላይ ዝወስድ መንገዲ ንጹር ኣይኮነን ነይሩ።
ፕረዚደንት ባይደን ድሮ ድምጺ 3,896 ቃል ዝኣተዉ ወኪላት (‘ፕሊጅድ ደሊጌትስ’) ተዓዊቱ ነይሩ፤ እዚ ድማ ካብቲ ንሕጹይነት ሰልፉ ንምርግጋጽ ዘድሊ መጠን ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።
ንካማላ ሃሪስ ደገፉ ድሕሪ ምግላጹ እቶም ወኪላት ንሕጹይ ድምጾም ክህቡ ዝቕይዶም ነገር ኣይክህሉን። ንዝመረጽዎ ድምጾም ክህቡ ናይ ባዕሎም ውሳነ እዩ ዝኸውን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክፉት ዋዕላ ክህሉ’ዶ ይኸውን?
ሃገራዊ ዋዕላ ዲሞክራስያውያን ካብ 19 ነሓሰ ክጅምር መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። እቲ ዋዕላ ወኪላት ዲሞክራትስ፡ ሕጹያት ፕረዚደንትን ምኽትል ፕረዚደንትን ብወግዒ ዘጽድቑሉ መድረኽ ከምዝዀነ ይፍለጥ።
ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ነታ ሓዳስ ሕጽይቲ ንምድጋፍ እንተዘይተኣኪቡ ግን ድሕሪ 1968 ንፈለማ እዋን ክፉት ዋዕላ ማለት’ውን ወኪላት ንዝደለይዎ ሕጹይ ድምጺ ዝህቡሉ መድረኽ ክኸፍት ይኽእል’ዩ።
ዝቐርቡ ብዙሓት ሕጹያት እንተ ሃልዮም፡ እቶም ልኡኻት ካብ መንጐኦም ንመን ከም ዝመርጹ ክውስኑ ናጻ ክዀኑ እዮም።
ሕጹያት ስሞም ኣብቲ ድምጺ ክቐርብ እንተዀይኑ ብውሑዱ ናይ 300 ልኡኻት ፊርማ የድልዮም። ካብ ሓንቲ ግዝኣት ዝመጹኡ ግን ካብ 50 ክበዝሑ የብሎምን።
ኣብ መንጐ እቶም 3900 ልኡኻት ናይ መጀመርታ ዙርያ ድምጺ ምሃብ ዝካየድ ኰይኑ እዚ ከኣ ንሰልፊ ዲሞክራት እሙናት ኰይኖም ዝሕሰቡ መረጽቲ የጠቓልል።
ዝዀነ ሕጹይ ኣብቲ ቀዳማይ ዙርያ ዝበዝሐ ድምጺ እንተዘይረኺቡ፡ ሽዑ ካልኦት ዙርያታት ድምጺ ምሃብ ይካየድ። እዞም ዙርያታት ድምጺ ምሃብ ከኣ ንመራሕቲ ውድባትን ምሩጻት ሰበስልጣንን ዘጠቓልሉ ኰይኖም ኵሎም ክሳብ ሓደ ሕጹይ ዝምረጽ ድምጺ ይህቡ።
ሕጹይነት ሰልፊ ንምርግጋጽ ሓደ ሕጹይ 1976 ድምጺ ልኡኻት የድልዮ።
ንካማላ ሃሪስ መን ክፈታተና ይኽእል?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ባይደን ካብ ውድድር ክወጽእ ጻውዒታት እናሓየለ ድሕሪ ምኻዱ ብርክት ዝበሉ መተካእታታት ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት’ዮም ተቐልቂሎም።
ዲሞክራሲያዊት ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር፡ ሚስተር ባይደን እንተወጺኡ ክትወዳደር ከምዘይትሓስብ እኳ እንተገለጸት፡ ከም ሕጹይ ናብ ቅድሚት ካብ ዝመጽኡ እያ።
ባይደን ብሰንበት ሕጹይነቱ ከምዝገደፈ ካብ ዝእውጅ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ "ዲሞክራት ንምምራጽን ንዶናልድ ትራምፕ ንምግታእን" ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር ምዃና ገሊጻ ኣላ።
ካልኦት ኣማራጺታት ድማ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ ፒት ቡቲጊግን ኣመሓዳሪ ፐንስልቬንያ ጆሽ ሻፒሮን ይርከብዎም።
ካማላ ሃሪስ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ሕጹይነት እንተተዓዊታ ገለ ካብዞም ሕጹያት ንምክትል ፕረዚደንትነት ኣብ ግምት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







