ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ንኽትከውን ደገፎም ዝገልጹ ዘለው ሹመኛታት ዲሞክራት

ካማላ ሃሪስ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ካብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ካብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራትስን ግዳምን ብዝመጽእ ዝነበረ ጸቕጢ ተወጢሩ ዝጸንሐ መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ትማሊ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዘይወዳደር ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ባይደን፡ “ዳግም ክምረጽ ትጽቢት'ኳ እንተነበረኒ፡ ንረብሓ ሰልፈይን ሃገረይን ክብል ግን ከቋርጾ፤ ከም ፕረዚደንት ኣብ ዝተረፈኒ ዕዮ መሪሕነተይ ከድህብ ኣለኒ ዝብል እምነት ኣለኒ” ምባሉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ እቲ ሰልፊ ኰይና ክትቀርብ ደገፉ ብምግላጽ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት "ፍልይቲ መሻርኽቲ” እያ ነይራ ክብል ኣመስጊኑዋ።

ካማላ ድማ ድሮ ኢመይላት ምትእኽኻብ ጐስጓስ ክትሰድድ ጀሚራ ኣላ።

ካብቶም መልእኽቲታት እቲ ሓደ፡ "ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ክወዳደር'የ። ድጋፍ እቲ ፕረዚደንት ምርካበይ ክብሪ ይስመዓኒ፤ ዕላማይ ድማ ነዚ ሕጹይነት ክረክብን ክዕወትን'ዩ" ይብል።

ሃሪስ፡ ኣመሪካውያን ኣብዚ መረጻ "ክቃለሱ" ከም ዘለዎም ብምጽዋዕ፡ ንእተካይዶ ጐስጓስ መረጻ ካብ 20 ዶላር ጀሚሩ ክሳብ 500 ዶላር ወይ'ውን "ዝዀነ መጠን" ከወፍዩ ሓቲታ።

ፕረዚደንት ባይደን ብወለንታኡ ካብቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ጐስጓስ እንተወጺኡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መን'ዩ ክትከኦ ዝኽእል ዝብል ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ካብቶም ቀንዲ ክትክእዎ ይኽእሉ'ዮም ዝተባህሉ ሓንቲ ንኽልተ እብረ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ሚቺጋን ኰይና ዝጸንሐት ግሬቸን ዊትመር'ኳ እንተነበረት፡ ሕጂ እቲ ሰልፊ ሕጹያት ኣብ ዝመርጸሉ ተነሓናሒት ካማላ ኰይና ክትቀርብ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ ኣላ።

ኣብዚ እዋን፡ "ዝበዝሑ" መራሕቲ ሰልፊ ዲሞክራት ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ካማላ ሕጽይቲ ኰይና ንባይደን ክትትክኦ ደገፎም ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ማሕበር ዲሞክራቲክ ስቴት ('ASDC') ኬን ማርቲን፡ "ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣቦ መንበራት ሰልፊ ግዝኣታት፡ ምክትል ኣቦ መንበራትን ፈጸምቲ ዳይረክተራትን ብዓብላሊ መልክዑ ኣብ ጐኒ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ይዓስሉ ምህላዎም ሕቡን’የ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ወሲኹ፡ "እዞም መራሕቲ ውድባት ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ መረጻ ንምዕዋት ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ኣለው" ብምባል ካማላ ንዶናልድ ትራምፕ ንምስዓር ብቕዕቲ ምዃና ገሊጹ።

ኮሚቴ ማሕበር ዲሞክራቲክ ስቴት፡ ብደረጃ ሃገር ንዘለው ዲሞክራሲያዊ ሰልፊታትን ምስቲ ዲሞክራሲያዊ ሃገራዊ ኮሚቴ ምትእስሳር ዘለዎምን ዝውክል ኰይኑ፡ ንመስርሕ ሕጹይነት ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝከታተል ምምሕዳር ሰልፊ ዲሞክራት'ዩ።

ካማላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንካማላ ድጋፎም ካብ ዝሃቡ

  • ሴናተር ማሳቹሰትስ ኤልሳቤጥ ዋረን፡ ሃሪስ ናብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ክትመጽእ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ ከም ትራምፕ ዝኣመሰለ "ዝተፈርደ ገበነኛ" ንምርታዕ "ካብ ዓቃቢት ሕጊ ነበር ዝሓሸ መን ኣሎ?" ኢላ።
  • ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረን ንባይደን ክትትክእ ከም ዝኽእል ስሙ ዝለዓል ዝነበረን ሚኒስተር መጓዓዝያ ፒት ቡቲጊግ ሃሪስ "ንዶናልድ ትራምፕ ክትስዕሮ እትኽእል ሰብ እያ" ብምባል ንኢዱዋ።
  • ሃሪስ፡ ደገፍ ናይታ ኣብ 2020 ንፕረዚደንታዊ ሕጹይነት ዲሞክራትስ ኣንጻር ባይደን ዝተወዳደረት ሴናተር ሚነሶታ ኤሚ ክሎቡቻር'ውን ረኺባ ኣላ።
  • ኣመሓዳሪ ሰሜን ካሮላይና ሮይ ኩፐር - ሃሪስ ሕጽይቲ ዲሞክራት እንተዀይና ምኽትላ ኰይኑ ክምረጽ ከም ዝኽእል ዝግለጽ ኰይኑ "እቲ ዘድሊ ኵሉ ኣለዋ" ኢሉ።
  • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባል ኮንግረስ ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኤ.ኦ.ሲ ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ሃሪስ "ቀጻሊት ፕረዚደንት ኣመሪካ ክትከውን'ያ" ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
  • ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም - ንባይደን ክትክኦ ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ዝንገረሉ ዝነበረ ጋቪን ኒውሶ፤ ንካማላ ከም ዝድግፍ ገሊጹ ኣሎ። "ተራር፡ ዘይትፈርሕ፡ ጽንዕቲ" ክብል'ውን ክብል ገሊጽዋ።
ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር ሓንቲ ካብቶም ንካማላ ድጋፎም ዝገለጹ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር ሓንቲ ካብቶም ንካማላ ድጋፎም ዝገለጹ'ያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጆ ባይደን ካብቲ መረጻ ከም ዘንሰሓበ ምግላጹ ስዒቡ፡ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሰባት'ውን ንምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለው።

ተዋሳኢት ጄሚ ሊ ኸርቲስ ንሃሪስ "እምንትን ዝተፈተነትን" ብምባል ክትገልጻ እንከላ፡ "ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ጸለምትን እያ፤ ንሳ እተሕልፎ መልእኽቲ ድማ ኣመሪካ ኣብ ዘጋጥም ዓብይ ሃገራዊ ፍልልይ ናብ ሓድነት ዘምጽእን ተስፋ ዝህብን እዩ" ኢላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድምጻዊት ኬቲ ፔሪ "it's a woman's world, and you're lucky to be living in it" ['ኢት ዎዝ ዎማንስ ወረልድ፤ ኤንድ ዩ ኣር ላኪ ቱ ቢ ሊቪን ኢን ኢት'] ዝብል ደርፊ እናደረፈት ኣብ ኢንስተግራም ጠቂዓ።

ኣቕራቢ 'ደይሊ ሾው' ዝነበረ ፍሉጥ ተዋዛዪ ጆን ስቲዋርት ብወገኑ፡ "ያታ" [Legend] እትብል ቃል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ከምኡ'ውን ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር ተዋሳኢትን ድምጻዊትን ባርብራ ስትራይሳንድ "ጆ ባይደን ኣብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣኑ ርኡይ ዓወታት ዘመዝገበ ሰብ ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ክኣቱ እዩ" ኢላ።

ሰልፊ ዲሞክራት ካማላ ሕጽይቲ ተነሓናሒት ፕረዚደንት ገይሩ እንተመሪጹዋን ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ እንተተዓዊታን፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክትከውን እያ።

ይዅን'ምበር እዚ፡ ንፈለማ እዋን ፕረዚደንታዊ ስልጣን እትሕዘሉ ግዜ ኣይክኸውንን።

ብ2021፡ ባይደን ሕክምና ክገብር መደንዘዚ ኣብ ዝተወግኣሉ እዋን ን85 ደቓይቕ ስልጣኑ ሒዛቶ ጸኒሓ እያ።

እዚ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓትሉ ግዜ ኣካል መስርሕ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝዀነ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ዝነበረት ጄን ሳኪ ገሊጻ ነይራ።

"እቲ ፕረዚደንት ብሞት ወይ ብፍቓዱ ካብ ስልጣን ምስ ዝወርድ እታ/ቲ ምኽትል፡ ፕረዚደንት ይኸውን" ይብል።

እዚ ዓንቀጽ እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ብ1963 ድሕሪ ዝተፈጸመ ቅትለት ፕረዚደንት ኬነዲ ዝተኣታተወ'ዩ።