‘ምሉእ ኣካለይ ሰማያዊ ኰይኑ ሓዲሩ’ - እዚ ሕማም እንታይ’ዩ?

ዓቃባዊ ኣባል ባይቶ ክሬግ ማኪንለይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ባይቶ ክምለስ ይዳለው ኣሎ።
ንሱ፡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕማም ሴፕሲስ (ረኽሲ) ክቃለስ’ዩ ጸኒሑ፤ ብሰንኪ እቲ ሕማም ድማ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ተቘሪጹ እዩ።
እቲ ኣባል ባይቶ፡ ካብ ሕክምናዊ ኮማ (ዕውለት) ክበራበር እንከሎ ኣካላቱ ምሉእ ብምሉእ ጸሊም ኰይኑ ምስ ረኸቦ ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ይዝክር።
"ከም ፕላስቲክ...ዳርጋ ክትኩሕኩሖ ትኽእል...ደቢኑ፡ ነቒጹን ተጨቢጡን" ነይሩ ይብል።
"ልዕሊ ኵርናዕ ኢደይን ልዕሊ ብርከይን ከድሕኑ ክኢሎም" ክብል ይውስኽ። ስለዚ ‘ዕድለኛ ኢኻ’ ክትብለኒ ትኽእል ኢኻ።"
ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልቃብ-ኣካል ዝዀኑ ኣእጋርን ኣእዳውን ምስ ተገጠመሉ ሕጂ ናይ መጀመርታ "ባዮኒክ ኣባል ባይቶ" ተባሂሉ ክፍለጥ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ባዮኒክ፡ ሰብ-ሰርሖ ኣካል ዝተገጠመሉ ማለት እዩ።
'ኣዝዩ ዘገርም ሰማያዊ'
እቲ ወዲ 57 ዓመት ማኪንለይ፡ ሕማም ክስምዖ ዝጀመረ፡ ብ27 መስከረም እዩ። ብዙሕ ኣይተጨነቐን፡ መርመራ ኮቪድ ገይሩ ነጻ ተባሂሉ።
ኣብታ ለይቲ ግን ኣዝዩ ሓሚሙ፡ ግን ሽዑ’ውን ከቢድ ነገር ኣይመሰሎን።
ይዅን እምበር፡ እታ ለይቲ እናሓለፈት ምስ ከደት ግን፡ ፋርማሲስት ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ ካቲ ክትጭነቕን ጸቕጢ ደሙን ሙቐቱን ክትምርምርን ጀሚራ።
ምስ ወግሐ፡ ኣእዳዉ ከምዝዘሓሉን ትርግታ ደም ከምዘይብሎምን ኣስተብሂላ። ኣምቡላንስ ተጸዊዑ ድማ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።
ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ናብቲ ንሱ "ኣዝዩ ዘገርም ሰማያዊ" ዝብሎ ተቐይሩ። "ምሉእ ኣካላተይ፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፡ እዝነይ፡ ኵሉ፡ ሰማያዊ ኰይኑ" ይብል።
ናብ ሴፕቲክ ሾክ (ረኽሳዊ ወቕዒ) ኣትዩ ነይሩ። ን16 መዓልታት ድማ ኣብ ሕክምናዊ ኮማ ክጸንሕ ተገይሩ።
በዓልቲ ቤቱ፡ ንሕማቕ ውጽኢት ክትዳሎ ከምዘለዋ ተነጊርዋ። ሰራሕተኛታት፡ ሰብኣያ "ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ ሰባት" ክብሉ ገሊጾምዎ።
ናይ ምድሓን ዕድሉ 5 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Craig Mackinlay
ብጽንዓት በዓልቲ ቤቱ፡ ማኪንለይ ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ሆስፒታል ሜድወይ፡ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ለንደን ዝርከብ ሴንት ቶማስ ክግዕዝ ክግበር እንከሎ፡ ንሱ ዝፈልጦን ዝዝክሮን ነገር የለን።
ክዝክሮ ዝኽእል ነገር እንተነይሩ፡ እቶም ብሰንኪ ሞርፊን ዝመጹ ዝመስሎ ባዕዳዊ ሕልምታት እዮም።
ውነኡ እናፈለጠ ምስ ከደ ናብቲ ጸልማት ዘንጸላለዎ ክውንነት ኣትዩ።
ምስ ተበራበረ፡ ብዛዕባ ቅልጽሙን እግሩን ዝዀነ ዝርርብ ከምዝሰምዐ ይዝክር።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ናብ ጸሊም ተቐይሮም ነይሮም...ዳርጋ ክትኩሕኩሖም ትኽእል" ይብል ምስ ደረቕ ፕላስቲክ ሞባይል እናመሳሰለ።
ክቑረጹ ግድን ክኸውን ይኽእል እዩ ክበሃል እንከሎ ከምዘይገረሞ ይዛረብ።
"ናይ ሕክምና ዲግሪ የብለይን ግን ምዉት ነገራት እንታይ ከም ዝመስል እፈልጥ እየ።"
'ጸልማት ዘንጸላለዎ በዓል ልደት'
ብ1 ታሕሳስ ጽምዲ ኣእጋሩን ኣእዳውን ንምቝራጽ መጥባሕቲ ተኻይዱ። ነቲ መጥባሕቲ ስዒቡ ብዘገርም መንገዲ ንቑሕ ኰይኑ ከምዝተበራበረ ይዝክር።
ኣካላቱ ከምዝተቘርጹ ግን ኣይኣመነን።
"ምስ ተበራበርኩ ንታሕቲ ጠሚተ ከምዝቘረጽዎም ፈሊጠ።"
በዓል ልደት "ጸልማት ዘንጸላለዎ" እዩ ነይሩ፤ ምስ ስድራኡ፡ እንተላይ ምስ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓሉ ኦሊቭያ ኣሕሊፍዎ።
ጓሉ "ኣዝያ ብቐሊሉ እያ ተላሚዳቶ" ይብል ማኪንለይ።
"ምናልባት ካብ ዝዀነ ሰብ ብዝሓሸ ክኸውን ይኽእል። ህጻናት በቃ ብዘደንቕ መንገዲ ለውጢ ዝቕበሉ ይመስለኒ።"

ምንጪ ስእሊ, Craig Mackinlay
ኦሊቭያ ምስተን ሓደስቲ ናይ ኣቦኣ ልቃብ-ኣእጋር ክትላመድ ተገዲዳ እያ - ማኪንለይ፡ ኣልበርት ኣር.ኤን. ካብ ትብል ናይ 1950ታት ፊልም ወሲዱ 'ኣልበርት' ዝብል ሳጓ ሂብዎ ኣሎ።
ብልቃብ-ኣእጋር ምስጓም ክለማመድ ግዜ ወሲዱሉ’ዩ።
መጀመርታ ነቶም ዝደኸሙ ጭዋዳታቱ ዳግማይ ክሃንጽ ነይርዎ።
"ኣእጋረይ ኵሉ ግዜ እግሪ ደርሆ እየን ነይረን፡ ሕጂ ግን እግሪ ዑፍ ኰይነን።"
"ፍጹም ጭዋዳ ኣይነበሮምን፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ ነይሩ። እግርኻ ኣልዒልካ ዓጽምን ቁሩብ ገለ ዝተንጠልጠለ ነገር ትርኢ።"
ልቃብ-ኣእጋሩ ምስተሰክዐ በብቑሩብ ከመይ ገይሩ ከምዝስጕም ዳግማይ ተለማሚዱ።
ንመጀመርታ ግዜ ሕማም ምስ ተሰምዖ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ብ28 ለካቲት ቀዳሞት 20 ስጕምቱ ብዘይ ሓገዝ ክኸይድ ክኢሉ።
"ምስጓመይ ንዓይ ምልክት ዓወተይ እዩ ነይሩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Craig Mackinlay
ሴፕሲስ (ረኽሲ) እንታይ እዩ?
ሴፕሲስ ሳሕቲ ዝረአ ግን ከኣ ከቢድ ኵነታት እዩ።
ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ንሓደ ዝዀነ ረኽሲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምላሽ ብምሃብ፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ቲሹታትን ኣካላትን ከጥቅዕ ምስ ዝጅምር ይፍጠር።
ምልክታቱ ከቢድ ምቁራጽ ትንፋስን ዝተዀላተፈ ወይ ዝተደናገረ ዘረባን ከጠቓልል ይኽእል።
ብኣጋኡ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ረኽሳዊ ወቕዒ ክቕየርን ኣካላት ክፈሽሉ ክገብርን ተኽእሎ ኣሎ።
ማኪንለይ፡ ኣእዳዉ ምስኣኑ እቲ ዝኸበደ ነገር ምዃኑ ይዛረብ።
"ብኢድካ ክንደይ ከም እትሰርሕ ኣይትግንዘብን... ቴለፎን ትጥቀም፡ ኢድ ውላድካ ትሕዝ፡ ሰበይትኻ ትትንክፍ፡ ኣብ ጀርዲን ትሰርሕ።"
ልቃብ-ኣእዳዉ "ዘገርም'ዩ... ግን ፍጹም ከም ቀደሙ ኣይክኸውንን'ዩ" ይብል።
"ስለዚ እወ ኣእዳወይ ናይ ብሓቂ ክሳራ እየን።"
ልክዕ ከም ሓደስቲ ኣእጋሩ፡ ኣእዳዉ ፈለማ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህባ እየን ነይረን። ብድሕሪኡ ግን ካብቲ ትካል ወጻኢ ካልእ ሓደስቲ ኣእዳው ረኺቡ እዩ።
'ልቃብ-ኣካል ዘለዎ ኣባል ባይቶ'
ኣብ ርእሲ’ቲ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ምስኣኑ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ግርጻን ማኪንላይ በሰላ ኣስዒቡ እዩ፤ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ልሕሉሕ ክኸውን ገይሩ።
"ንኽሽፍኖ ጭሕሚ ከዕቢ ይፍትን ኣለኹ" ይብል። ኣተሓሳስባኡ ብዓቢኡ ኣወንታዊ እኳ እንተዀነ፡ ማኪንላይ ግን "ተስፋ ዘቑርጹ ህሞታት" ከምዝነበሩ ይኣምን።
"ብዛዕባ'ቲ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገራት ምሕንጣጥን ምጉርምራምን ወይ ተስፋ ምቑራጽን ብዙሕ ትርጉም የብሉን።"
"ብዛዕባ ክትገብሮም እትኽእል ነገራት ሕጉስን እወታውን ክትከውን ኣለካ፡ መዓልታዊ ድማ ክገብሮ ዝኽእል ሓድሽ ነገር ከምዘሎ እርዳእ" ይብል።
"ብዘይ በዓልቲ ቤተይ እዚ ዅሉ ኣይምተኻእለን... ብዘይ ንሳ ኣብዚ ሎሚ ዘለኹዎ ኣይምሃለኹን።"
"ንሕና [ኣባላት ባይቶ] ምናልባት ኣብ ዌስትሚንስተር፡ ካብ ስድራና ርሒቕና፡ እዚን ካልእን ክንሃድን ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ኢና።"
"ሕጂ እቶም ኣገደስቲ ነገራት ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ ቆልዑ ምዃኖም ተገንዚበ" ይብል።
ማኪንላይ ናብ ስራሕ ምስ ተመልሰ "ኣገልግሎት ጥዕና ንሴፕሲስ ብዝተኸኣለ መጠን ብቕልጡፍ ሕክምና ከምዝረክብ" ንምርግጋጽ ጎስጓስ ከምዝገብር ይገልጽ።
"ዋላ ሓንቲ ኣይገበረለይን፡ ናተይ ዘይተለምደ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ግን፡ ከቢድ ጌጋ ከምዘሎ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ።"
እቲ ኵነታት "ሰፊሕ ጽፍሒ ፈውሲ ረኽሲ ኣካላትካ ካብ ምስኣን ከድሕነካ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝሰኣኑ ሰባት "ኵለመዳያዊ ፓኬጅ" ክንክንን ደገፍን ከምዝሃበ ይገልጽ።
እንተዀነ "ካብዚ ንላዕሊ ግን ክግበር ኣለዎ" ክብል ወሲኹ።
ኵሎም ትካላት ሕክምና "ተሓከምቲ ግቡእ መርመራ ከምዝተገብረሎምን ድሕሪ ምርመራ ሴፕሲስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ፈውሲ ረኽሲ ከምዝወስዱን ከረጋግጹ ይግባእ" ኢሉ።
ምስ’ዚ ዅሉ፡ ማኪንላይ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ክወዳደር መደብ ከምዘለዎ ይሕብር።
ብተወሳኺ "ልቃብ-ኣካል ዘለዎ ኣባል ባይቶ" ክኸውን ከምዝደሊ ይዛረብ።
"ቈልዑ ናብቲ ናይ ባይቶ ፍሉይ ማእከል ትምህርቲ ክመጹ ከለዉ ኢድ ወለዶም ወይ መምህራኖም እናሰሓቡ 'ሎሚ ነቲ ልቃብ-ኣካል ዘለዎ ኣባል ባይቶ ክርእዮ ይደልይ’የ' ክብሉ እምነ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







