ካናዳ፡ ቅልውላው ስደተኛታት ብኸመይ እዩ መኸተምታ ስልጣን ትሩዶ ኰይኑ?

ትሩዶን ትራምፕን

ኣብ መንጐ ምዕራባውያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣካታዒ ኰይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ካናዳ ግን ብውሕዱ ክሳብ ሕጂ ዝሓሸ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ኣባይትን ምውሳኽ ክራይ ገዛን፡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝተራእየ ተቓውሞን ጐስጓሳትን እቲ ኣጠማምታ ተቐይሩ ይመስል።

ገለ ሰባት እዞም ምኽንያታት ጃስቲን ትሩዶ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይምጕቱ።

ዶናልድ ትራምፕ ብወግዒ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ድማ እዚ ኵነታት ከይጋደድ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ካናዳ ከባቢ ቶሮንቶ፡ ማእከላይ ወርሓዊ ክራይ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ 2261 ዶላር ካናዳ እዩ።

ኣብ ብራምፕተን ኦንታርዮ ድማ ዋጋ ሓንቲ እትካረ ንጽል መደቀሲ ክፍሊ፡ 550 ዶላር ካናዳ እዩ።

ምናልባት እዚ ጽቡቕ ዋጋ ክመስል ይኽእል።

ብሓቂ ግን እዛ ክፍሊ ናብ መደቀሲ ዝተቐየረት ንእሽቶ ሽቓቕ እያ። ኣብ ጐኒ መሕጸቢ ኢድ ፍርናሽ ዝተዘርግሓላ፡ ሽቓቓ ድም ኣብ ጥቓኡ ዝርከበላ ክፍሊ እያ።

ከምዚኦም ዝበሉ ክፍልታት ዘወዓውዑ ጽሑፋት፡ ኣብ ኢንተርነት ኣዘራረብቲ ኰይኖም ኣለዉ።

"ፍንፉን" ዝብል ርእይቶ ዝሃቡ'ውን ኣለዉ።

ካናዳ ሰፊሕ ቦታ'ኳ እንተለዋ፡ እኹል ገዛውቲ ግን የለን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ክራይ ገዛ ዳርጋ ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ።

ብድምር ኣስታት 2.4 ሚልዮን ካናዳውያን ስድራቤታት ኣብ ኣዝዮም ንኣሽቱ ወይ ህጹጽ ጽገና ዘድልዮም ኣባይቲ ከም ዝነብሩ ኣብ ታሕሳስ ዝወጽአ ጸብጻብ ተቘጻጻሪ መንግስቲ ይሕብር።

እዚ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ፡ ካናዳውያን ምስ ናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ኣብ ዝቃለስሉ ተመሳሳሊ እዋን እዩ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ። እዚ ድማ ብግዲኡ ጉዳይ ስደት ኣብታ ሃገር ልዑል ኣጀንዳ ክኸውን ምኽንያት ኰይኑ።

ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ስደተኛታት ክቕበሉ ዝጸንሑ ካናዳውያን፡ ንመጀመርታ ግዜ ከተማታቶም ብኸመይ ክመሓደራ ከም ዝኽእላ ክሓቱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ፖለቲካ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዙርያ ስደት ዝተፈላለየ ኣንፈት ዝሓዘ ክትዓት ክርአ ጸኒሑ'ዩ።

ክሳብ ቀረባ እዋን ግን እዚ ኣብ ካናዳ ኣይረኣይን ነይሩ።

ምናልባት ብሰንኪ ኣቀማምጣኣ ክኸውን ይኽእል፤ ሕጂ ግን ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ዓሚቝ ለውጢ ዘርኢ ዘሎ ይመስል።

ጕጅለታት ጐስጓስ እውን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ኦታዋ፡ ቫንኮቨርን ካልጋሪን ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር ኣንጻር ስደት ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም።

"ብሓቂ ዝዀነ ሰብ ብዛዕባኡ ክዛረብ ዘይደልዮ ኣዝዩ ክልኩል ጉዳይ'ዩ ኢለ ይሓስብ" ይብል ፒተር ክራትዛር።

ንሱ፡ መሃንድስ ሶፍትዌርን መስራቲ ናይቲ ኣብ 2024 ዝተመስረተ ኮስት ኦፍ ሊቪን ካናዳ ዝተባህለ ጕጅለ ተቓውሞን እዩ። "[ግን] ነገራት ናይ ብሓቂ ተቐይሮም ኣለዉ።"

ፈጻሚ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ዳህሳስ መጽናዕቲ ኪት ኖይማን ብወገኑ፡ "ሰባት እቲ ስርዓት ስደት ብኸመይ ይመሓደር ከምዘሎ ስክፍታ ኣለዎም" ይብል።

ኣብ ፖለቲካ ካናዳ ዝለዓለ ስም ዝነበሮ ቀዳማይ ምኒስተር ጃስቲን ትሩዶ፡ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘሎ ሰፊሕ ዘይዕግበትን ወሳኒ ዓመት መረጻን እዩ ብ6 ጥሪ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ኣፍሊጡ።

ቅድሚኡ ዝነበሮ ተቐባልነት 22 ሚእታዊት ጥራይ እዩ፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጣኑ ግን 65 ሚእታዊት ተቐባልነት ነይርዎ።

ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ፍርቂ ካናዳውያን ስደት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ከምዝኣምኑ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ፍርቂ ካናዳውያን ስደት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ከምዝኣምኑ ገሊጾም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ዋላ'ኳ ስደት እንተዀነ፡ ንሱ ግን "ውሽጣዊ ብድሆታት ክቃለስ" ምጽንሑ'ዩ ዝጠቅስ።

ብዙሓት ድማ ኣብቲ ብኸፊል ብሰንኪ ስደት ዝመጸ ዝብልዎ ዝቕባበ ዋጋን ወሰኽ ክራይ ኣባይትን ብዝምልከት ዝንጕዕ ምላሽ ከም ዝሃበ ይኸሱ።

"ጕዳይ ስደተኛታት ቅጽበታዊ ጠንቂ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ኬክ ዘሎ ሽኮር ግን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካዊ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ጆናታን ሮዝ።

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትሩዶ ዝነበረ መንግስቲ ካናዳ፡ ክኢላታት ስደተኛታት ዝርከብዎም ወጻእተኛታት ተመሃሮን ግዝያውያን ሰራሕተኛታትን ናብታ ሃገር ምእታዎም ነቲ ዝተዳኸመ ቁጠባ ዳግማይ ክበራበር ዝሕግዝ ሱር በተኻዊ መንገዲ'ዩ ኢሉ ስለ ዝኣመነ፡ ኮታ ስደተኛታት ክውስኽ ገይሩ።

ቅድሚ 10 ዓመት 35 ሚልዮን ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ሕጂ ልዕሊ 40 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ቀንዲ ምኽንያት እዚ ወሰኽ ብዝሒ ስደተኛታት እዩ። ካብ ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ካናዳ ዝተረኸበ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2024 ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ብሰንኪ ስደት እዩ።

ብሓፈሻ ቍጽሪ ስደተኛታት ወሲኹ'ዩ።

ኣብ 2013፡ ኣብ ካናዳ 10,365 ኣመልከትቲ ስደተኛታት ነይሮም። ኣብ 2023፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 143,770 በሪኹ ኣሎ።

መረጽቲ ብሰንኪ ስደት ዝተሰምዖም ዘይዕግበት፡ "ካብ ጠንቂ ንላዕሊ ምልክት" ውድቀት ትሩዶ ምዃኑ ፕሮፌሰር ሮዝ ይምጕት።

"ብመንጽር ህዝባዊ ርእይቶ፡ [ትሩዶ] ነቲ ኵነታት ክርዳእ ከም ዘይክኣለ ዘንጸባርቕ'ዩ።"

ንትሩዶ ካብ ውሽጢ ሊበራላዊ ሰልፉ መን ከምዝትክኦ ንጹር ኣይኰነን/

ግን ኣብቲ መጻኢ መረጻ ዝተገብረ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ መረጽቲ ብፒየር ፖይሊቨር ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝድግፉ ይመስሉ።

እዚ ሰልፊ ድማ ቍጽሪ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ትሕቲ ቍጽሪ ናይቶም ዝህነጹ ሓደስቲ ኣባይቲ ክኸውን ዝጣበቕ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ካብ ዝዕወት ንደሓር፡ ፖይሊቨር "ብዛዕባ ስደት ኣዝዩ ከልዕል ጸኒሑ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ሮዝ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ስደት "ኣብ ኣእምሮ መረጽቲ ሰሪጹ'ሎ።"

ትራምፕ ጸጥታ ዶባት እንተዘይሓዪሉ ታሪፍ ክጥቀም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ጸጥታ ዶባት እንተዘይሓዪሉ ታሪፍ ክጥቀም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ብርግጽ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ምምራጹ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ድሮ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ነገር ከጋድድ ከም ዝኽእል ንጹር እዩ።

ትራምፕ፡ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብጃምላ ክሰጉግ ብዝኣተዎ መብጽዓ እዩ ኣብ መረጻ ክዕወት ክኢሉ።

ካብ ዝዕወት ጀሚሩ ድማ፡ ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ንምፍጻም ወተሃደራዊ ሓይሊ ከዋፍርን ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅን ምዃኑ ገሊጹ'ዩ።

ብተወሳኺ ድሕነት ዶባት እንተዘይሓዪሉ፡ ኣብ ኣቑሑት ካናዳ 25 ሚእታዊት ታሪፍ ክጽዕን መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ካሜራን ሓለዋ ዶብን

ካናዳን ኣመሪካን ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሓጹር ዘይብሉ ሓባራዊ ዶብ ኣለወን።

እዚ ዶብ ዳርጋ 9,000 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ብብዝሒ ኣግራብ ዝተሸፈነ እዩ።

"ዘ ስላሽ" ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሽዱሽተ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ጽርግያ መሬት ዝተሓንጸጸ እዩ።

ዘይከም ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ፡ መናድቕ የለዉን።

እዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጐ ኦታዋን ዋሽንግተንን ዘዅርዕ ቦታ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ። ከም ምልክት ናይቲ ጥቡቕ ርክብ እተን ሃገራት እዩ ዝርአ።

ትራምፕ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2017 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ቍጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ሰማይ ዓሪጉ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብእግሮም ዶብ ሰጊሮም ናብ ካናዳ ኣምሪሖም።

ኣብ 2016 ትሕቲ 24 ሽሕ ዝነበረ ቍጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ 2018 ኣብ ዓመት ናብ 55 ሽሕ ከምዝዓረገ መንግስቲ ካናዳ ይሕብር።

ዳርጋ ኵሎም ካብ ግዝኣት ኒውዮርክ ናብ ኲቤክ ኣውራጃ ካናዳ ዝሰገሩ እዮም።

"ዘ ስላሽ" ብዝበሃል ዝጸዋዕ 6 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ጽርግያ፡ ንዶብ ካናዳን ኣመሪካን የመልክት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, "ዘ ስላሽ" ብዝበሃል ዝጸዋዕ 6 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ጽርግያ፡ ንዶብ ካናዳን ኣመሪካን የመልክት

ኣብ 2023 ካናዳን ኣመሪካን ዶበን ከጽንዓ ተሰማሚዐን እየን።

እዚ ስምምዕ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ካብን ናብን ክልቲአን ሃገራት ከይሰግሩ ዝዓግት እዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እተን ሃገራት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኣመሪካ ወይ ካናዳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 14 ናብ መጀመርታ ዝኣተዉለን ሃገር ክምለሱ ኣለዎም፤ ኣብኡ ድማ ዑቕባ ይእውጁ።

ብትሩዶን ጆ ባይደንን ዳግማይ ዝተመሓየሸ ስምምዕ፡ ኣመሪካን ካናዳን ንሓተቲ ዑቕባ ውሑሳት ሃገራት እየን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኰሰ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሮያል ካናድያን ማውንትድ ፖሊስ ብዝብል ዝጽዋዕ ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስ ካናዳ፡ ትራምፕ ቃለ-መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ኣብቲ ዶብ ክውስኽ ንዝኽእል ምስጋር ስደተኛታት ዝኸውን ህጹጽ ውጥን ምድላው ከም ዝጀመረ ይገልጽ።

እዚ ድማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ናይ ለይቲ መርኣይ መነጽርን ኣብ ጫካ ዝተሓብኡ ካሜራታት ክትትልን ዘጠቓልል ቴክኖሎጂ እዩ።

ባይደንን ትሩዶን፡ ኣብ 2023፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ነቲ ዶብ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዶብ ከጽንዑ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባይደንን ትሩዶን፡ ኣብ 2023፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ነቲ ዶብ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዶብ ከጽንዑ ተሰማሚዖም

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ቻርለስ ፖየር ኣብ ሕዳር "እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ፡ ሰባት ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይቲ ግዝኣት ብብዝሒ ምስጋሮም ክኸውን ይኽእል" ኢሉ ነይሩ።

"ንበል ኣብ መዓልቲ 100 ሰባት ዶብ ሰጊሮም ዝኣትዉ እንተነይሮም፡ መኮንናትና ብመሰረቱ ንዅሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ሰፊሕ ርሕቀት ክሽፍኑ ስለ ዝግደዱ ከቢድ ክኸውን'ዩ።"

ሕጂ ግን ሃገራዊ መንግስቲ ንውጥን ጸጥታ ዶባቱ ዝውዕል ተወሳኺ 1.3 ቢልዮን ዶላር ካናዳ መዲቡ ኣሎ።

'መጻኢና ክነውሕስ ኢና ንደሊ!'

ኵሉ ሰብ ጠንቂ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጋደድ ዘሎ ቅልውላው ኣባይቲ ስደት እዩ ኢሉ ኣይወቅስን።

ፖለቲከኛታት ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎም ኣባይቲ ብዘይ ምህናጾም ኣብ ውሽጢ "30 ዓመታት ዝተጋደደ እዩ" ትብል ከንቲባ ቶሮንቶ ኦሊቭያ ቾው።

ብርግጽ እታ ሃገር ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ።

"ኣስታት 50 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ካናዳ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ወለዶ እዩ" ይብል ኖይማን።

"እዚ ማለት ወይ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ፡ ወይ ድማ ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዶም ካብ ካልእ ሃገር መጺኦም እዮም ማለት እዩ። ኣብ ቶሮንቶ፡ ቫንኮቨር፡ እዚ ልዕሊ 80 ሚእታዊት'ዩ።"

ኖይማን፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ መጻእቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ዝምርምር መጽናዕቲ ን40 ዓመታት ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ ካናዳ እቲ ኣገዳሲ ወይ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ድማ 'ብዙሕነት' ምዃኑ እዮም እቶም መጽናዕቲታት ዘመልክቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ርእይቶ ህዝቢ ከምኡ'ውን ምውሳኽ ስክፍታታት ብዛዕባ ስደት ዝተረኣየ ለውጢ "ድራማዊ" ከምዝዀነ ይዛረብ።

"እቲ ስርዓት ከመይ ይሰርሕ ኣሎ ዝብሉ ሕቶታት ዝያዳ ይሕተቱ ኣለዉ? ከመይ ኢሉ'ዩ ዘይሰርሕ ዘሎ?"

ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ኦሊቭያ ቾው፡ ጸረ ስደተኛታት ስምዒት ኣብ ካናዳ ክዝርጋሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ትነጽግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ኦሊቭያ ቾው፡ ጸረ ስደተኛታት ስምዒት ኣብ ካናዳ ክዝርጋሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ትነጽግ

ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ቶሮንቶ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ 'መጻኢና ክነውሕስ ኢና ንደሊ!' ከምኡ'ውን "ጃምላዊ ስደት ደው ይበል" ዝብሉ ጭርሖታት ተራእዮም እዮም።

"ስደት ደው ምባል የድልየና'ዩ" ይብል ጕጅለኡ ኣብ ገለ ካብቶም ተቓውሞታት ዝተሳተፈ ክራትዛር። "ደሞዝ ንዋጋ ክራይ ገዛ ዝኣክል ክሳዕ ዝኸውን፡ ከነደናጉዮ ኣለና።"

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ መጻእቲ ዝቐርቡ ክስታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ፡ ነባሪት ዋሳጋ ቢች ኦንታርዮ ምዃና እትገልጽ ናታሻ ዋይት፡ ገለ ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቀዳዳት ኰዒቶም ደገ ይወጹ ኣለው ክትብል ኣብ ቲክቶክ ገሊጻ ነይራ።

እቲ ጽሑፍ ኣማኢት ኣሽሓት ርእይቶታትን ጸረ ወጻእተኛታትን ጽልእን ዘስዓበ ኰይኑ፡ ብዙሓት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ "ናብ ዓዶም ክኸዱ" ኣለዎም ክብሉ ሞጒቶም።

ብዳስ ዝቘማ ከተማታትን ዝመልኣ መዕቆቢታት ግዳም ሓደርን

ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ኣብ ካናዳ ምስ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ብቐረባ ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብ ዙርያ ኣድላይነት ዝያዳ ጸጥታ ዶባት ዝረአ ዘሎ ልዑል ስክፍታታት፡ ሓተትቲ ዑቕባ ዘይርግኣትን ፍርሕን ክስምዖም ይገብር ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ኣብ ሞንትሪያል ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ፈጻሚ ዳይረክተር ዓብደላ ዳውድ፡ እቶም ምስኡ ዝሰርሑ ተቓላዕቲ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ድሕሪ መረጻ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኣየ ቍጽሪ ስደተኛታት ብዝወሃብ ዘሎ ትዅረት ዒላማ ከም ዝተገበሩ ክስምዖም ከምዝ ገበረ ይኣምን።

"ብርግጽ ልዑል ጭንቀት ኣለዎም" ይብል።

እቶም ከም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ክጸንሑ ተስፋ ዝገብሩ፡ ብሓቂ ዑቕባ ከም ዘድልዮም ክሳብ ዝውሰን ወግዓዊ ኣገልግሎት ሰፈራ ኢሚግሬሽን ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።

ቅድም ክብል ክልተ ሰሙን ዝወስድ ዝነበረ እዚ መስርሕ ሕጂ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ፖሊስ ካናዳ ኣብ መወዳእታ 2024 ንዝወሰኸ ምስጋር ስደተኛታት ህጹጽ ውጥን ምድላው ጀሚሩ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ካናዳ ኣብ መወዳእታ 2024 ንዝወሰኸ ምስጋር ስደተኛታት ህጹጽ ውጥን ምድላው ጀሚሩ'ሎ

ኣብ ቶሮንቶ ሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ንምዕቋብ ዝሕግዝ ዳሳትን ባንክታት መግብን ተዳልየን ኣለዋ።

ኣብታ ከተማ ዝርከባ መዕቆቢታት ግዳም ሓደር መብዛሕትኡ ግዜ ከምዝመልኣ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ክልተ ኣመልከትቲ ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት ቶሮንቶ ድሕሪ ምድቃሶም ብሰንኪ በረድ ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ንባዕላ ኣብ 13 ዓመት ዕድመኣ ካብ ሆንግ ኮንግ ናብ ካናዳ ዝገዓዘት ስደተኛ ዝዀነት ከንቲባ ቶሮንቶ ኦሊቭያ ቾው፡ "ሰባት ዋላ'ውን ክልተ ስራሕ ወይ ሰለስተ ስራሕ ሰሪሖም፡ ክራይ ገዛ ክኸፍሉን ደቆም ክምግቡን እኹል ገንዘብ ክህልዎም ከምዘይክእል ይርእዩ ኣለዉ" ትብል።

"ብተመጣጣኒ ዋጋ ዘይብሉ ህይወት ምህላው ዘስዕቦ ጸገም ይርድኣኒ'ዩ፤ ከምኡ'ውን ምስጓግ ዝፍጠሮ ፍርሒ ይፈልጦ'የ። ግን ብሰንኪ እዚ ንስርዓት ኢሚግሬሽን ምውቃስ ፍትሓዊ ኣይኰነን።"

ትሩዶ፡ 'እቲ ኵነታት ብልክዕ ኣይመዘንናዮን'

ተስፋ ምቝራጽ እናበረኸ ምስ ከደ፡ ትሩዶ ኣብ ጥቅምቲ ዓቢ ለውጢ ከምዘምጽአ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ብዝሒ ስደተኛታት ብ20 ሚእታዊት ምንካይ እዩ።

"ካብ ለበዳ ኣብ ዝወጻእናሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ጠለብ ሰራሕተኛን ምዕቃብ ዕብየት ብዝሒ ህዝብን ዝነበረ ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ብልክዕ ኣይመዘንናዮን" ክብል ተኣሚኑ።

ወሲኹ፡ ንዅሎም ደረጃታት መንግስቲ ዝያዳ ሰባት ንምትእንጋድ ዕድል ክህብ ከምዝደለየ ገሊጹ ነይሩ።

ግን፡ ካብኡ ንደሓር ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ እኹል ድዩ? ፕረዚደንትነት ትራምፕን ኣብቲ ወገን ዶብ ዝውስኽ ዘሎ ስምዒት ጸረ ስደተኛታት ዝያዳ ናብ ካናዳ ክዝርጋሕ ሓደጋ ኣሎ ድዩ?

ዳውድ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣብ ፖለቲካ ካናዳ ጽልዋ ዝነበሮ ይመስለኒ" ይብል። "ብዙሓት ፖለቲከኛታት ነዚ ፍርሒ ንምፍጣር ከም ሓደ መንገዲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ይመስለኒ።"

ካልኦት ድማ ብዙሕ ጽልዋ ከምዝህልዎ ርግጸኛታት ኣይኰኑን። "ካናዳውያን ካብዚ ዝሓሹ'ዮም" ትብል ኦሊቭያ ቾው። "ተኸታታሊ ማዕበል ስደተኛታት፡ ቶሮንቶን ካናዳን ንምህናጽ ከምዝሓገዙ ንዝክር ኢና።"

ቅድሚ ዝቕጽል መረጻ ኣብ ዙርያ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዝካትዑ ዘለው ፖለቲከኛታት፡ ፍርቂ ካናዳውያን ንባዕሎም ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ስደተኛታት ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም።

"ዓቃባውያን ኣብ ዝቕጽል መረጻ እንተተዓዊቶም፡ ምጕዳል ኢሚግሬሽን ክንጽበ ንኽእል ኢና" ይብል ፕሮፌሰር ጆናታን ሮዝ። ግን ፖይሊቨር ጥንቍቕ ስጕምቲ ክወስድ ከምዘለዎ የስምር።

"ኣብ ቶሮንቶን ቫንኮቨርን ዝርከቡ ስደተኛታት [መረጽቲ] ንዝዀነ ዓወት ኣገደስቲ ስለዝዀኑ፡ ከም ጸረ ኢሚግሬሽን ክረአ የብሉን፤ ከም ንቍጠባውን ፖሊሲ ኣባይትን ዝሰማማዕ ዳግማይ ገምጋም ጥራይ'ዩ ክረአ ዘለዎ" ይብል።

መራሕቲ ንግድን ምሁራትን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ካናዳውያን፡ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ምንቁልቋል መጠን ወሊድ ንምምካት ጽኑዕ ፖሊሲ ዕብየት ክትቅጽል ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለዎም።

"ብሓቂ ኣብ ካናዳውያን ልዑል ተስፋ ኣለኒ" ትብል ኣብ 2100 ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ናብ 100 ሚልዮን ክውስኽ ዝገብር ፖሊሲታት ዝጣበቕ ተበግሶ ክፍለ ዘመን እትሰርሕ ሊዛ ላላንደ ብወገና።

"ብሓቂ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ንላዕሊ ክንብርኽ ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ።"

"ብሓቂ ብዛዕባ ባዕሎም እቶም ስደተኛታት ዘይኰነስ ብዛዕባ ንምኽፋል ምኽኣል [ከምኡ'ውን] ዋጋ መነባብሮ ጥራይ እዩ ዘሻቕለና ዘሎ ይመስለኒ። [ስደተኛታት] ንባህልና ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና።"