ቀይሕ ባሕሪ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ጨውዮም

መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብኢራን ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብእስራኤል እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝጨወዩ ኣፍሊጦም።

ሑቲ ነታ መርከብ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ጨውዮም ኣብ የመን ናብ ዝርከብ ወደብ ከምዝወሰድዋ ገሊጾም ኣለዉ።

እስራኤል ብወገና፡ እታ ብሑቲ ዝተጨውየት መርከብ ናታ ከምዘይኮነትን ካብ ሞንጎ እቶም ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ባሕረኛታት ዝኾነ እስራኤላዊ ከምዘየሎን ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ መጭወይቲ እታ ናይ እስራኤል’ያ ዝተብሃለት መርከብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እዚ ሓደ ካብቲ ግብረሽበራዊ ተግባራት ናይ ኢራን’ዩ” ኢሉ።

ኢራን ንመግለጺ ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣመልኪታ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።

መንግስቲ ጃፓን ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ብጃፓናዊ ትካል ትካየድ መርከብ ምጭዋዮም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንተግባራት ሑቲ ብተሪር ኮኒኑ።

ውሃቢ ቃል መንግስቲ ጃፓን ሂሮካዉ ማቱሱኒ እታ መርከብ ብጃፓናዊ ትካል ኒፖ ዮሱን ትካየድን ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝኾነትን ሓቢሩ።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ኵናት ንምቁዋም፡ ንሶም ክበጽሕዎ ኣብ ዝኽእሉ ንዝረኸብዋ መርከብ ናይ እስራኤል ክጨውይዋ ምዃኖም ከፈራርሑ ጸኒሖም’ዮም።

ዕጡቓት ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ 1200 እስራኤልውያን ከምዝቐተሉን ልዕሊ 240 ሰለማውያን ሰባት ከምዝጨወዩን’ያ እትገልጽ።

እስራኤል ድሕሪ እቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ደብዳብ፤ ንሓማስ ምሉእ ንምሉእ ንምድምሳስ ናይ ከቢድ ብረትን ናይ ነፈርትን ደብዳብ ድሕሪ ምክያድ ኣጋር ሰራዊታ ናብ ቓዛ ኣእትያ ትርከብ።

ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ደብዳብ ካብ እተካይድ 12 ሽሕን 300 ሰባት ከጀምዝተቐተሉ ካልኦት ልዕሊ 2000 ከኣ ብፍርስራስ ተጸቂጦም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ይገልጽ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ደብዳብ ምክያድ ምስ ጀመረት ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ዝዓለም ብዙሕ ሚሳኤልን ድሮንን’ኳ እንተወንጨፉ ኣሜሪካ በተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መልሕቐን ደርብየን ዘለዋ ናይ ውግእ መራኽባ ገይራ ንኹሉ ደብዳባት ሑቲ ከምዘምከነቶ ኣብ እዋኑ ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።

ዝበዝሐ ህዝቢ የመን ኣብቲ ዕጡቓት ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ዘለዉ ክፋል የመን'ዩ ዝነብር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ጽዕነት መርከብ [ሽማ ከይጠቀሰ] ብሑቲ ዝተፈጸመ ጭውያ “ዓለምለኻዊ ሳዕቤን ዘለዎ ከቢድ ክስተት” ኢሉ ገሊጽዎ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ እታ መርከብ ካብ ቱርኪ ተበጊሳ ናብ ህንዲ ተምርሕ ኣብ ዝነረትሉ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ጥቃ የመን በቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ከምዝተጨወየት ገሊጹ።

እስራኤል እታ መርከብ ምስ እስራኤል ዝኾነ ርክብ ከምዘይብላ’ኳ እንተገለጸት ዘይተጻረዩ ሓበሬታታት ግን ዋና እታ መርከብ እስራኤላዊ ክኸውን ከምዝኽእል’ዮም ዘመልክቱ ዘለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ “ነቲ ኢራን [ሑቲ ብኢራን ስለዝድገፉ] ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት መርከብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ንኹንን” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ እታ መርከብ ብሓደ ብሪጣንያዊ ትካል ከም እትውነንን ጃፓናዊ ትካል ከምዘንቀሳቕሳን ብምግላጽ “ኣብታ መርከብ 25 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም 25 ባሕረኛታት ኣለዉ” ድሕሪ ምባል ኣብ ሞንጎኦም ዩክሬናውያን፡ ቡልጋርያውያን ፍሊፒነሳውያንን ሜክሲካውያንን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሖሰይን ኣሚር ዓብዶላህያን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ኢራን ርክብ ዘለዎም ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ደገፍቲ እስራኤልን “ድንቂ ዝኾነ ጸቕጢ ይፈጥሩ ኣለዉ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ገማግም የመን ትንቀሳቕስ ዝነበረት ብኣሜሪካ እትውነን ድሮን ሃሪሞም ከምዘውደቕዋ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ነቲ ብስዑድያ ዝድገፍ ወግዓዊ መንግስቲ የመን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ኣብ የመን ኣብ ኵናት ሕድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ዕጡቓት’ዮም።