እስራኤል ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ሆስፒታል ቓዛ ክውሰዱ ዘርእይ ምስሊ ረኺበ ኢላ

ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ተሓከምቲ

ምንጪ ስእሊ, IDF

ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ክውሰዱ ዘርእይ ዝበሎ ምስሊ ዘርጊሑ።

ካብቶም ዝተጨወዩ ሓንቲ ዝነበረት ወታሃደር ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተቐተለት ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

ኖዋ መርስያኖ ዝተባህለት ጓል 19 ዓመት ወታሃደር፡ ቀሊል መቑሰልቲ ኣጋጢምዋ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ተቐቲላ ይብል መግለጺ እቲ ወሃቢ ቃል።

እስራኤል ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ሓማስ ከምመአዘዚ ዝተጥቀመሉ ዝነበረ ጋለርያ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ እያ። ሓማስ ግን ነዚ ክሲ ኣይቕበሎን።

ቢቢሲ ነቲ ብሰንበት ብሓይልታት እስራኤል ዝተዘርገሐ ቪድዮ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ዋና ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ “ሎሚ ንጉሆ፡ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ጥቓ ኣልሺፋ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ተወሲዳ ከምዝነበረት ንስድራቤት ኖዋ ነጊርናዮም” ኢሉ።

“ኣይዲኤፍ ኣብቲ ከባቢ ብዝፈጸሞ ደብዳብ ኣየር፡ እቲ ንኖዋ ሒዝዋ ዝነበረ ግብረሽበራዊ ዝተቐተለ ኮይኑ ንሳ ድማ በቲ መጥቃዕቲ ቆሲላ፤ እቲ መጉዳእቲ ግን ንሞት ዘቃልዕ ኣይነበረን። ኖዋ ናብ ውሽጢ ሆስፒታል ሺፋ ተወሲዳ። ኣብኡ ብካሊእ ግብረሽበራዊ ተቐቲላ” ክብል ወሲኹ።

ሓማስ ቅድም ክብል፡ ኖዋ መርሲያኖ ኣብቲ ሰራዊት እስራኤል ብ 9 ሕዳር ተፈጺሙ ዝበለ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ከምዝተቐተለት ገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ኣብቲ ሓማስ ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1200 እስራኤላውያን ዝቐተለሉን ኣስታት 240 ጨውዩ ዝወሰደሉን ንጉሆ 7 ጥቅምቲ ከምዝተቐደሐ ዝገለጾ ቪድዮ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ክልተ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ናብቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ክውሰዱ የርእይ።

ኣብቲ 7 ጥቅምቲ ዝብል ዕለት ዘለዎ ካብ ናይ ድሕነት ካሜራ ዝተወሰደ ቪድዮ፡ ካብቶም ዝተጨወዩ ሓደ ንዘይምእታው እንትከራኸር እቲ ካልእ ድማ ሰባት ኣብ ስትሬቸር ተሰኪmoምዎ የርእይ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ሓማስ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ይንቀሳቐስ ነይሩ ክብል ዘቕረቦ ክሲ መረጋገጺ ከቕርብ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ነቲ እስራኤል ዝዘርገሐቶ ቪድዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሓቅነት እቲ ቪድዮ ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ዕንወት ኣገልግሎት ጥዕና እስራኤል ሙሉእ ብሙሉእ ተሓታቲት ከምዝኾነት ገሊጹ።

ቅድም ክብል ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ሆስፒታል 10 ሜትሮ ንውሽጢ ዝርከብን 55 ሜትሮ ርሒቑ ምስ ሓደ ዝተዓጸወ ማዕጾ ዝራኸብን ጋለርያ ምርካቦም ዘርእይ ቪድዮ ዘርጊሖም ነይሮም።

እዚ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ሆስፒታል ተዓቊቦም ግብረ ሽበራዊ ስራሕቲ የካይዱ ምንባሮም ከምዘርእይ እስራኤል ትገልጽ።

እቲ ሰራዊት እስራኤል ዘርጊሕዎ ዘሎ ቪድዮ፡ ከምቲ ቅድም ክብል ብኮምፒዩተር ኣዳልዩ ዘቕረቦ ግምት ኣይኮነን።

ሆስፒታል ኣል- ሺፋ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ደው ከምዘበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ

ኣመሪካ ብተመሳሳሊ ሓማስ ኣል-ሺፋ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ቓዛ ከምመአዘዝን መቐመጢ ኣጽዋርን ከምዝጥቀመሎም ብስለላ ከምዘረጋገጸት ኣፍሊጣ እያ።

እስራኤል ነዚ ኣብ እዋኑ ርኽበታታ ክተቕርብ ከምዝኾነት እያ ትገልጽ።

ደገፍቲ እስራኤል ነቲ ሓማስ ንምጥፋእ ኢላ ዝጀመረቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወፍሪ እኳ ዝደገፋ እንተኾና፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን እተብጸሖ ዘላ ጉድኣት ግን ሕጉሳት ኣይኮናን።

ሚኒስትሪ ጥዕና መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ንደሓር በዝሒ ዝተቀተሉ ሰባት 12 ሽሕን 300ን ከምዝበጽሐ ይገልጽ። ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እውን ካብ ስድራ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ከቢድ ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ። እቶም ብሓማስ ዝተጨወዩ ኣባላት ቤተሰቦም ንክፍትሑ ጻዕሪ ከበርትዕ ይጠልቡ።

ብቐዳም መንግስቲ እስራኤል ንምፍታሕ እቶም ዜጋታት ቀዳምነት ክህብ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መንበሪ ገዛ ነታንያሁ ተኻይዱ ነይሩ።

ንሱ ግን ካብ ልኡኽቶኡ ምዕይ ዝብል ኣይመስልን።

ነታንያሁ ቀዳማይ ዕላምኡ ንሓማስ ምድምሳስ፣ ካልኣይ ነቶም ዝተጨወዩ ምምላስን ሳልሳይ ድማ ካብ ጋዛ ዝመጽእ ስግኣት ምጥፋእን ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።