እቶም ብ6 ቢልዮን ዶላር ዝተፈትሑ ሓሙሽተ እሱራት በዓል መን’ዮም?

ካብቶም ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን እቶም ኣርባዕተ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ቴህራን ናብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝተሰጋገሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን እቶም ኣርባዕተ ኣብ ነሓሰ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ቴህራን ናብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዝተሰጋገሩ ተገሊጹ

ኣብ ኢራን ንዓመታት ዝተኣስሩን ጅሆ ተታሒዞም ከም ዝነበሩ ዝንገረሎምን ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ናብ ሃገሮም ይኸዱ ኣለው።

እዚ ኣካታዒ ምፍታሕ እዞም እሱራት ብመንጐኛነት ቐጠር ክካየድ እንከሎ፡ ነዞም እሱራት ንምፍታሕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ተታሒዙ ዝነበረ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ኢራን ናብ ዶውሓ - ርእሰ መዲና ቐጠር - ናብ ዝርከቡ ባንክታት ክመሓላለፍ ተገይሩ።

እቶም ኣብ ቴህራን ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን፡ ዜጋታት ኢራን እውን ኰይኖም፡ ብቻርተር በረራ ናብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ንኽኸዱ ተገይሩ።

ኣብኡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ተራኺቦም፡ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሖም ኣለው።

እቶም ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ዘሕለፈ ወዲ 51 ዓመት ነጋዳይ ስያማክ ናማዚ፡ ከምኡ’ውን ወዲ 59 ዓመት ነጋዳይ ኢማድ ሻርጊን ወዲ 67 ዓመት ተጣባቒ ከባቢ ሞራድ ታህባዝን (ዜግነት ብሪጣንያ’ውን ኣለዎ) ይርከብዎም።

ኣሜሪካ ዜጋታታ ንፖለቲካዊ ዕላማ መሰረት ብዘይብሉ ክሲ ከም ዝተኣሰሩ ትገልጽ።

ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ፈላማይ ምልክት ስምምዕ ምስ ተራእየ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ናብ ሓደ ውሑስ ገዛ ተሰጋጊሮም።

ብቐንዱ ንእገዳ ኣሜሪካ ብምጥሓስ ተኸሲሶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ዝተኣስሩ ሓሙሽተ ኢራናውያን እውን ከም ኣካል ናይዚ ምልውዋጥ እሱራት ምሕረት ይግበረሎም ኣሎ።

ኵሎም ናብ ኢራን ክምለሱ ግን ትጽቢት ኣይግበርን።

እዞም ውልቀሰባት፡ ብኢራን ሬዛ ሳርሃንግፑር፡ ካምቢዝ ኣታር ካሻኒ፡ ካቨህ ሎትፎላህ ኣፍራስያቢ፡ መህርዳድ ሞኢን ኣንሳሪን ኣሚን ሓሰንዛደህን ተባሂሎም ተረቚሖም ኣለዉ።

ነቶም ኣሜሪካውያን ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ዶውሓ ምስ ዓለበት፡ “ሎሚ ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓሙሽተ ንጹሃን ኣሜሪካውያን ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ” ክብል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተዛሪቡ።

ሓሙሽቲኦም “ንዓመታት መሪር ሓዘን፡ ዘይርጕጽነትን ቃንዛን" ከም ዝተጻወሩ’ውን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ባይደን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ግጉይ ማእሰርቲ እቶም ሓሙሽተ ውልቀሰባት ኢድ ነይርዎም ዝበሎም ፕረዚደንት ኢራን ነበር ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድን ሚኒስትሪ ስለያ ኢራንን ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ እገዳ ኣሜሪካ ወግዓዊ ገይሩ።

ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ዝወጽኡ ሓደ ስያማክ ናማዚ፡ “ወትሩ ዓለም ክትርስዓኒ ዘይፈቐድኩም ሰባት እንተዘይትህልዉ ሎሚ ሓራ ኣይምወጻእኩን” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ካብ ልበይ አመስግን፤ ንነብሰይ ክዛረብ ኣብ ዘይከኣልኩሉ እዋን ድምጺ ስለ ዝዀንኩምን ብድሕሪ እቲ ዘይብዳህ መናድቕ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ክጭድር ሓይሊ ኣዋህሊለ ከም ዝስማዕ ስለ ዝገበርኩምን የቐንየለይ” ክብል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ባይደን ነቶም እሱራት፡ “ንምድሓን ገለ ንምእማኑ ዘጸግም ውሳነታት" ብምውሳዱን "ኣብ መወዳእታ ህይወት ዜጋታት ኣሜሪካ ልዕሊ ፖለቲካ ምቕዳሙን” ንኢዱ።

ኣሜሪካ፡ ስያማክ ናማዚ፡ ሞራድ ታህባዝን ኢማድ ሻርጊን መሰረት ብዘይብሉ ክሲ ከምዝተኣስሩ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, ANYHOPEFORNATURE/FREETHENAMAZIS/NEDASHARGHI

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካ፡ ስያማክ ናማዚ፡ ሞራድ ታህባዝን ኢማድ ሻርጊን መሰረት ብዘይብሉ ክሲ ከም ዝተኣስሩ ገሊጻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ስምምዕ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ዝጀመረን ብመንጐኛነት ቐጠር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘይቀጥታዊ ዝርርብን ዝተበጽሐ እዩ።

ኣብ ዶውሓ ብውሕዱ ትሽዓተ ግዜ ርክብ ከም ዝተኻየደ ምንጪ ቢቢሲ ጠቒሱ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ቐጠር እውን ናብ ቴህራንን ዋሽንግተንን ከይዶም ነይሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ዝምህር ዘሎ ኢራናዊ ፕሮፌሰር መህራን ካምራቫ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ መስርሕ ስምምዕ ክልቲኡ ሸነኽ ገለ ዓወት ዝኸሰበሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።

“እቲ ናብ መረጻ ዘምርሕ ዘሎ ባይደን፡ ንኣሜሪካውያን ናብ ገዛኡ ይመልሶም ኣሎ፤ ኢራን ድማ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢራናውያን ተፍትሕ ኣላ። እንተዀነ እቲ ሽዱሽተ ቢልዮን [ዶላር] ዓቢ ዓወት'ዩ” ይብል።

ሰበስልጣን ኢራን እቲ ገንዘቦም ኣብ ድላዮም ከም ዘውዕልዎ ብተደጋጋሚ ኣዊጆም እዮም። ኣብዚ መስርሕ ዝነጥፉ ምንጭታት ግን እዚ ገንዘብ ጥቡቕ ቍጽጽር ክግበረሉ ኣለዎ ይብሉ።

“ዝዀነ ገንዘብ ናብ ኢራን ኣይኣቱን” ክብሉ ከኣ ኣስሚሮምሉ።

“መግቢ፡ መድሃኒት፡ ሕርሻን ዝኣመሰሉ ንሳልሳይ ወገን ሸየጥቲ ዝኽፈል ሰብኣዊ ምልውዋጥ ጥራይ’ዩ ክህሉ” ይብሉ።

ምንጭታት ቢቢሲ እዚ ገንዘብ ኣካል ናይቲ ብእገዳ ዝተዓግተ ንብረት ኢራን ከም ዘይኰነ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝነበረ ገንዘብ፡ ካብ መሸጣ ነዳዲ ኢራን ዝተረኸበ ኣታዊ ኰይኑ፡ ንቴህራን እገዳ ንዘይተገብሮ ሓገዝ ክቐርብ ተባሂሉ ዝነበረ እኳ እንተዀነ፡ ንጸገማት ምቕያር ባጤራን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ግን ወጻኢ ከይተገብረ ጸኒሑ።

መራሕቲ ሪፓብሊካን ኣሜሪካ ነቲ ስምምዕ፡ “ክፍሊት በጃን ምሕረት እገዳን” እዩ ክብሉ ኰኒኖምዎ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ሪፓብሊካን ማይክል ማኮል፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ገንዘብ ናብ "ላዕለዋይ መወሊ ግብረሽበራ ዓለም" ብምስግጋሩ ነቒፉ።

እዞም ኣሜሪካውያን እሱራት መነ መን እዮም?

ሞራድ ታህባዝ፡ ኣብ 2018 ምስ ካልኦት ሸሞንተ ኢራናውያን ተጣበቕቲ ዕቃበ ከባቢ ተኣሲሩ። ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ዓርዓር ነብሪ ንምክትታል ካሜራታት ይጥቀሙ እኳ እንተነበሩ፡ ብሰለያ ተኸሲሶም። ንሱ ነቲ ክሲ ነጺግዎ፤ ንዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ሲያማክ ናማዚ፡ እዚ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ኣካያዲ ስራሕ ነዳዲ ኣብ 2015 ተኣሲሩ። ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኡ ባከር፡ ሰበስልጣን ኢራን ንወዱ ክበጽሕ ምስ ፈቐዱሉ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ተኣሲሩ።

ክልቲኦም "ምስ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ምትሕብባር" ብዝብል ክሲ ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ተፈሪዶም፤ ንሶም ግን ነዚ ክሲ ይነጽግዎ። ኢራን ኣብ 2022 ባከር ንሕክምና ክወጽእ ፈቒዳትሉ።

ዕማድ ሻርጊ፡ ኣብ 2018 ኣብ ‘ቨንቸር ካፒታል ፋንድ’ ኢራን እናሰርሐ እንከሎ ተኣሲሩ። ብዋሕስ ተፈቲሑ ድሒሩ ድማ ካብ ክሲ ስለያ ነጻ ከም ዝዀነ ተነጊርዎ። ኣብ 2020 ንሱ ኣብ ዘይተረኸበሉ ንማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ተፈሪዱ። እንተዀነ፡ ቅድሚ ብይግባይ ምፍትሑ ኣብ 2021 ምዕራባዊ ዶብ ኢራን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከም ዝተኣሰረ ይንገር።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ስሞም ክዕቀብ መሪጾም ኣለው።