'ምፍታሕ ግጭት' ዶ 'ህንጸት ሰላም'? መስርሕ ሰላም ብኸመይ ይፈሽል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ መስርሕ ምፍታሕ ግጭታትን ስምምዓት ሰላምን እዩ ዝመጽእ። እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ነባሪን ዘላቕን ሰላም ክምስርቱ ኣይረኣዩን። ብዙሕ ግዜ ድማ ዳግማይ ጐነጽ ይለዓል።
ዝተበታተኑ ሕብረተሰባት ዝያዳ ውጽኢታዊ ሰላም ንኽገብሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል?
ዶክተር ጃዝሚን-ኪም ዌስተንዶርፍ፡ ኣብ ላ ትሮብ ዩኒቨርሲቲ ሜልበርን ኣብ ክፍሊ ፖለቲካን ፍልስፍናን መምህር ዓለምለኻዊ ዝምድናታት እያ።
እዛ ብዛዕባ ግጭትን ሰላምን ተጽንዕ ተመራማሪት፡ ዝሑል ኲናት ኣብ 1991 ካብ ዝዛዘም ጀሚሩ ኣብ ዘጋጠሙ ኲናት ሓድሕድ ትዅረት ትገብር።
ዶክተር ዌስተንዶርፍ ከም ብዙሓት መሳርሕታ 'ምፍታሕ ግጭት' ዝብል ኣገላልጻ ኣይትመርጽን። ኣብ ክንድኡ 'ህንጸት ሰላም' ወይ 'ምቛም ሰላም' ዝብል ኣገላልጻ ትጥቀም።
እዚ ድማ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ብዛዕባ ህይወት ዝሓሸ ርድኢት ኣብ ምርካብ ዝገበረቶ ትዅረት ዘንጸባርቕ እዩ። ንሳ፡ ንሓንጸጽቲ ፖሊሲታት፡ ብዛዕባ እቶም ድሌታትን ጠለባትን ናይቶም ኣብ ድሕሪ ግጭት ዝርከቡ ሕብረተሰባት ርድኢት ክህልዎም እዩ ድልየታ።
ብሓጺሩ ከመይ ገይርና ዝሓሸ፡ ዝያዳ ድልዱልን ነዊሕ ዝጸንሕን ሰላም ክንምስርት ንኽእል ኣብ ዝብል ተተኩር።
“ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ እንፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝጅመሩ ኲናት መብዛሕታኡ ግዜ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ኲናት ሓድሕድ ዘጋጠመን ሃገራት እዩ” ትብል ዶክተር ዌስተንዶርፍ።
"ስለዚ ውጽኢት ዝፈሸሉ መስርሓት ሰላም እዮም" ትብል።
መጽናዕቲታት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብኣቶም ካብ 1989 ክሳዕ 2004 ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠሙ ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ኣብቶም 40 ሚእታዊት ስምምዓት ሰላም ከም ዝተፈረመ ትዛረብ።
ኣብ ፍርቂ ካብቶም ስምምዕ ዝተፈራረሙ ግን እቲ ሰላም ንሓሙሽተ ዓመትን ልዕለኡን ጥራይ እዩ ጸኒሑ።
መስርሕ ሰላም ንምንታይ ይፈሽል?
“መስርሓት ሰላም ዝፈሽሉ፡ ነቶም ዓመጽ ዝመልኦ ስጕምቲ ዝጀመሩ ውልቀሰባት መተባብዒ ኣብ ምሃብ እኹል ጠመተ ስለዘይገብሩ እዮም። ነቲ መሰረታዊ ስነ-ምንቅስቓስ ምላሽ ኣይህቡን” ትብል ዌስተንዶርፍ።
እታ ዶክተር፡ ምስ ኣብ ድርድር ዘተ ሰላም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምውጻእ ፖሊሲታት ህንጸት ሰላምን ዲሞክራስያውነትን ዝነጥፉ ልዕሊ 100 ላዕለዎት ተግበርትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታትን ቃለ-መጠይቕ ገይራ ነይራ።
እቶም ክልተ ዓበይቲ ርኽበታታ ድማ ብዛዕባ'ቲ ‘ዋን ሳይዝ ፊትስ ኦል’ ዝብል ኣቀራርባ ዝገልጹ እዮም።
‘ዋን ሳይዝ ፊትስ ኦል’ ‘ሓደ ዓቐን ንዅሉ ይምጥን’ ከም ማለት ኰይኑ፡ ንብዙሓት ሰባት ንምትእንጋድ ዝተዳለወ ኣቕሓ፡ ኵነታት ወይ ፖሊሲ ይገልጽ። እዚ ዓይነት ኣቀራርባ፡ እዅል ክኸውን’ኳ እንተኸኣለ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኵነታት ዝምጥን ግን ኣይክኸውንን እዩ።
ርኽበታት እታ ዶክተር፡ እዚ ኣቀራርባ፡ ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ተክኒካዊን ተክኖክራታዊን ከም ዝዀነ የመልክት።
ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ተክኒካዊ እንታይ ማለትዩ?
ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ዕግርግር ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ መረጻን ቅዋማትን ንምትካል፡ ሰናይ ምምሕዳር ንምቛም፡ ቢሮክራታትን ሲቪላዊ ኣገልገልቲን ንምስልጣን፡ ብልሽውና ንምዕጋት ኣድማዒ መገዲ ንምድላይ ኣጸጋሚ’ዩ።
ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ተክኖክራታዊኸ?
እቲ ኣብ ሕቶ ዘሎ ሰብኣዊ ረቛሒ ከይተረዳእካ ወይ ከየዋፈርካ፡ ሓደ ተግባራዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዘድልይዎ ትካላትን መሓውራትን ንምምስራት ዘተኮረ መስርሕ፡ ኣዝዩ ቴክኖክራስያዊ እዩ።
ቴክኖክራሲ ውሳነ ዝህብ ወይ ወሃብቲ ኣብ ዝተወሃበ ዓውዲ ሓላፍነት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ሳይንሳዊ ወይ ቴክኒካዊ ፍልጠት ብዝምልከት ብዘለዎም ክእለት መሰረት ዝምረጽ መልክዕ መንግስቲ እዩ።
ዲሞክራሲ ከም ምሕደራ ህዝቢ፡ ንህዝብን ብህዝብን ክግለጽ ይኽእል። ብኻልእ ወገን ድማ ቴክኖክራሲ ከም ብህዝቢ ብዘይተመርጹ ክኢላታትን ሰበስልጣንን ምውጻእ ፖሊሲ ዘካይድዎ ምሕደራ ይርአ። ወይ ድማ ብብሉጻት ክኢላታት ቴክኒክ ዝምራሕ መንግስቲ ወይ ቍጽጽር ሕብረተሰብ እዩ።
ብኲናት ኣብ ዝተሃስየ ሕብረተሰብ ዘሎ ኵሉ ሰብ ሰላም ዝደሊ’ዩ፡ እቲ መሓውር ቅኑዕ ክኸውን ምግባር ጥራይ’ዩ ዘድሊ፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ።
“ኣብ ክውንነት ግን ከምኡ ኣይኮነን። ሰላም ብዓቢኡ ውድድር እዩ። ገለ ሰባት ኣብቶም መሓውራት ክሳተፉ እንተዘይደልዩ’ኸ? እቲ ዝደለይዎ ነገር ንምርካብ ዝቐለለ መንገዲ ነቶም ሓደስቲ ትካላት ምሕደራ ምድኻም ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ’ዩ ድማ ኣብ ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝርከቡ ሕብረተሰባት ኣብ እዋን መረጻ ብዙሕ ዓመጽ ዝፍጸም ዘሎ፡” ክትብል ትሕብር እታ ዶክተር።
“ኣብ መንጐ’ቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዝከኣልን ማሕበረሰብ ዓለም ይከኣል ኢሉ ዝሓስቦምን ናይ ብሓቂ ፍልልይ ኣሎ። ካብ መጠን ንላዕሊ ህሩፍ ምዃን ነዘን ሃገራት ንውድቀት ዘዳልወን ይመስለኒ።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንጸት ሰላም ኣብ ክውን ዓለም
ዶክተር ዌስተንዶርፍ ኣብ 2015፡ ኣካዳሚያዊ ዳይረክተር ቦሎኛ ዓውደ መጽናዕቲ ምክልኻል፡ ምፍታሕን ዕርቅን ግጭት ነይራ። ነዚ ትካል ዘመሓድር ዓለምለኻዊ ትካል ሰላምን ጸጥታን (IPSI) ኰይኑ እቲ መኽሰብ ዘይሰርሕ፡ ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረን ንቐጻሊ ወለዶ ገበርቲ ሰላም ንምሕያል ዝዓለመን እዩ።
ዶክተር ዌስተንዶርፍ ኣብቲ ትካል ዝነበራ ተራ፡ ንሓሙሽተ ሰሙናት ንመትከላት ህንጸት ሰላም ኣብ ሓቀኛ ኩነታት ዓለም ከመይ ገይሮም ከም ዝትግብሩ ክስልጥኑ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዓለም ምስ ዝመጹ ሃነጽቲ ሰላም ክትሰርሕ ኣኽኢልዋ እዩ።
ህንጸት ሰላም፡ ግጭታትን ጉዳያት ግጭታትን ምግምጋም፡ ምድርዳር፡ ምድንፋዕ ዕርቂ፡ ብድሆታት ጸጥታ ምምሕዳር፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ግጭት መንግስታዊ፡ ቁጠባውን ፍርዳውን ስርዓታት ንምምስራት ምሕጋዝ ከጠቓልል ይኽእል።
ሰባት ኵነታት እቲ ግጭት ብዝምልከት ዘለዎም ዓሚቝ ቅሬታታት፡ ህንጸት ሰላም ንምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ተግባር ምዃኑ ዝሕብር ቀንዲ ምልክት ከም ዝዀነ ዶክተር ዌስተንዶርፍ ትዛረብ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ዓሚቝ ፍርሕን እምነታትን ኣለዎም። ብሓባር ርኡይ በሰላ ኣጋጢምዎም’ዩ፤ ኣብ ሃዋህው ዘይምትእምማን ምንባር’ውን ለሚዶም’ዮም። ሓደ ክፋል ተራይ፡ ሰባት ንገለ ካብቶም ዓገትቲ ሓሊፎም ክሓስቡ ምሕጋዝ’ኳ እንተዀነ፡ ኵሉ ግዜ ግን ቀሊል ኣይኰነን።”

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV/FACEBOOK
ዝሓሸ ሰላም ምፍጣር
እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ህንጸት ሰላም ዝኽተሎ ኣገባብ ዝያዳ ፕራግማቲክነት (ሓቕነቱ ዝረጋገጽ በቲ ዝህቦ ግብራዊ ረብሓ ጥራይ እዩ ዝብል ፍልስፍና) ከም ዘድልዮ ዶክተር ዌስተንዶርፍ ትኣምን።
እዚ ድማ ኣብታ ‘ዋይ ፒስ ፕሮሰስዝ ፈይል፡ ነጎሽየቲን ኢንሴኲሪቲ ኣፍተር ሲቪል ዋር’ (መስርሓት ሰላም ንምንታይ ይፈሽሉ፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዘይውሕስነት ምድርዳር) እትብል ኣብ 2015 ዝጸሓፈታ መጽሓፋ ዝዘተየቶ ኣርእስቲ’ዩ።
እታ ዶክተር ብዘይካ’ቲ እቲ ምስ ላዕለዎት ሞያውያንን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ዝገበረቶ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፡ ንሽዱሽተ ውግኣት ሓድሕድ መርሚራን ኣነጻጺራን እያ። እዚኦም ኣብ ካምቦድያ (1991)፡ ሞዛምቢክ (1992)፡ ቦጋንቪል (2001)፡ ላይበርያ (2003)፡ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን (2005 )፡ ከምኡውን ኣቸህ (2005) ዝተፈጸሙ እዮም።
ኣብ ሓደ ቦታ ዕዉት ዝዀነ መቓን ኣልዒልካ ኣብ ካልእ ሃገር ከተተግብሮ ምፍታን ዘይኮነስ ነታ ሃገር ዝሰማማዕ ኣገባብ ምሕንጻጽ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
"ድሕሪ ምምስራት ሰላም ዝመጹ ብድሆታት ብዝሓሸ ውጥን፡ ዝያዳ ተዓጻጻፊን ዳይናሚክን ኣገባባት ህንጸት ሰላም ክንፈትሖም ንኽእል ኢና" ትብል።
ንኣብነት ብቐንዱ ኣብ ምህናጽ ድልዱል ስርዓታት መረጻ ኣክንዲ ምትኳር፡ ገለ ውልቀሰባት ወይ ጕጅለታት ኣብ እዋን መረጻ ስለምንታይ ጐነጽ ከም ዝጥቀሙ ምርዳእን ምላሽ ምሃብን፡ ስትራተጂ ህንጸት ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ንምቕራጽ ጠቓሚ መገዲ ምዀነ።
ከምኡ’ውን ምስ ሲቪል መራሕቲ ወይ ናይ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ብዝያዳ ምስራሕ ኣብ ከባብያዊ ስክፍታታትን ድርኺታትን ዝያዳ ርድኢት ክህብ ይኽእል፤ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰላም ክምስርቱ ሓይሊ ይህቦም።
ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ዝመጽእ ሰላም ድማ ንመጻኢ ነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ዓይነት ሰላም’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







