ጕጅለ-20፡ ንሩስያን ምዕራባውያንን ዘዕገበ ስምምዕ ጉዳይ ዩክረይን

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሃገራት ጉጅለ-20 ኣብ ደልሂ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ንህንዲ ዓቢይ ዲፕሎማስያዊ ዓወት እዩ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ንዩክረይን ንዝጸንሖ ፍልልያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ሓባራዊ መርገጺ ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ዳርጋ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣባላት እቲ ጕጅለ፡ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ፡ ብምሉእ ድምጺ ዝደገፋኦ መግለጺ ወጺኡ።

እታ ኣብቲ ጕጅለ ዘየላ ዩክረይን ሕጉስቲ እኳ እንተዘይነበረት፡ እተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ማለት፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሩስያን ቻይናን ነቲ ስምምዕ ንኢደን።

እሞ ህንዲ ከመይ ገይራ እያ ነዘን ኣብ ጉዳያ ዩክረይን ተጻራሪ መርገጺ ዝጸንሐን ሃገራት ክተሰማምዕ ክኢላ?

ነቲ መግለጺ ቅርብ ኢልካ ምርኣይን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ንዝነበረ ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለታት ምክትታልን ገለ ኣፋፍኖት ይህብ።

ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝመስረታኦ ጕጅለ ብሪክስ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዘቃንዖ ዓመታዊ ጉባኤኡ፡ ሽዱሽተ ሃገራት ክጽንበራኦ ወሲኑ ነይሩ።

እተን ሓደስቲ ኣባላት ኣርጀንቲና፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኰይነን ምስ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ዘለወን እየን።

እዚ ምውሳኽ ሃገራት ኣብቲ ውጽኢት ኣኼባ ጕጅለ-20 ቀጥታዊ ጽልዋ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብፍላይ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ጽልዋ ቻይና ብጥንቃቐ ከምዝርእያኦ ንጹር እዩ።

“ቀጥታዊ ረቋሒ ኣይኮነን ግን ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኣሜሪካ፡ ቻይና ጸረ ምዕራብ ዝኾነ ኣማራጺ ዓለማዊ ስርዓት ንምፍጣር ክትገብሮ ንዝጸንሐት ዕውት ፈተነ ይፈልጣኦ እየን፡” ይብል ፕራሚት ፓል ቻውዱሪ ሓላፊ ‘ዩሮኤዥያ ግሩፕ’።

ካልእ ንጹር ዝዀነ ነገር ከኣ፡ ሃገራት ምዕራብ ንህንዲ ከም መቀናቕንቲ ቻይና እየን ዝርእያኣ፤ በዚ ከኣ እቲ ዋዕላ ደልሂ ብዘይ ሓባራዊ መግለጺ ክዛዘም ድልየተን ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲን ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲን ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫን ኣብቲ ዋዕላ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስለዚ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ህንዲ ዘቕረበቶ ሓሳብ ምድጋፈን ብዙሕ ምኽንያታት ዘለዎ እዩ።

እቲ ቐንዲ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ኲናት ዩክረይን እዩ። ሃገራት ጕጅለ-20 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባሊ ኢንዶኔዥያ “ብፈደሬሽን ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ” ዝብል መግለጺ እኳ እንተኣውጽአ ብገለ ኣባላት ተቓውሞ ምንባሩ ተጠቒሱ ነይሩ።

ካብቲ ኣብ ባሊ ዝተባሃለ ድኽም ዝበለ ቃላት ዘለዎ መግለጺ፡ ብምዕራብ ተቐባልነት ክህልዎ ትጽቢት ኣይነበረን። ሩስያ’ውን በቲ ኲናት ዝወቕሳ መግለጺ ከምዘይትሰማምዓሉ ኣመልኪታ ነይራ።

ነዚ ንምስጋር እምበኣር ሓደ ፍሉይ ነገር ክኽሰት ነይርዎ፤ እታ ምስ ሞስኮን ምዕራብን ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ህንዲ ነዚ ንምግባር ኣገዳሲት ነይራ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ መግለጺ ንሩስያ ኮነ ንምዕራብ ዘዕገበ ክኸውን ከኣለ።

ኣብ ትካል ምምኽኻር ‘ኮንትሮል ሪስክ’ ሓላፊት እስያ-ፓሲፊክ ዝዀነት ኣንጀላ ማንቺኒ፡ “ሃገራት ምዕራብ፡ ህንዲ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ክትረክብ እዮም ደልዮም። ኵሉግዜ ሕድገት ኣሎ። እንተኾነ ኣሜሪካ ትዅን ምዕራብ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሙሉ ቋንቋ እንተዘይሰማምዓ ኣይምኸተማን ነይረን፡” ትብል።

ወግዓዊ መግለጺ ደልሂ፡ ንሩስያ በቲ ኲናት ካብ ምንቃፍ ተቘጢቡ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ ባሊ ዝነበረ መርገጺ ፍኹስ ዝበለ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። እንተዀነ ነቲ “እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዓለምለኻዊ ውሕስነት መግብን ጸዓትን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ስቅያትን ከቢድ መዘዝን” ጠቒሱ ኣሎ።

መራሕቲ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳን እቲ ወግዓዊ መግለጺ ጽቡቕ ውጽኢት እቲ ጉባኤ ምዃኑ ዝተሰማምዑ ይመስሉ። ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ቃላት ነናቶም ትርጓመ እዮም ሂቦምዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ እቲ መግለጺ “ተሪር ቃላት ዘለዎን እቲ ኲናት ኣብ ዋጋታት መግቢን ውሕስነት መግብን ንዝፈጠሮ ጽልዋ ዘንጸባረቐን” ምንባሩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ኣገዳሲ ምዕራፍ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ስምምዕ ግን ንዩክረይን ከቘጥዕ እንከሎ፡ ጕጅለ-20 ምንም ዘሐብን ነገር ከምዘይነበሮ ገሊጻ።

ካልእ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ ዝነበረ፡ እቲ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ገጢምወን ዘሎ ቅልውላው ዕዳ’ዩ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ቁጠባአን ንምሕጋዝ፡ ሃብታማት ሃገራት ዝገብራኦ ደገፍ ከዕብያኦ ከምዝግባእ ክምጉታ ጸኒሐን ኣለዋ። ለበዳ ኮቪድን እቲ ኲናትን ነቲ ጸገማተን ኣጋዲዶምዎ እዮም።

ባንኪ ዓለም ኣብ ታሕሳስ፡ እተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለም ዓመታዊ 62 ቢልዮን ዕዳ ከምዝነበረንን ካብዚ እቲ ክልተ ሲሶ ናብ ቻይና ዝዕደ ምዃኑን ገሊጹ።

ኣገባባት ልቓሕ ቻይና ዘማቲ ምዃኑ ሰበስልጣን ምዕራብ ዝገለጹ'ኳ እንተዀኑ፡ ቤይጂን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።

እታ መርገጺኣ ምስ ሩስያ ዝመዓራረ ቻያና ነቲ መግለጺ ናይ ምስራዝ ዓቕሚ እኳ እንተነበራ ኣይተቓወመትን። እቲ ብዛዕባ ቅልውላው ዕዳ ዝዛረብ ሕጥበ-ጽሑፍ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንቻይና ኣይጠቅስን።

“ኣብ ጉዳይ ምሕዋይ ዕዳ፡ ሓድሽ ነገር ኣይረኣናን። ብብዙሕ መገዲ፡ ዝዀነ ኣብ ጉዳይ ልቓሕ ዝቐርብ ነቐፌታ፡ ጸረ ቻይና ዝዀነ ስጕምቲ ተገይሩ ምተተርጐመ ነይሩ፡” ይብል ሚስተር ፓል ቻውድሃሪ።

እቲ ወግዓዊ መግለጺ፡ ነቲ ቅልውላው ብምጥቃስ ሃገራት ጉጅለ-20 ነተን ተሃሰይቲ ሃገራት ንምሕጋዝ ነቲ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ሓባራዊ መርሓ-ግብሪ ከሐይላ ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን እቲ ጕጅለ፡ ክሳዕ 2030 ንዓቕሚ ተሃዳሲ ጸዓት ብሰለስተ ዕጽፊ ንምዕባይ'ኳ እንተተሰማምዐ፡ ኣብ ምጉዳል ልቀት ካርቦን ግን ዝጥቀስ ሸቶ ኣየቐመጠን።