ልዕሊ 15 ሴንቲ ሜትር 'ዘሰንብድ' ዕዅላል ጸጕሪ ካብ ከብዳ ዝተኣለየ ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Family handout
ጓል 7 ዓመት ሚያ፡ ሓሙሽተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ኣብ ውሽጢ ከብዳ ዝጸንሐ ጥቕላል ጸጕሪ ተኣልዩላ።
ካብታ ኣብ እንግሊዝ ጥቓ ገማግም ዮርክሻር እትርከብ ከተማ ሬድካር ዝዀነት ሚያ ኣብ መጋቢት ኣብ ከብዳ ቃንዛ ስለዝተሰምዓ ሓሚማ ናብ ሆስፒታል ኒውካስል ተወሲዳ።
ሓካይም ብዝገበሩላ ምርመራ ን80 ሚእታዊት ከርሳ ዝሽፍን ልዕሊ 15 ሴንቲሜትር ዝንውሓቱ ዑዅላል ጸጕሪ ረኺቦም ኣለዉ። እዚ፡ ሚያ ንሓሙሽተ ዓመታት ክትሕይዀን ክትበልዖን ዝጸንሐት ጸጕራ ኣብ ውሽጢ ከርሳ ዝተዋህለለ ከምዝዀነ እቶም ሓካይም ገሊጾም።
ኣደኣ ንሚያ ዝዀነት ካትሪን፡ ቅድሚ ሕጂ ሰብ ሞያ ሕክምና ብዛዕባ ልምዲ ምሕያኽ ጸጕሪ ጓላ ክትጭነቕ ከምዘይብላ ነጊሮምዋ ምንባሮም ትዛረብ።
እዚ ‘ትራይኮፋጅያ’ ወይ ‘ራፑንዘል ሲንድሮም’ ብዝብል ዝፍለጥ ኵነታት ጸገም ጥዕና፡ ብቐንዱ ንመንእሰያት ኣዋልድ ዝጸሉ ኰይኑ፡ ብውጥረት፡ ጭንቀት ወይ ምቾት ምድላይ ክመጽእ ይኽእል።
ሚያ ጸጕራ ምብላዕ "ምቾት ዝህብ ነገር" ምዃኑ እኳ እንተገለጸት ኣደኣ ግን ነቲ ዑዅላል ጸጕሪ ምርኣይ "ዘስካሕክሕ" ክትብል ገሊጻቶ።
ካትሪን፡ እቲ ኵነታት ካብቲ ሰባት ዝግንዘብዎ ንላዕሊ ልሙድ ምዃኑ ብምእማን ወለዲ ደቆም ጸጕሮም ክሕይኹ እንተሪኦም ብዕቱብ ክግደሱሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።
"ከም ስድራቤት ዝሓለፍናዮ ካልእ ሰብ ክገጥሞ ኣይደልን’የ" ትብል።
ሚያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ብምሉእ ሓውያ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ ኣላ።
"ጸጕርኹም ኣይትብልዑ" ዝበለት እዛ ቈልዓ 7 ዓመት "ከምዚ ከማይ ዕድለኛ ዘይክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም፤ ከምኡ ምግባር ብዙሕ ቃንዛ ከስዕበልኩም’ዩ" ክትብል ምዒዳ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







