ኔትፍሊክስ ንፍሉጥ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ብመልክዕ ሪያሊቲ ሾው ከምፅኦ ምዃኑ ሓቢሩ

ካብቲ ፊልም ዝተወሰደ

ምንጪ ስእሊ, NETFLIX

ፊልምታት፣ ሰነዳዊ ፊልምታትን ካልኦት ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማትን ኣብ ኦንላይን ብምቕራብ ዝፍለጥ ኔትፍሊክስ ነቲ ዝለዓለ ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ዝረኸበ 'ስኲድ ጌም' ብመልክዕ ሪያሊቲ ሾው ከቕርቦ ወሲኑ።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣስታት 4 ነጥቢ 56 ሚልዮን ዶላር ንሽልማት ከምዝተዳለወ'ውን ሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ውድድር ልክዕ ከምቲ ኣብ ደቡብ ኮሪያዊ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ዝረኣይ ተሳተፍቲ ዝሞቱሉ ወይ ብህይወት ዝተርፍሉ ኣይኸውንን።

ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ 456 ተወዳደቲ ኣብቲ ፀዋታ ዝሳተፉ ኮይኖም፤ "እቲ ዝኸፍአ ዕጭኦም ድማ ካብቲ ሽልማት ዋላ ሓደ ከይረኸቡ ምስንባት ይኸውን" ተባሂሉ'ሎ።

ንተዓወትቲ 4.56 ሚልዮን ዶላር (3.8 ሚልዮን ፓውንድ) ከምዝተዳለወ ይግለፅ።

ኔትፍሊክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ እቲ በዓል 10 ምዕራፋት ተኸታታሊ ፀዋታ 'ስኲድ ጌም፡ ዘ ቻለንጅ" ኣብ ታሪኽ ሪያሊቲ ሾው እቲ ዝለዓለ ሽልማት ንምሃብ ከምዝተዳለወ ይጠቅስ።

እቲ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ተፈላጥነት ዝረኸበ ተኸታታሊ ፊልም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ምዕራፍ [second season] ክፍኖ ምዃኑ ሓቢሩ።

ተወዳደርቲ ናይቲ ሪያሊቲ ሾው "ካብቲ ፊልም ብዝተወሰዱ ፀዋታትን ካልኦት ተወሰኽቲ ንጥፈታትን ዝፍተኑ ኮይኖም ዘይከኣሉ እናተኣለዩ ዝኸኣሉ ጥራሕ ናብ ዝቕጽል ክሰግሩ ክግበር'ዩ።

ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 21 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ከምኡ ድማ እንግሊዝኛ ኣፀቢቖም ምዝራብ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።

ኣብ መእተዊ 2013 ኣብ ዝካየድ ን4 ሰሙን ዝፀንሕ ቀረፃ (ፊልሚንግ) ክርከቡ ክኽእሉ ኣለዎም።

ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ሰባት ብዝሖም 456 ክኸውን ዝተደለየሉ ምኽንያት ምስቲ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ዘሎ ቁፅሪ ክመሳሰል ስለዝተደለየ እዩ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተሰርሐ ፊልም መበገሲኡ ህፃናት ንዝፃወትዎም ዓይነታት ፀዋታ መሰረት ዝገብር ኮይኑ፡ ኣብቲ ፊልም ዘለዉ ገፀባህርያት ንዝተዳለወሎም ሽልማት ገንዘብ ክማወቱን ዘይከኣሉ ድማ ክቕተሉን ይረኣዩ።

ኩሎም ገፀባህርያት ኣብ መነባብርኦም ብብዙሕ ልቓሕ ገንዘብ ኣብ ከቢድ ዕዳታት ዝኣተዉ እዮም።

እቲ ፊልም ኣብ ታሪኽ ኔትፍሊክስ ብብዙሓት ዝተረኣየን ተፈላጥነት ዝረኸበን ክኸውን በቒዑ'ሎ።

ንፈለማ ምስተፈነወ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ጥራሕ ብ111 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኔትፍሊክስ ክረኣይ በቒዑ።