ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ 'ዘይተደልየ ደም ምፍሳስ ንምውጋድ' ክምርመር ተሰማሚዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝሓለፈ ታሕሳስ ወተሃደራዊ ሕጊ ንምትግባር ብዝገበሮ ፈተነ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺኡዎ ዝቐነየ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮል፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
"እቲ መርመራ ዘይሕጋዊ'ዩ" ዝበለ ዩን፡ "ዘይተደለየ ምፍሳስ ደም ንምትራፍ ብዝብል፡ በቲ መርመራ ከም ዝተሰማምዐ ተዛሪቡ።
እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ተግባራዊ ንምግባር ሰበስልጣን ንሰዓታት ካብ ሓለውቲን ደገፍትን ዩን ጸቕጢ ክበጽሖም'ኳ እንተጸንሐ፡ ሓጹር መንበሪ ገዛኡ ብምስባር ናብቲ ቀጽሪ ከም ዝኣተው ተፈሊጡ።
መርመርቲ ነቲ ፕረዚደንት ንምሓዝ ንሰሙናት ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ብ3 ጥሪ 2025 ኣብ መንበሪ ገዛኡ፡ ተሓቢኡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝተፈገብረ ፈተነ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ነይሩ።
እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ 2024 ወተሃደራዊ ሕጊ ተግባራዊ ክገብር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ስልጣን ብዘይኣግባብ ብምጥቃምን ናዕቢ ብምልዕዓልን ተኸሲሱ መርመራ ክካየደሉ ከም ዝጸንሐ ይዝከር።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ፕረዚደንት [ፒኤስኤስ] ዝዀነ ኪም ሱንግ-ሁን ከምኡ'ውን ሓላፊ ክፍሊ ሓለውቲ ኣካላት ሊ ክዋን-ዉ ትእዛዝ ማእሰርቲ ይፍጽም ከም ዘሎ ጸብጻብ ኤጀንሲ ዮንሃፕ የመልክት።
ፒኤስኤስ ፡ ፖሊስን መርመርትን ናብ መንበሪ ፕረዚደንት ዩን ከይኣትዉ ክኽልክል ጸኒሑ'ዩ።
ክሳብ ሎሚ ዩን፡ ናብ መርመራ ክቐርብን ካብ ስልጣኑ ክወርድን ዝቐርብ ዝነበረ ጻውዒትን ክነፍጐም ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ዩን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኣብ ስልጣኑ እንከሎ ማእሰርቲ ዘጋጠሞ መራሒ'ዩ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝጸንሐ ሃን ዳክ-ሱ ብወገኑ፡ ንጠለባት ተቓወምቲ ምቕባል ድሕሪ ምእባዩ ብባይቶ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ሃን ሎሚ ንግሆ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ትእዛዝ ወተሃደራዊ ሕጊ ብዘይምኽልካለይ "እሓዝን" እንተዀነ፡ ሕጋውነት ስጕምቲ ዩን ግን ብቤት ፍርዲ ክፍረድ ኣለዎ ኢሉ።
ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ፒፕል ፓወር ዩን (ፒፒፒ) ማእሰርቲ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት፡ "ዘይሕጋዊ" ክብሉ ከም ዝነቐፍዎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ኣባላት ፒፒፒ ካብቶም ሎሚ ንግሆ ኣብ ደገ ኣፍ መንበሪ ገዛ ዩን ተኣኪቦም መርመርቲ ከይኣትው ንምዕጋት ፈቲኖም ነይሮም።
መራሒ ደርቢ ፒፒፒ ክዌኦን ሴንግ-ዶንግ፡ እቲ ኵነታት ናብዚ ደረጃ ዝዓረገሉ ሃዋህው "ከም ዘጣዕሶ" ንባይቶ ተዛሪቡ።
"ክብሪ ሃገርና ተጋሂሱ" ኢሉ።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዩን ሴክ ዮል ዝምርምሩ ዘለዉ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ንኻልኣይ ግዜ እዮም እቲ ኣቐዲሙ ዝወጽአ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ንምፍጻም ናብ ወግዓዊ መንበሪ ገዝኡ ኣምሪሖም።
ብ3 ጥሪ ክኣስርዎ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ ምስ ኣባላት ፕረዚደንታዊ ኣገልግሎት ጸጥታ (PSS) ንሰዓታት ኣብ ዝተገብረ ምትፍናን ግን ንድሕሪት ክምለሱ ተገዲዶም።
ድሕሪ ሕጂ እንታይ'ዩ ክህሉ?
ቤት ጽሕፈት መርመራ ብልሽውና (CIO) - ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን መርመራ ንምክያድ ዝተጣየሸ - ዩን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ እቲ ነቤት ጽሕፈት ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት ብዝቐርብሉ ዘለው ክስታት መሰረት ክምርምሮ'ዩ።
ጠበቓታት ዩን ቅድሚ ሕጂ ነቲ ብሲኣይኦ ዝወጽአ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብምንቃፍ ዘይሕጋውን ትርጕም ኣልቦን እዩ ኢሎም።
ገለ ሰባት፡ እቲ ነቲ ስርዓት ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ እዋን እቲ መርመራ ናይ ዘይምዝራብ መሰሉ ክጥቀም ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ድሕሪ'ቲ ዝግበረሉ መርመራ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኣስታት 5 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ሴኡል ክእሰር ትጽቢት ይግበር።
ቤት ፍርዲ፡ ዩን ካብ ዝእሰር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እንተዘይኣውጺኡ ግን ክፍታሕ ይኽእል።
ትእዛዝ ማእሰርቲ እንተወጺኡ ከኣ፡ ዩን ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ ን20 መዓልቲታት ክእሰር ይኽእል።
ነዚ ስዒቡ፡ ዓቀብቲ ሕጊ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ እንከሎ ንኽካየድ ክሓቱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል።
ዩን መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮኾብ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ ዘሎ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል፡ጸረ-ፈሚኒስት ዝዀነ መድረኽ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ብዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ብዓቃባውያን መረጽቲ ተፈታውነት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ኣብ 2022 ፕረዚደንት ምስ ኰነ ግን ብውልቃዊ ብልሽውና ክኽሰስን ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞን ጀሚሩ።
ፖለቲካዊ ሽግራቱ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ዩን ብ3 ታሕሳስ 2024 ወተሃደራዊ ሕጊ ኣዊጁ ንደቡብ ኮርያ ኣብ ፖለቲካዊ ነውጺ ኣእትዩዋ።
እዚ ድማ ውድቀት እቲ ፕረዚደንት ክቀላጠፍ ገይሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ብባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለን ገበናዊ መርመራታት ክካየደሉን ተወሲኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







