ኔትፍሊክስ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓማዊሉ ከሲሩ

ምንጪ ስእሊ, NETFLIX
ንዓመታት ፊልምታት ብኢንተርኔት ብምርኣይ ልዑል ዝና ዝተጎናፀፈ ኔትፍሊክስ ከቢድ ፈተና ኣጋጢምዎ።
ቁፅሪ ነዚ ኣገልግሎት ዘቋርፁ ሰባት ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ ዝመፅአ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓማዊሉ ስኢኑ።
እንተኾነ እቲ ትካል፡ ካብዚ ንላዕሊ ዓማዊል ክስእን እኽእል እየ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮ ከምዝተፈርሐ ኣይኮነን ኢሉ።
ልዕሊ እዚ በዝሒ ተጠቀምቲ'ቲ ኣገልግሎት ምጥቃም ከየቋርፁ ዝገትአ ምኽንያት፡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተሓተተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኔትፍሊክስ ሬድ ሄስቲንግስ፡ ምውፃእ ቀፃሊ ተኸታታሊ ፊልም ‘ስትሬንጀር ቲንግስ’ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
ብብዙሓት ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ ‘ስትሬንጀር ቲንግስ’ ዓወት ከምዝተጓናጸፈን፡ ሓድሽ ክፍሊ ምውፅኡ ድማ ፍልሰት ዓማዊል ንምግታእ ከምዝሓገዘ ይእመን።
ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ትካል እናነከየ ዝመፅአ እንትኾን፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ነክዩ እዩ።
ካልኦት ተነሓናሕቲ እውን ንኔትፍሊክስ ይፈታተንዎ ብምህላዎም፡ እቲ ትካል ባዕሉ ወሰኽ ምግባሩ ልዑል ፀቕጢ ኣሕዲርሉ’ዩ።
ኣብዚ ዝሓዝናዮ ሰሙን ብሰሉስ ዝተመዝገበ ምንካይ ዓማዊል፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ዝለዓለ እዩ።
ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡ እውን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ዓማዊል ብቅደም ሰዓብ ነዚ ኣገልግሎት ዘቋረፁ እዮም።
ዋና ዳይሬክተር ኣምፒር ኣናሊይስስ ጋይ ቢሰን፡ ኔትፍሊክስ ኣብ ዕድጋ ዘለዎ ብጽሒት ምስኣኑ ዘይተርፍ እዩ ይብል።
“ኣብቲ ዓውዲ ፈላሚ ክትኸውን እንከለኻ፡ ብሓደ ኣንፈት ጥራሕ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ፤ ብፍላይ ብዙሓት ተወዳደርቲ ኣብ ዝመፅሉ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እዚ እዩ ተፈጢሩ” ኢሉ።
ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘለዉ ሰባት መዘናግዒ ብሓድሽ መልክዕ ብምርኣይ፡ ለውጢ ዘምፅአ ኔትፍሊክስ፡ ንዓመታት ዘይግታእ ኣብ ዝመስል ዕብየት ዝነበረ እንትኾን፡ ሕዚ እቲ ዝነበረ ኩነታት ተቐይሩ።
ብፍላይ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት 2020 ንነዘ፡ ኔትፍሊክስ ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ልዕልነት ኣጠናኺሩ ነይሩ፤ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ጥራሕ ኣብ ዝተወሰንሉን ካልኦት ኣማራፅታት ኣብ ዝጠፍእሉን ከም ስኩዊድ ጌምን ዘ ክራውንን ዝተብሃሉ ዘይርስዑ ፊልምታት ኣቕሪቡ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







