መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ውጥን ጸረ ለበዳ ኣውጺኦም

ሓደ ካብቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ክታበት ናይ ዝኾነ ለበዳ ኣብ ትሕቲ 100 መዓልታት ንኽዳሎ ዘኽእል መደብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ክታበት ናይ ዝኾነ ለበዳ ኣብ ትሕቲ 100 መዓልታት ንኽዳሎ ዘኽእል መደብ እዩ

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዘለዎም ጸጋታት ተጠቒሞም ከም ኮቪድ19 ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ለበዳታት ዳግማይ ንኸይክሰት ንምክልኻል ዘኽእል ውጥን ነዲፎም።

እዞም መራሕቲ ሎሚ ኣብ ዘካድዎ ካልኣይ መዓልቲ ኣኼብኦም፡ ነቲ ዘውጽእዎ ውጥንን ክውሰድ ኣለዎ ዝበልዎ ተኸታታሊ ስጉምትታትን ብዝርዝር ክሕብሩ እዮም።

ሓደ ካብቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ ክታበት ናይ ዝኾነ ለበዳ ኣብ ትሕቲ 100 መዓልታት ንኽዳሎ ዘኽእል መደብ እዩ።

እቲ ብዓርቢ ዝጀመረ ዋዕላ ጉጅለ 7፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝኸፈተሉ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይ ምቅረሐ ጸጋታት፤ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ማዕረ ክኸውን ክጸዓር ምዃኑ ብምምብጻዕ እዩ ፈሊምዎ።

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እዮም ኣኼብኦም ዘካይዱ ዘለዉ፡ እቲ ኣኼባ ዓርቢ እዩ ጀሚሩ ሎሚ ኸኣ ንሳልሳይ መዓልቱ ይካይድ ኣሎ።

ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ንሃገራት ካናዳ፤ፈረንሳ፤ጀርመን፤ጃፓን፤ጣልያን፤ዓባይ ብርጣንያን ኣመሪካን ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ኩሎም መራሕቲ እዘን ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለዉ፡ ብዘይካ እዚ ክልተ ላዕለዎት ፖሎቲከኛታት ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለዉ።

እንታይ ውጥናት'ዮም ወጺኦም ዘለዉ?

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ቀዳም ዓሚቕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብሰንኪ ኮቪድ19 ክስዕብ ዝኽእል ሰብኣውን ቁጠባውን ዕንወት ብኣጋ ንምቁጻይ ዘኽእል 'ውዕል ካርቢስ በይ' ዝሰመይዎ ስምምዕ ከቲሞም ኣለዉ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅመር ብመሰረት ካብ ዩንቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 175 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም።

መራሕቲ ጉጅለ 7 ኣገደስቲ እዮም ዝበልዎም መደባት ሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብ መጻኢ ዝኾነ ዓይነት ለበዳ ምስ ዝኽሰት፡ ብኣግኡ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ክታበት ንኽዳሎ እኹል ምድላዋት ምግባርን ንውድብ ጥዕና ዓለም ዳግማይ ምስራዕን ምሕያልን ዝብል ነጥብታት ገለ ካብቲ ብመራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ወጺኡ ዘሎ መደባት እዩ።

መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓት 11 ሰነ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓት 11 ሰነ 2021

ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን "ንኮሮናቫይረስ ንምስዓርን ነቲ ኣውሪድዎ ዘሎ ሃሰያ ንምሕዋይን ሓደ ካብቲ ክግብር ዘለዎ ነገር ብሕጂ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ንከይኽሰት ምድላዋት ምግባር እዩ፡ ካብዚ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ናይ እዋን ለበዳ ናይ ኮሮናቫይረ ትምህርቲ ክንቀስም ኣለና" ኢሉ።

ኣብቲ ጉጅለ ሸውዓት ሎሚ ዘካይድዎ ኣኼባ፡፡ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን'ውን ክርከቡ'ዮም።

ኣብዚ ዓመት እዚ ብዙሓት ሃገራት ክታበት ንበጽሐን ዝወጽአ ውጥን'ከ ኣሎ'ዶ?

ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንድኻታት ሃገራት ከተወፊ ምዃና ክሕብር እንከሎ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ ሃገሩ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ን92 ድኻታትን ማእከላይ እቶት ዘለወንን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ንሕብረት ኣፍሪቃን ክትህብ ምዃና ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ዓባይ ብርጣንያ ነቲ ዝተመባጸዐቶ ክታበታት 5 ሚልዮን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ 25 ሚልዮን ኣብ መወዳእታ 2021 እቲ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ 2022 ክትህብ ምዃና እያ ውጥን ኣውጺኣ ዘላ።

ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ብሓባር ብምዃን ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ሓደ ቢልዮን ብልቃጥ ክመባጽዓ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ን70 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ንምኽታብ፡ ብውሕዱ 11 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘድሊ'ዩ ዝሕብር።