ብሓማስ ዝተጨወዩ ሰባት ንምፍታሕ ናብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝተቓረበ ኣመሪካ ገሊጻ

እስራኤላውያን ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, ABIR SULTAN/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እስራኤል ብሓማስ ተጨውዮም ዝተወሰዱ ሰባት ንምፍታሕ ዝግበር ልዝብ ኣብ ስምምዕ ንብምጻሕ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከምዝተቓረበ” ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ “ተስፋ ኣለና . . . ግን ድማ ሕዚ እውን ክሳለጥ ዝግበኦ ስራሕቲ ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ ካልእ መድረኽ ድማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ዝግበር ድርድር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝተቓረበ ከምዝኣምን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣስታት 240 እስራኤላውያን ጅሆ ተታሒዞም ዝተወሰዱ ኮይኖም 1200 እስራኤላውያን ተቐቲሎም።

ነቲ ፍጻመ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ትወስዶ ብዘላ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳም ኣሰታት 13 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ዝተወሰዱ ሰባት ንምፍታሕ ዝካየድ ድርድር ናብ ስምምዕ ይቃረብ ከምዘሎ፡ ካብታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመንጎኝነት ኣርባዕተ ሰባት ክፍትሑ ዝገበረት ቀጠር ሓዊሱ ይስማዕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል (ኣይሲኣርሲ) ኣብዚ እዋን ናብታ ድርድር ምፍታሕ እሱራት ዝካየደላ ዘሎን ሓለፍቲ ሓማስ ዝርከቡላን ቀጠር ተጓዒዛ ኣላ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሚልጃና ስፖለጃሪክ፡ ምስቲ ጎንጺ ዝተሓሓዙ “ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ” ከምዝተጉዓዘት ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣይሲኣርሲ ብቐጥታ ኣብቲ ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ንምፍታሕ ዝግበር ድርድር ከምዘይሳተፍ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ስምምዕ ምስተበጽሐ ግና ነቶም ሰባት ኣብ ምምላስ ከተሓባብር እዩ።

ዛጊት እቲ ማሕበር ምምላስ ናይተን ብሓማስ ዝተፈተሓ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣሳሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል-ታኒ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ “ኣዐርዩ ንእሽቶ” ተግባራውን ናይ ቀረብን ዕንቅፋታት ከምዝተረፉ ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ሚካኤል ሀርዞግ እውን፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ብዙሓት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክምለሱ ተስፋ ከምዝገብር ገሊጹ።

እቲ ምፍታሕ እስራኤልን ሓማስን በብደረጃ ከካይድዎ ዝደልዩ ይመስሉ።

እዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ብርኪ ጎናጎኒ ተዅሲ ደው ምባል ውሑዳት ሰባት ምፍታሕ ዝሓወሰ ክኸውን ይኽእል።

እዚ እንተተሳኺዑ ብዙሓት ሰባት ክፍትሑ ይኽእሉ።

ብካልእ ገጽ ድማ እቲ ስምምዕ ብእስራኤል ተኣሲሮም ዝርከቡ ብቐንዱ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምፍታሕ ዝሓውሰ ከምዝኸውን ዝገልጹ ኣለዉ።

ኩሎም ዝተጨወዩ ምስተፈትሑ ጥራይ ብዛዕባ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝሓስብ ገሊጹ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያመን ነታንያሁ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትወስዶ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ደው ኣየበለን።

እቲ ደብዳብ ኣየር፣ ከቢድ ብረትን መጥቃዕቲ ኣጋርን ዘጠቓለለ ወፍሪ ሓማስ ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ናይ ሓንቲ ጓል 65 ዓመት ሰበይትን ጓል 19 ዓመት ወታሃደርን ሬሳ ከምዝረኸበ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ስድራቤታት ናይቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁን ካልኦት ሰብ መዝን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ ቀዳምነት እቲ ወፍሪ ነቶም ዝተጨወዩ ምፍታሕ ከምዘይኮነ ምስተነገሮም ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም።

ብዙሓት እስራኤላውያን ነቶም ብሓማስ ዝተጨወዩ ሰባት ክፍትሑ መንግስቲ ነታንያሁ እኹል ጻዕሪ ክገብር ንምሕታት ብተደገጋሚ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።