ሰራዊት ሱዳን ስትራተጅያዊት ከተማ ከም ዝተቘጻጸረ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Sudan Tribune
ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋን እትርከብ ከተማ ባራ ድሕሪ ብርቱዕ ውግኣት ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ከም ዝመንዝዑዋ ገሊጾም።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ እዩ፡ ነዛ ስትራተጅያዊት ከተማ ሒዙዋ ጸኒሑ። ንርእሰ-ኸተማ እታ ግዝኣት ኤል-ኦበይድ ንምጥቃዕ ድማ ከም ደጀኑ ተጠቒሙላ፣ ከምኡ'ውን ካብ ምዕራብ ሱዳን ንዝገብሮ ናይ ቀረብ መስመር ከም ወሳኒት ቦታ ክጥቀመላ ጸኒሑ እዩ።
ምሓዝ ናይዛ ከተማ፡ ኤል-ኦበይድ ምስ ምብራቕ ኣብ ምትእስሳርን ምስ ኦምዱርማን ዳግማይ ርክብ ኣብ ምፍጣርን ክሕግዝ እዩ። እዚ ዝኸውን ግን ንዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ከባቢ'ውን ከልግሶም እንተ ኽኢሉ እዩ።
ቤትጽሕፈት ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታቶም "ብሓይሊ፡ ብቘራጽነትን ብብቕዓትን ንዕሱባት ጸራሪጉ" ናብ ከተማ ባራ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ እቲ ሰራዊት ንመላእ ሱዳን ካብ እቶም "ረስሓት ምልሻ፡ ዕሱባትን ወኪላትን፡" ኢሉ ዝገለጾም ንምጽራይ ቈሪጹ ተላዒሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ደገፍቲ ሰራዊት ዝዀኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝተዋፈሩ ሰራዊት መንግስትን መሻርኽቲ ሓይልታትን ዘርኢ ቪድዮታት ለጢፎም። እቲ ሰራዊት ሓያሎ ዝዓነዋ መካይን ብምርኣይ ብዓሰርተታት ዝቍጸሩ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝቐተለ ወይ ከም ዝማረኸ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓይልታቱ ካብታ ከተማ ከም ዘይወጽኡ እዩ ዝገልጽ።
ሰራዊት መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ነበርቲ ከተማ ኤል-ኦበይድ ሓጐሶም ንምግላጽ ናብ ጐደናታት ወጺኦም።
ኣመሓዳሪ ሰሜን ኮርዶፋን ኣቶ ዓብደል-ካለቅ ዓብደለጢፍ ነቶም ሓጐሶም ዝገልጹ ዝነበሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዓወት "ህያብ ንህዝቢ ሱዳን" ከምኡ'ውን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኮር ሰራዊት ሓጃና ምዃኑ ገሊጹ። እቶም ተቐማጦ ኣብ ቅድሚ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝፈጸሞ ጥሕሰት ንዘርኣዩዎ ትዕግስቲ መጒሱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ12 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነበረ እገዳ ንተወሳኺ ዓመት ክቕጽል ኣጽዲቑ። እንተዀነ፡ እቲ ድምጺ ነቲ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ዓሚቝ ምፍልላይ ከም ዘሎ ዘቃልዐ ነይሩ።
እቲ ውሳነ፡ እገዳ ኣጽዋርን ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ዘሐደሰ ኰይኑ፡ ነቲ ስጕምትታት ዝከታተል ፖነል ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት'ውን ክሳዕ ጥቅምቲ 2026 ዕማማቱ ክቕጽል ኣጽዲቑ።
ወኪል ሱዳን ነቲ ቤትምኽሪ ኣብ ዝሃቦ ቀጥታዊ መደረ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንውልቃዊ ትካላት ጸጥታን ዕሱባት ወተሃደራት ናብታ ሃገር ንምጕዕዓዝን ብምምዋል፡ ነቲ ኲናት ነዳዲ ከም ዝወሰኸትሉ ከሲሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







