ተጋሩ ነበርቲ ኣላማጣ ዘጋጥሞም ዘሎ እንታይ እዩ?

ከተማ ኣላማጣ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኣላማጣ

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝኣተዉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ክሳብ ሎሚ ዝቈጻጸርዎም ከባቢታት ኣለዉ።

ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብሰፊሑ ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን፡ ምስቲ ብክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ከምዝቘሙ ዝዝረበሎም ከባቢያዊ ምምሕዳራት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ግፍዒታት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ዛዕባ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ እዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ዘሎ ግፍዒታት ኣሰካፊ ይኸውን ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ። ነዚ ብፍላይ ኣብ ኣላማጣ ዘሎ ኵነታት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ከንቲባ እታ ከተማ ነበር መብርሂ ክህበሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን ከንቲባ እታ ከተማ ድማ ንዅሉ ምላሽ ሂቡሉ'ሎ።

ነበርቲ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም ዘሎ?

ንግስቲ [ንድሕነታ ስማ ዝተቐየረ] ነባሪት ከተማ ኣላማጣ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ ብስግኣትን ፍርሕን ዝተሸመመ ኣዝዩ “ጸልማት ህይወት” ከምዝዀነ ትዛረብ።

“ተወሊድና ኣብ ዝዓበናሉ መሬትና ኣብ ሽግር ኣለና፡ ብምባል ትግርኛ ዝዛረብ ግዳይ ግፍዕን ምፍርራሕን ይኸውን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ጉዳይ መንነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲን ካልኦት ትካላትን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃኡ ከም ዝበጽሐ፡ ኣምሪራ ትዛረብ።

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን በሪ ተኽላይ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ መከላኸሊ ዕርዲ ገይሮም፡ “ትግራዋይ ካብዚኣ ኣይሓልፍን፤ መሬትና ትግራዋይ ኣይረግጾን” ከምዝብሉ እትዛረብ እታ ነባሪት፤ ብዙሓት ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ነባሪ’ውን ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝርከብዎም ነታ ከተማን ከባቢኣን ዘመሓድሩ ኣካላት፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ግፍዒታትን ማእሰርትን ይፍጽሙ ምህላዎም ይገልጽ።

እቲ ነባሪ ኣተሓሒዙ፡ “ነበርቲ፡ ኣምሓሩ ኢና ንኽንብል ኢና ንግደድ ዘለና፡" ብምባል ንዕላማ ናይቲ ኣብታ ከተማ ዝግበር ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ምንቅስቓስ መንነት መሰረት ዝግበረ ምዃኑ የረድእ። ‘ጁንታ ኢኻ’ እናተባህለ ማእሰርትን ምፍርራሕን ገኒኑ ከም ዘሎ ኸኣ ይገልጽ።

ክልቲኦም ነበርቲ ከምዝሓበርዎ ኣብዚ እዋን፡ “ንምዝራቡን ንምግላጹን ዝኸብድ” ኵነታት እዩ ዘሎ። ነበርቲ ከም ልቦም ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን፤ ኣዝማድ እቶም ሹመኛታትን ዕጡቓት ሓይልታት ወይ ንዕላማኦም ዝስዕቡ ጥራይ እዮም ከም ልቦም ዝነብሩ ዘለዉን ከም ረድኤት ዝበሉ ኣገልግሎታት ዝረኽቡን።

“ናብ ስራሕ ወይ ካልእ ዋኒንካ ደፋእፋእ እናበልካ ዝዀነ ዕጡቕ እዩ ኣብ መንገዲ ደው ዘብለካ። እንታይ ኣጥፊአ እንተይልካ ድማ ‘ጁንታ ኢኻ ንስኻ’ ኢሎም የከላብቱኻ። ነበርቲ ‘ኣነኸ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይኣስሩኒ’ እናበሉ ብጭንቀት ይነብሩ ኣለዉ” ይብል እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ።

ኣብዚ እዋን ዘሎ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ከምዝቘመን ምስ ዞባ ሰሜን ወሎ ከምዝጥርነፍን ዝሓበረ ኣብ ስራሕ ዘሎ ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ግን፡ “ኣብዚ እዋን ከተማና ኣዝያ ዝተረጋግአትን ሰላማዊትን እያ ዘላ” ይብል።

ሕገ-መንግስታዊ መዕለቢ ክሳብ ዝግበር ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ኰይና ከምእትቕጽል ብምግላጽ፡ “መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክት ኣወንዚፉ በጀት ይኸፍል ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝንቀሳቐሱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, A.ABAY

‘ትግራዋይ ዶ ኣምሓራይ?’

ነበርቲ ኣላማጣ ከምዝብልዎ ኣብዚ እዋን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ ድማ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ክልል ኣምሓራ ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ኣለዉ፤ ዕጡቓት ፋኖ ‘ውን ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ኣብ ወሰናስን ይርከቡ።

ብፍላይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ተዋፊሮም እናሃለዉ ብዕጡቓት ፋኖን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ግፍዕታን ስቅያትን ክወርዶም ምርኣይ ከምዘሕዘኖም እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

“ትግራዋይ እንተዄንካ ወይ ምስ ትግራዋይ ርክብ እንተሃልዩካ" ማእሰርቲ ከም ዝስዕብ ብምግላጽ፡ "ትግራዋይ ዝበሃል ኣብዛ ከተማ ከይነብር ምግባር እዩ ዕላማኦም፤ ምፍጣርካ ዘጽልእ ኵነታት እዩ ዘሎ” ትብል ንግስቲ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ነበርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ካብ መቐለ ንኣዲስ ኣበባ ዝሓልፉ ገያሾ ከይተረፈ ብመንነቶም ከም ዝከላበቱ ነበርቲ ይገልጹ።

“ብሓይሊ ኣገዲዶም ግዝኣትና ኣምሓራ እያ ክብሉን ነበርቲ ኣምሓሩ ከምዝዀኑ ክኣምኑን ንምግባር እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ” ኢሉ።

ኣብታ ከተማ “ፋኖ ዝበሃል ዕጡቕ የለን” ክብል ዝምጕት ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ሃይሉ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እታ ከተማ ግን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ሓለዋ ከምዝተዋፈሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ኲናት ኣብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ክፍተታት የለን ምባል ኣይከኣልን። ነዚ ዝፍጽሙ ኣካላት፡ ክዳን ሰራዊት ምክልኻል፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ፋኖን ዝተኸደኑ ዘይሕጋውያን ሰባት ከምዝዀኑ በጺሕናዮ ኢና። ስጕምቲ’ውን ንወስድ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።

ብዝተኻየደ ፈተሻ’ውን እቶም ሰባት ነቲ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ዝኽደኑሉ ቦታ ከምዝተረኸበ፡ እቲ ከንቲባ ወሲኹ ገሊጹ።

ዝተፈናቐለ ከንቲባ እታ ከተማ እንታይ ይብል?

የማነ ካብ 2007 [ግእዝ] ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ብዝተፋላለየ መዝነትን መንግስታዊ ሓላፍነትን ከገልግል ከምዝጸንሐ ይዛረብ።

“መጋቢት 2014 እየ ከንቲባ ናይታ ከተማ ኰይነ” ዝብል እቲ ከንቲባ ነበር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዕጡቓት ኣምሓራ ነታ ከተማ ብምቍጽጻሮም ክወጽእ ከምዝተገደደ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

“እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ህዝባዊ ባህሪ የብሉን፤ ድልየቱ መሬት እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቅርጺ ስነ-ህዝቢ ንምቕያር፡ ነቲ ትግራዋይ ኣገዲድካ ክወጽእ ንምግባር፡ ቅትለትን ምስዋርን፡ ንብረት ምዝማትን ካልኦት ዓበይቲ በደላትን የውርድ እዩ ዘሎ” ክብል ድማ ይኸስስ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም ግፍዒታትን በደላትን ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ኣካላት እቶም ዕጡቓት ኣምሓራ ጥራይ ዘይኮኑስ ገለ ተወለድቲ እታ ከተማ ዝዀኑ ሰባት እውን ከምዝርከብዎም እቲ ከንቲባ ነበር ይሕብር።

“ምምሕዳራዊ መዋቕር በቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዘዳለዎ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። በጀት እውን እቲ ስሩዕ ናይ ፈደራል ይቐረብ ስለዘየሎ እቲ ክልላዊ መንግስቲ እዩ ብዝተወሰነ ዘቕርበሎም። ብሓፈሻ ክትሪኦ ከለኻ ግን ኣወዳድባ ናይቲ ምምሕዳር ንተልእኾ ክልል መንግስቲ ኣምሓራ ዝሓዘ እዩ፡” ይብል።

ምቕያር ወረቐት መንነት (ታሴራ)

ዕዳጋ ኣብ ኣላማጣ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንግስቲን እቲ ካልእ ነባሪን፡ “መንነትና ብሓይሊ ክንቕይር ንግደድ ኢና ዘለና። ብሓይሊ ኣምሓሩ ከምዝዀንና ክንኣምን ኢና ንግደድ ዘለና” እዮም ዝብሉ።

ካብ ከንቲባ እታ ከተማ ነበር ኣቶ የማነን ነበርቲ እታ ከተማን ከምዘረጋገጽናዮ፡ ኣብዚ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ከምህራ ዝግደዳ ዘለዋ ኰይነን፡ እቶም ብትግርኛ ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ብኻልኦት ካብ ክልል ኣምሓራ ብዝተላእኩ መጽሓፍቲ ኣምሓርኛ ይትክኡ ኣለዉ።

“ህዝቢ መዓልታዊ ብመካይን እናተጸዓነ ይውሰድን ይግረፍን ኣሎ። በብእዋኑ ሰልፊ እናጸውዑ፡ 'ኣምሓራይ እየ በል!' እናበሉ የሳቕዩና” እትብል ንግስቲ፡ ትካላት ንግዲ’ውን ኣስማተን ካብ ትግርኛ ናብ ኣምሓርኛ ክቕይራ ይግደዳ ምህላወን ትዛረብ።

እቲ ካልኣይ ነባሪ ብወገኑ ኣብዚ እዋን ወረቐት መንነት ነበርቲ ካብ ናይ ትግራይ ናብ ናይ ኣምሓራ ይቕየር ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

“እቲ ወረቐት መንነት ‘በአማራ ክልላዊ መንግስት ሰሜን ወሎ ዞን ኣስተዳደር’ [ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምምሕዳር ዞቦ ሰሜን ወሎ] ብዝብል እዩ ዝትካእ ዘሎ። ኵሉ ነባሪ ነቲ ሓድሽ ክሕዝ ይግደድ ኣሎ፡” ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጽ።

ነቲ ዝነበረ ወረቐት መንነት [ታሴራ] ብሓድሽ ኣብ ዝቕየረሉ ዘሎ መስርሕ ንገሊኡ እናሃብካ፡ “ምስ ጁንታ ተሓባቢርካ” ንዝበሃል ድማ ምኽላእ ከምዘሎ እትዛረብ ንግስቲ፡ “ትግራዋይ እየ ንዝብል ዝሕሰብ ኣይኰነን። እቲ ሓድሽ መታወቅያ ዘይብልና ድማ ረድኤት ተኸሊእና። ንምንታይ ኢልና እንተሓተትና ‘ንጁንታ ትሕግዛ ኔርክን፤ መግቢ ኣቕሪብክናሎም’ ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡና” ብምባል፡ ወረቐት መንነት ትግራይ ሒዝካ ምጽናሕ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተረድእ።

ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ነበር ኣቶ የማነ ከምዝሕብሮ፡ ብዝሒ ነበርቲ እታ ከተማ ካብ 65 ክሳብ 73 ሽሕ እዩ ዝግመት። ኣብዚ እዋን ግን ዳርጋ ፍርቁ ተፈናቒሉ ኣብ ማይጨው፡ መኾንን ካልእ ከባቢታትን ይርከብ።

“ጉዳይ መለለይ መንነት ብዘሕዝን ኵነታት ይቕየር ኣሎ። ካብ በሪ ተኽላይ ንደሓር ዘሎ ከባቢ ‘ዞን ሰሜን ወሎ’ ዝብል ሓድሽ ናይ ክልል ኣምሓራ ታሴራ እዩ ዝዕደል ዘሎ። ታቤላ ኣብያተ ትምህርቲ ከይተረፈ ብኣምሓርኛ ይቕይርዎ ኣለዉ። ታርጋ ተሽከርከርቲ’ውን ብናይ ኣምሓራ እናቐየርዎ እዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ - የማነ።

ኣብዚ እዋን ከንቲባ እታ ከተማ ዘሎ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ነዚ ዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ ኣብታ ከተማ ሓድሽ ወረቐት መንነት ይወሃብ ከምዘሎ ኣይሓብአን።

እቲ ዝወሃብ ታሴራ ድማ፡ “ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምምሕዳር ዞቦ ሰሜን ወሎ” ከም ዝብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ገና ውሳነ ኣብ ዘይተወሃበሉን ሕቶ መንነት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ከምዝፍታሕ ኣብ ዝግለጸሉን ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣምሓራ ዝብል ሓድሽ መለለይ መንነት ምዕዳል ንሕጊ ዝጠሓሰ’ዶ ኣይከውንን ንዝብል ሕቶ እንክምልስ እቲ ከንቲባ፤

“ቀደሙ’ውን ዝተቓለስኩን ዝሓትት ዘለኹን መንነተይ ንምምላስ እዩ። ስለዚ ኣነ ኣምሓራይ እየ ኢለ ኣለኹ። ስለዚ ዋላ እቲ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ግዚያዊ እንተዀነ፡ ነባሪ እታ ከተማ ኣብ ኢዱ ክሕዞ ዘለዎ መለለይ መንነት ‘ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ዞን ሰሜን ወሎ’ ዝብል ክኸውን ግድን እዩ። እዚ ታሴራ ኣየድልየንን ዝብል ሰብ ግን ኣይግደድን” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ኣብያተ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ከምህራን እቶም ዝጸንሑ መጻሕፍቲ ትግርኛ ብናይ ኣምሓርኛ ይትክኡ ከምዘለዉ ብምርግጋጽ ድማ “ብኣፍ መኽፈቲ ቋንቋኡ ስለዝተመሃረ ቅሬታ ዘቕርብ ኣይትረክብን ኢኻ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጸንሐ ሕቶ ኢና መልሲ ንህብ ዘለና” ኢሉ።

ሰላማዊ ሰልፊ ንምንታይ ዕላማ?

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ከተማ ኣላማጣ ሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። ሰልፈኛታት፡ ነታኣብ ማእከላ ኣርማ ኮኾብ ዘይብላ ባንዴራ ሒዞም ተራእዮም።

ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ከምዝሓበርዎ፡ ተገዲዶምን ፈሪሖምን ናብቲ ሰልፊ ዝተጸምበሩ ሰባት ነይሮም እዮም። እቲ ዝበዝሕ ግን ነባራይ እታ ከተማ ከምዘይኰነ እዮም ዝገልጹ።

“ነቲ ነባራይ ብግዴታ እዮም ኣውጺኦምዎ፤ ንዝተረፈ ‘ጁንታ ኢኻ’ እናበሉ ከቢድ መቕጻዕቲ ቀጺዖምዎ። ዝበዝሑ ሰባት ግን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዮም ኣኻኺቦምዎ። ካብ ቆቦ፡ ዋጃ፡ ወርቅዬ፡ ካብ ጎብዬ ክሳብ ወልድያ መኪና ገይሮም ብዘምጽእዎ ህዝቢ ነቲ ሰልፊ ዓቢይ ከምስልዎ ፈቲኖም፡” ይብል ስሙ ክጥቀስ ዘይደልይ ነባሪ።

ተመሳሳሊ ሓሳብ እትህብ ንግስቲ ብወገና፡ “ሰላማዊ ሰልፊ ዘይወጽእ ሰብ ‘ጁንታ እዩ፤ ድሕረ-ባይታኡ ክጽናዕ ኣለዎ’ ምስተበሃለ እቶም ንምንባር ዝሰግኡ ናብቲ ሰልፊ ከይዶም ተሳቲፎም። ፈሪሖም ናብቲ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ነበርቲ፡ ‘ንስኻትኩም ጸጕረ-ለወጥ’ ኢኹም ኢሎም ዝኣሰርዎም ሰባት ኣለዉ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ “እዚ ሓቅነት ዘይብሉ ዘረባ እዩ። ንሰልፊ ዝተገደደ ነባሪ የለን። ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣምሓራ ንሰልፊ ተጻዒኖም ዝመጽኡ ሰባት'ውን የለዉን። ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ንኸይመጽእ ብዝብል'ውን፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ናብታ ከተማ ዘእትዉ መንገድታት ኵሎም ከም ዝዕጸዉ ጌርና ኢና” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ሰላማዊ ሰልፊ ከተማ ኣላማጣ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

ከተማ ኣላማጣ ክሳብ እቲ ኲናት ዝተጀመረሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ትመሓደር ዝነበር ኰይና፡ ብቐንዱ ትግራዋይ መንነት ዘለዎም ተወለድቲ ከምዝነብሩላ ከንቲባ እታ ከተማ ነበር ኣቶ የማነ የረድእ።

እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ከንቲባ ኣቶ ሃይሉ ግን፡ ነዚ ዝጻረር ምጕት ብምቕራብ “ክሳብ 95 ሚእታዊት ነባሪ እታ ከተማ ብመንነቱ ኣምሓራይ ኰይኑ ንሕቶታቱ መልሲ ክረክብ ክጠልብ ዝጸንሐ እዩ። ስለዚ ኣገዲድና ኣምሓራይ ኵን ዝበልናዮ ነባሪ የለን” ኢሉ።

“ተጋሩ ነበርቲ እዛ ከተማ ሎሚ’ውን ብነጻነት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ኣብ ገበን ዝተረኸበ ዝዀነ ይዅን ሰብ ግን ብሕጊ ተሓታቲ እዩ። እሱራት ፖለቲካ ዝበሃሉ የብልናን። ልዕሊ 2200 ዝዀኑ ናታቶም ወገን [ተጋሩ] ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምምጻእ ገበናት ክፍጽሙ ተረኺቦም ተኣሲሮም ምስ ጸንሑ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ንሳቶም እውን ጥፍኣቶም ኣሚኖም ይቕረታ ስለዝሓተቱ ናብ ማሕበረሰቦም ተጸምቢሮም ኣለዉ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ - ከንቲባ ሃይሉ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝሓበሩ ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ “ካብ ዝነኣሰ 1000 ብር ክሳብ 32000 ብር” ክኸፍሉ ዝተሓተቱን ዝኸፈሉን ከምዘለዉን ይዛረቡ።

እቲ ክፍሊት ዝፍጸም ድማ ንወግዓዊ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ዘይኰነስ ንኣካላት ጸጥታን ሹመኛታትን ከምዝዀነ ገሊጾም።

ከንቲባ ሃይሉ ኣበራ፡ ነዚ ክሲ ብምንጻግ “ሰዓት ሕላፍ ዝተረኸቡን ቀለለቲ ገበናት ዝፈጸሙን ውልቀሰባት ናብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ይቕጽዑ እዮም፤ ብሰንኪ መንነቶምን ፖለቲካዊ ኣረኣእይኦምን ነዚ ዝተቓልዑ ኣለዉ ዝብል ግን ፍጹም ሓሶት እዩ” ዝብል መልሲ ሂቡ።