ውጕኣት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለዉ?

ጉዱኣት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getachew Aregawi/FB

መንእሰይ መድሃኔ ሕሉፍ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መምህር ኮንስትራክሽን ኢንጂነሪን እዩ ነይሩ፤ 20 ሕዳር 2014 [ግእዝ] ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጸምቢሩ።

ካብ ቀደሙ፡ በቲ ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ዝተገብረ ቃልሲ፡ ‘ሰብ ዝሓልፎ ዘይመስል’ ዝብሎ ፍጻመታት ስምዒቱ ይትንከፍ እዩ።

“ኣብቲ እዋን በጽሒ ኰይነ ኣካል እዚ ቃልሲ ዘይኰንኩ ዝብል ስምዒት ነይሩኒ፡” ይብል።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ክጽምበር ዝደፍአ ምኽንያት ሓደ እዚ ድጉል ስምዒቱ እዩ ነይሩ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን።

እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝውዕል ዝነበረ ነታጒ፣ ህጻናት ክጠም፣ ዓመጽ ደቀንስትዮን ቅትለታትን ምስ ረአየ ናብቲ ቃልሲ ክኣቱ ከም ዘደፋፍኦ ይዛረብ።

“ናተይ ዕድል’ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኰነን፤ ተቓሊሰ ሞት ይሐሸኒ” ኢሉ ከም ዝተጸምበረ ይዛረብ።

“መስከረም 30፡ 2015 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ዳዕሮ የማነይቲ ኢደይ ተወቒዐ” ዝብል መድሃኔ፡ ኣብ ቀላሚኖ ተመዲቡ ንኽልተ ወርሒ ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝተጸበየ ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ፡ በቲ ትጽቢት ተስፋ ቀቢጹ ብውልቁ ክሕከም ከም ዝወሰነ ይዛረብ።

“ሕክምና ዝበሃል የለን። እታ ሓንቲ ዘላ ቍስሊ ምጽራግ ጥራይ እያ። ንሳ’ውን እንተዀነ፡ እቶም ሓካይም፡ ካብ ኣደታት ዝተኣከበ ዓለባ ዓዲ [ጨርቂ] ተጠቒሞም እዮም ዝሰርሑ” ክብል እቲ ዘሎ ኵነታት የዘንቱ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ውጕኣት ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጐደናታት መቐለ ወጺኦም ድምጾም ኣስሚዖም ነይሮም።

እኹል ሕክምናን ምግብን ኣይረኸብና፤ ተረሲዕና ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም እዮም ወጺኦም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ይቕረታ ከም ዝሓተቶምን ኣብ ቀረባ እዋን ሕቶኦም ክምለስ ምዃኑን ከም ዝገለጸሎም ካብቶም ተሳተፍቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝተሳተፈ መድሃኔ፡ “ንድገ ንምውጻእ ዓቕሚ ኣይንርከብ’ምበር፡ ቅድሚኡ’ውን ዕስራ-ሰላሳ እናዀንና ተኣኪብና ንሓትት ነይርና ኢና፡” ኢሉ።

ሓሓሊፉ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም’ውን ተዛሪቡ።

“እቲ ሰልፊ ካብ ኲሓ እዩ ጀሚሩ። ኣብኡ ዝተወሰነ ህዝቢ ተሓዊሱ ነይሩ። ካብኡ ግን ብኣሪድ ኣቢሎም ናብ ከተማ መቐለ ክኣትዉ ምስ ፈተኑ እቶም ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ክኽልክልዎም ፈቲኖም። ‘ናብ መዓስክርኩም ተመለሱ፡ ኣብኡ ክነዛርበኩም ኢና’ ኢሎምና ነይሮም፡” ብምባል ክኽልክሉ ከም ዝፈተኑ ተዛሪቡ።

መድሃኔ፡ እቶም ወተሃደራት መንብዒ ጋዝ ምትኳስ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ኵነታት ናብ ዘስክፍ ኵነታት ከምርሕ ኣብ ጫፍ በጺሑ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

‘ካብኡ ግን፡ ገለ [ሲቪላዊ] ሓለፍቲ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦምና፡ ናብ ከተማ ቀጺልና’ ይብል።

ህዝቢ ናብቲ ተቓውሞ እናተሓወሰ ምኻድ ጀሚሩ ነይሩ።

‘ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እዚ ዝተረድአ ይመሰል። እቲ ኵነታት ናብ ዘየድሊ ከየምርሕ ሰጊኡ እዩ፡ ደሓን ግደፍዎም ኢሉ ዝተዛረበ፡” ኢሉ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ሳሕቲ ዝተገብረ ሰልፊ ቀጺሉ። እቶም ጕዱኣት በቲ ናይ ኣቶ ጌታቸው ምላሽ ሕጕሳት ነይሮም፡ “ጌታቸው ንዓኻ ንፈትወካ ኢና፤ ሕቶና መልሰልና” ኢሎም’ውን ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ዘኪሩ።

ዉጉኣት ኲናት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Social Media

‘ኣእጋሮም ዝተቘርጹ ኣለዉ’

ታደለ ተኸስተ፡ ኣብ ኣግሩ ጉድኣት ዘጋጠሞ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኰይኑ፡ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ምስ ተወቕዐ ኣብ መዓስክር ማእከል ኣሪድ ኣትዩ ነይሩ።

ንሱ’ውን፡ “እቲ ኵነታት ዘሕጉስ ስለ ዘይነበረ ብውልቀይ እየ ተሓኪመ። ካብ ቤተሰብ፡ ካብ ደገን ካብ ውሽጥን ሓጊዞምኒ ይሕከም ኣለኹ፡” ይብል።

“ምሰኦም ደቂሰ እየ። እቲ እትደልዮ ሕክምና ይዅን መግቢ ግን ኣይትረክብን” ዝብል ታደለ፡ ብውልቁ ክሕከም ዝደረዀ ምኽንያት ይዛረብ።

“ንምህላው ሕክምና ኣሎ እዩ፤ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣመጋግባ የለን፣ መድሃኒት እውን እኹል የለን፡” ይብል።

“ዝበዝሕ መድሃኒታት ኣብ ፋርማሲታት እዩ ዘሎ፤ ፈርማሲ ግን ካበይ ኣምጺኡ እዩ መድሃኒት ዘለዎ” ዝብል ምጕርምራም ከም ዘሎ ይዛረብ።

“ኣቕርቦት ድዩ ዘየለ ወይስ ንደገ ድዩ ዝወጽእ ዘሎ፤ ተጋዳላይ ይሓሚ ኣሎ። ኣብ ሆስፒታል ዘየለ ካበይ መጺኡ እቲ መድሃኒት” እናበለ ይሓትት ኣሎ ኢሉ።

መድሃኔ ሕሉፍ ብወገኑ፡ ሰኣን መድሃኒት፡ ‘ክቝረጹ ዘይግባኦም ጉዱኣት ዝተቘርጹ’ ከም ዝፈልጥ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓደ ሓዲኡ መድሃኒት፡ ኣብ ሕክምና የለን ተባሂልካ ኣብ ውልቀ ፈርማሲታት ከም ዝርከብ ንሱ’ውን ሓቢሩ።

“ንኣብነት ኣብ መጋጠጠም ዝኣቱ ደቀቕቲ ሓጻዊን፤ ኣብ ሕክማና የለን ተባሂለ። ውጽእ ኢልካ ኣብ ፈርማሲታት ግን ኣሎ። ካበይ ኣምጺኦምዎ እንተኢልካ፤ ካብኡ ተሸይጡ ዝወጽአ እዩ ዝበሃል” ኢሉ።

ነዚ ንምርግጋጽ ንሜዲካል ዳይረክተር ዓይደር ሆስፒታል ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ብስምና ዝተዋጽአ ገንዘብ መዓላኡ ኣይፍለጥን

ካብቶም ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ ብስምና ዝዋጻእ ገንዘብ ይብላዕ ኣሎ ዝብል ስምዒት ከም ዝፈጠረሎምን ኣብ ጭርሖኦም ከምዘንጸባረቝን ይዝርብ።

መድሃኔ፡ “ዝተወሰነ መድሃኒት ይዅን ካልእ ብስምና ከምዝኣቱ ንርኢ ኢና። ካብኡ ግን ናብቲ ጉዱእ ኣይበጽሕን፡” ኢሉ።

“ብስምና ዝተዋጽአ ካልእ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፤ ‘ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ብስም ጉዱኣት ዝዀነ ነገር ኣይተዋጽእ’ ገለ ዝብሉ ጭርሖታት ነይሮም እዮም” ኢሉ።

ንውጕኣት እናተበሃለ ኣብዑር፡ እንቋቑሖን መዓርን ከም ዝዋጻእ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ንዓና ዝተበጽበጸ ሽሮ ወይ ድማ ክክዕ እዮም ዝህቡና ኢሉ” መድሃኔ።

“እቲ ጉዱእ፡ ቍስሉ ተሎ ንኽጽገን ዝሐሸ ምግቢ እዩ ዘድልዮ ነይሩ። ኣዝዩ እዩ ዝህሰ” ዝበለ መድሃኔ፡ ገሊኦም ማህረምቶም ኣብ መንጋጋኦም ከምዝዀነን ንምሕያኽ ከም ዝጽገሙን ተዛሪቡ።

“ብዕራይ ይሕረድ- ጨብረቕ ዝብላ እየን ዝመጻኻ ምበር ስጋ የለን። እኹል ኣይኮነን። ፊኖ’ውን ይመጽእ ኣሎ፡ ንርእዮ ኣለና። እንተዀነ እተን ዝስራሕ ባኒ ግን ዝደረቐ እዩ- ብፍላይ እቶም መንጋጋኦም ዝተወቕዑ ክውሕጥዎ ኣይኽእሉን።“

‘ኣብ ሕኹትኩት እዮም ዘለዉ’

ውዕል ሰላም ፕሪትርያ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ካብ ዝፍረም ሓሙሻይ ወርሑ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ዕጽዋ ዝነበረ ክልል፡ ኣገልግሎት መብራህትን ስልክን’ኳ እንተረኸበ፡ እቶም ህሩማት ተጋደልት ግን እኹል ሕክምናን ምግብን ኣይረኸቡን።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ’ውን ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን።

ነቲ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ወሲድሉ።

መድሃኔ፡ በቲ ስምምዕ ሰላም ሕጕስ’ኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ዝተርፍ ከም ዘሎን፡ እዚ ሕቶ ውጕኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ሓደ መርአያ ምዃኑ እዩ ዝኣመን።

እቲ ውጕእ እቲ ኵነታት ከም ዝርዳእ፡ ስለምንታይ ናብ ቃልሲ ከም ዝኣተወ’ውን ከም ዝፈልጥ፤ እንተዀነ ኵነታት ምስ ተረጋግአ ዘይሓገዙና ዝብል ዓቢ ቅሬታ ከም ዘለዎ’ውን ታደለ ተኸስተ ይዛረብ።

“ንሃገር ንህዝቢ ኢሉ ብደገን ብውሽጥን ዘሎ ክሕግዞ እዩ ዝግባእ። ቆላሕታ ክረክብ ኣለዎ፤ እቲ ሓድሽ መንግስቲ’ውን፡ ነዚ ጉዳይ ዝግባእ ቈላሕታ ክህቦን ግቡእ ተራኡ ክጻወት ኣለዎ፡” ኢሉ።

“ትማሊ ዓጽሙ ሂቡ ሎሚ ባኒ ስኢነ ክብለካ ንእሸቶ መሰከፊ እዩ” ይብል ታደለ ተኸስተ።

እቶም መራሕቲ ኸኣ “እንታይ እዩ እቲ ጸገም፡ ብክራንቺ ክሳብ ናብ ኣደባባይ ዝወጽእ - ኢሎም ክሓቱ” ኣለዎም ይብል።

“ካልእ ነገር’ኳ ዘይሓተተ! ገና እታ ዓዲ ኣይደልደለትን ኢሉ፡ እቲ ውቝዕ ይርድኦ እዩ፤ ስለምንታይ ተወቒዐ’ውን ኣይብልን። ንምንታይ ኢና ወጺና ታይ ኴንና ኢና ንቃለስ ዘለና- ብጣዕሚ ይፈልጥ እዩ። ግን እታ ዝተወቕዐት እግሩ እትጽግነላ- ጐረርኡ ዝውሕጠሉ ምግቢ ግን ብትኽክል ክቐርበሉ ይግባእ” ኢሉ።

መድሓኒትን ይስረቕ እዩ፡ ዝብል ሕሜታት ብሰፊሑ ስምዒት እቶም ውጕኣት እዩ።

ገለ መድሃኒታት፡ ኣብ ሆስፒታል ምስኣተዉ፡ ካልኦት ድማ፡ ካብቲ ሆስፒታል ወጺኦም ኣብ ፋርማሲታት ከምዝርከቡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደሊ ሓኪም ዓይደር ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ነቲ ኵነታት ተበሊጹ ክህብትም ዝደሊ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፣ እዚ ሓቂ እዩ። በዓል ሞያ ጥራይ ኣይኮነን ዝዀነ ተራ ሰብ ዝፈልጦ እዩ፡” ዝበለ እቲ ሓኪም፡ ንኣብነት ኣይሲኣርሲ ዝበሃል ብረድኤት ጥራይ ዝተረኽበ መድሃኒት፡ ኣብ ሆስፒታል ይዅን ኣብ መደበራት ጥዕና ከም ዘየለ ይዛረብ።

“እንተዀነ፡ እዚ መድሃኒት ኣብ ውልቀ ፋርማሲታት ዝርከበሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን” ኢሉ። እቲ መድሃኒት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኽበ መድሃኒት ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ዓይደር ክንድ’ዚ መድሃኒት መጺኡ እናተባህለ ዝዝረብ ጸብጻብ’ኳ እንተሎ፡ ዝበዝሕ ናብ ሆስፒታላት ከይኣተወ ኣብ መገዲ ከምዝተርፍ እዩ ዝዛረብ።

ተሰሪቝ ዝወጽእ ከም ዘሎ ድማ ከም ዝፈልጥ ተዛሪቡ።