ኣፍሪቃ ኣባል ጕጅለ 20 ኰይና

ምንጪ ስእሊ, MEA/X
ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራትን ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራት ቍጠባዊ ዝላ ዘመዝገባ ሃገራት ዝሓቘፈ ጕጅለ 20፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል እቲ ጕጅለ ገይሩ ምቕባሉ ታሪኻዊ ውሳነ'ዩ ተባሂሉ።
55 ሃገራት ኣብ ዝሓቘፈ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብወግዒ ኣባል ጕጅለ 20 ከምዝዀነ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣባል ጕጅለ 20 ከምዝዀነ ኣብ ዘላለየሉ ህሞት፡ ከም ሓደ ምኽንያት ዝተጠቐሰ ንኣፍሪቃ ብሓደ ድምጺ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምውካል’ዩ ኢሉ።
ህንዲ መሪሕነት ጕጅለ 20 ምርካባ ምስ ምዕባይ ተሳትፎ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።
ዓቢይ ኣካል'ዚ ውጥን ድማ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል እቲ ጕጅለ ምግባር’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፡ ሃገሩ መራሒት ኣባል እቲ ጕጅለ ኣብ ዝዀነትሉ እብረ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት ተሳተፍቲ ምምጽኦም ሓበን ከምዝተሰምዖ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐዋምነት ኣባል እቲ ጕጅለ ከምዝዀነ ኣብ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ታሕጓሶም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዚል ኣሶሚኒ ወንበር ኣባልነት ክርከብ ብሞዲ ዕድመ ቀሪብሉ’ዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ እቲ ዜና ወግዓዊ ምስኮነ ተሓቛቝፎም ተራእዮም። እቶም ንኣፍሪቃ ዝወከሉ ሰባት “ታሪኽ ተሰሪሑ” ዝብል ርእይቶ ሂቦም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ናብቲ ጕጅለ ምጽንባሩ፡ ጉጅለ 20 ዝያዳ ኣሳታፊ ከምዝዀነ ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ጕጅለ 20 ቀንዲ ርእሰ ዛዕባ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ጕዳይ ዩክረይን ኰይኑ፤ ቢቢሲ ክጸድቑ’ዮም ተባሂሎም ዝእመነሎም ሰነዳት ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ብዛዕባ ዩክረይን ዝተጠቐሰ ነገር የለን።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት [ኣይሲሲ] ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ኣይተረኸበን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ንህንዲ “ብሃራት” ብዝብል ሽም ምጽውዑ ምድንጋራት ፈጢሩ’ዩ።
እታ ሃገር ክሳዕ ሕጂ ሽማ ብዕሊ ኣይቀየረትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







