ኣመሪካ ካብ ቓዛ ንዝግበር ቪዛ ሕክምናዊ መገሻታት ደው ኣቢላቶ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብ ቓዛ ንዝመጹ ሰባት ዝወሃብ ኵሉ ናይ በጻሕቲ ቪዛ ደው ከምዘብሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ቪዛ ናይ ምቍራጽ መደብ ዝወጸአ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ግዝያዊ ሕክምናዊ-ሰባዊ ቪዛታት ንምሃብ ዝተጠቕመሉ መስርሕን ኣገባባትን ምሉእን ዕሙቕ ዝበለን ዳግመ ግምት" ንምክያድ ከምዝዀነ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ ኣፍሊጡ።
እዚ ውሳነ ካብ ገለ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ፍልስጤም ኩነኔ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ትካል ረድኤት ህጻናት ፍልስጤም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ኣብ ዓቕምና ኣዕናዊን ዘይምለስን ጽልዋ ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ናይ ፖሊሲ ምቅይያር ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፍልጥቲ ነጣፊት ዝዀነት ላውራ ሉመር ኣብ ኤክስ ንመደብ ቪዛ ብምንቃፍን ምምሕዳር ትራምፕ "ነዚ ጽዩፍ ነገር ክዓጽዎ" ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምሕታታን እዩ።
መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ቓዛ ንዝግበር ሕክምናዊ መገሻታት ዝውዕል ናይ በጻሕቲ ቪዛ ደው ከምዘበሎ ዝገልጽ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ላውራ ሉመር ትማሊ ቀዳም ኣብ ኤክስ ነቲ ውሳነ ዘለዋ ኽቱር ደገፍ ገሊጻ።
ትካል ረድኤት ህጻናት ፍልስጤም ኣብ 2024 ኣብ ወጻኢ ንምሕካም 169 ህጸናት ካብ ቓዛ ናብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካ ኣውጺኡ ከምዘሐከሞም ኣፍሊጡ።
ቓዛ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዊ ዝተወለዐ ኲናት ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ከኣ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ኵሉ ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ዓንዩ ነባሪ ቓዛ ናብ ሰፍ ዘይብል ሕጽረት መግቢ ተቓሊዑ ይርከብ።
ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ እዚ ዅሉ ጥምየት እስራኤል መስመራት ረድኤት ብምዕጻዋ ዝሰዓበ ምዃኑ ይኸሱ።
እስራኤል ካብ መጋቢት ጀሚራ ዘይመንግስታውያን ትካላት ናብ ቓዛ ረድኤት ከየእትዋ ምሉእ ንምሉእ ወይ ብኸፊል ዓጽያ ብምባል እቶም ትካላት ሰባዊ መሰላት ይኸሱ።
እስራኤል ከኣ ነቲ ረድኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ዝኸልከለትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ንረድኤት ተባሂሉ ዝኣቱ እኽሊ ናብ ኢድ ሓማስ ከይኣቱ ኢላ ከምዝኸልከለቶ ትሕብር።
ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ትካል፡ ትካላት ሰባዊ ረድኤትን ጕጅለ ጋዜጠኛታትትን ኣብ ቓዛ ዓጸቦ ኣትዩ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ መወዳእታ ሓምለ ቢቢሲ ምስ ኤኤፍፒ፡ ኤፒን ሮይተርስን ብምዃን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ኣንጸላልዮ ዘሎ ዓጸቦ ዘለዎም ስክፍታ ብሓባራዊ መግለጺ ኣጠንቂቖም ምንባሮም ይዝከር።
ዶናልድ ትራምፕ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ኣብ ቓዛ ናብ ብሓቒ ከቢድ ጥምየት ተኸሲቱ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ዘለዎ ደገፍ ካብ ምግላጽ ግን ዓዲ ኣይውዓለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







