ኢትዮጵያ፡ ሓደ ብዓልስልጣን ሰልፊ ብልጽግና ብዕጡቓት ተቐቲሉ

ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ከተማ ነቀምቴ

ምንጪ ስእሊ, NEKEMTE COMMUNICATIONS

ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ምዕራባዊት ከተማ ነቀምቴ ዝነበረ ኣቶ ደሳለኝ ቦኮንጃ ሎሚ ሓሙስ ብዕጡቓት ከምዝተቐትለ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ሐቢሮም።

ምምሕዳር ናይታ ርእሰከተማ ምብራቕ ወለጋ ዝኾነት ነቀምቴ፡ "ንስራሕ ካብ ገዝኡ እናወጸ እንከሎ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ" ብምባል ኣብ ፌስቡክ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ።

ኣብ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ዝለዓለ ሓላፊ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ እቲ ወዲ 33 ዓመት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ከምዝተቐትለ ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ፍቃዱ ተሰማ ብሞት እቲ ግዳይ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነ ኣቶ ፍቃዱ፡ ቅትለት ኣቶ ደሳለኝ "ብዝተዓጥቀ ሓይሊ" ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ካብ ሰብመዚ ምምሕዳር ነቀምቴ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ መንግስቲ "ሼኔ" ክብል ዝጽውዖ ጉጅለ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA)፡ ብዛዕባ ቅትለት ናይቲ ሓላፊ ዛጊት ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።

ፖሊስ እቲ ከባቢ'ውን ብዛዕባ'ቲ ቅትለት ዘውጽኦ መግለጺ የለን።

ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዝሰፈኖ ከባቢታት ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ዝፍጸሙ ቅትለታት በቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብፍላይ ድማ በቲ "ኣባ ቶርቤ" ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ከተማ ክንፉ ከምዝፍጸሙ መንግስቲ ይኸስስ።

ዋላ'ኳ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንዝቐርበሉ ክስታት ቅትለት ክነጽጎም እንተጸንሐ፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢታት ዝካየድ መጥቃዕትታት ብዝተሓሓዝ ስሙ ክጥቀስ ጸኒሑ'ዩ።

ኣባል ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ
መግለጺ ስእሊ, ኣባል ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሰሉስ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምዝርራብ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ካብ መንግስቲ ሕቶ ዝርርብ ሰላም ከምዘይበጽሖ እቲ ጉጅለ ብሩብዕ ሐቢሩ ነይሩ።

"ንጉሆ ናብ ስራሕ ንምኻድ ኣብ ዝተበገሰሉ ግዜ፡ ብዕጡቕ ሓይሊ ናይ ጭካነ ቅትለት ተፈጺምዎ፡ ህይዉ ሓሊፉ'ሎ" ክብል ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም መንነቶም ዘይተገልጸ ፈጸምቲ ናይቲ ቅትለት "ኣንጻር'ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎደና ለውጢ ደው ዝበሉ ኣካላት እዮም" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት፡ ሓያለ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚ ምቕታሎም ይፍለጥ።

ኣቶ ደሳለኝ፡ ናብ ዝለዓለ ጽሕፊ ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ነቀምቴ ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ዘገልግል ዝነበረ'ዩ።