ኔትፍሊክስ፡ ሰባት ምስጢራዊ ቃል ከይለቓቕሑ ንምግታእ ይፍትን ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እናኽፈለ ብመገዲ ኢንተርኔት ፊልምታት ዘርእይ ትካል ኔትፍሊክስ፡ ኣብዚ ሰሙን ቃለ ምስጢር (ፓስወርድ) ንዝለቃቕሑ ዓማዊሉ ዝቆፀፀረሉ ሜላ ከምዝመሃዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ገለ ዓማዊል ኔትፍሊክስ፡ ብተሌቬዥን ወይ ድማ ብካልኦት መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስ ናብ ድሕረ ገፅ ኔትፍሊክስ ኣብ ዘምርሕሉ ግዘ፡ “ምስ ወናኒ እዚ ሕዚ ትጥቀምሉ ዘለኹም 'ኣካውንት' ኣብ ሓደ ገዛ እንድሕር ዘይትነብሩ ኾይንኩም፡ ናይ ባዕልኹም ከፊትኩም ነዞም ፊልምታት ክትርእዩ ትኽእሉ” ዝብሉ መልእኽትታት ረኺቦም።
ወሃቢ ቃል ኔትፍሊክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዚ ፈተነ፡ ኣካውንት ኔትፍሊክስ ዘለዎም ዓማዊል ጥራሕ ዝጥቀምሉ መገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ እዩ” ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ፈተነ፡ እቲ ዝትቀምሉ ዘለዉ ሕሳብ 'ኔትፍሊክስ' ናቶም ምዃኑ ንምርግጋፅ፡ ካልእ ናይ ሚስጥር ቃል ብፅሑፍ መልእኽቲ ወይ ከኣ ብኢመይል ይለኣኸሎም።
ብዙሓት ዓማዊል፡ ኔትፍሊክስ ከፊቶም ንምእታው ዝጥቀምሉ ሚስጥራዊ ቃሎም ኣብ ሓደ ገዛ ንዘይነብሩን ዘይከፈሉን ዓማዊል ስለዘለቅሕዎም፡ ነዚ መመርሒ ከውፅእ ከምዝተገደደ፡ ኔትፍሊክስ ኣፍሊጡ።
ንኔትፍሊክስ ሓዊሱ፡ ብኢንተርኔት ገፅ ፊልምታት ዘርእዩ ከም ኤችቢኦ ጎ፣ ኣማዞን ፕራይምን ዲዝኒን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስ፡ ብዙሓት ኣካውንታት ዘፍቅዱ እንተኾኑ፡ እዚ ግና ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ጥራሕ እዩ ምጥቃም ዝከኣል።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016፡ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኔትፍሊክስ ሪድ ሃስቲንግ፡ “ምልቕቓሕ ምስጢራዊ ቃል ክንዕገሶ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ብዙሓት ምስጢር ቃል እናተለቓቕሑ ከምዝርእዩ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ፅቡቕ ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ ኔሩ።
እንተኾነ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ሓላፊ ምህርትታት እቲ ኩባንያ ግሬግ ፒተርስ፡ ኔትፍሊክስ ጉዳይ ምልቕቓሕ ምስጢራዊ ቃል መሊሱ የፅንዖ ከምዘሎ ብምሕባር፡ “ዛጊድ፡ ንሰርሐሉ ካብ ዘለና መስርሕ ወፃኢ፡ ካልእ መመርሒ ናይ ምልላይ ትልሚ የብልናን” ኢሉ ኔሩ።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ኔትፍሊክስ፡ ሓደሽቲ 37 ሚልዮን ዓማዊል ዝመዝገበ እንትኾን፡ ብሓፈሻ ብብርኪ ዓለም ድማ 200 ሚልዮን ዓማዊል ኣለውዎ።
ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወፅኡ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ መምርሕታት፡ ንኔትፍሊክስ ሽሻይ እዩ ኮይንሉ፤ 25 ቢልዮን ዶላር ኣእትዩ፡ ካብ'ዚ 2 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር ትርፊ ከምዝረኸበ ድማ ዕላዊ ጌሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







