ኮቪድ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንሓደሽቲ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብፊደላት ግሪኽ ሰይሙ

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ዝስየምሉ ስርዓት ወግዓዊ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ዝስየምሉ ስርዓት ወግዓዊ ገይሩ።

ካብ ሕጂ ከኣ ኣብ ብሪጣንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ህንድን ዝተራእዩ ሓደሽቲ ዓሌታት እቲ ቫይረስ ንምጽዋዕ ፊደላት ግሪኽ ክጥቀም'ዩ።

ንኣብነት እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ዓሌት ኮሮናቫይረስ 'ኣልፋ'፣ ደቡብ ኣፍሪቃ 'ቤታ፣ ናይ ህንዲ ድማ 'ዴልታ' ተባሂሎም ኣለው።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ስያመታት ኣብ ዙርያ እቲ ቫይረስ ዝግበሩ ልዝባት ንምፍኳስ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ፡ ብቐንዱ ግን ብምኽንያት ኣሽማት ዘጋጥም ተነጽሎ ንምውጋድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ህንዲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሃገሩ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ቢ.1.167.2 "ዓሌት ህንዲ" ምባሉ ነቒፉ ነይሩ። እንተኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ከምዚ ኢሉ ኣይጸውዖን።

"ዝኾነት ሃገር ዝረኸበቶ ሓድሽ ዓሌት ክተፍልጥ ክተሸማቐቕ የብላን" ክትብል ድማ ሓላፊት ቴክኒካዊ ጉዳያት ኮቪድ-19 እቲ ትካል ማሪያ ቫን ኬርክሆቭ ተዛሪባ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዝርዝር ኣሽማት ኣብ ድረ ገጹ ክሓትሞ እንከሎ፡ እቶም ናይ ግሪኽ ቃላት ግን ነቲ ዝጸንሐ ሳይንሳዊ ኣሽማት ዝትክኡ ከም ዘይኮኑ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር ልዕሊ 24 ዓሌታት ብወግዒ እንተድኣተፈሊጦም፡ እቲ መመዝገቢ ስርዓት ናይ ግሪኽ ቃላት ክውድእ እዩ።

ድሕሪኡ ከኣ ሓድሽ ሽም መውሃቢ ስርዓት ከነላሊ ኢና ክትብል ወይዘሪት ቫን ምስ 'ስታት' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ።

ብሰኑይ ኣማኸርቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝኾኑ ተመራመርቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ገምገም ሳልሳይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ከም እትረክብ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ዴልታ ዝተሰምየ ዓሌት ህንዲ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሮም።

ዚያዳ እቲ ቅድም ኢሉ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ኣልፋ ከኣ ቐልጢፉ ዝመሓላለፍ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቖም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቬትናም ውሁድ እዞም ክልተ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ መልከፍቲ ረኺባ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር እቲ መልከፍቲ ቐልጢፉ ክላባዕ ከም ዝኽእል ብምግላጽ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

ኮሮና