ሱዳን፡ ዳየሪ እታ ነፍሰጾር ኣደ - 'ንኸይሓርስ እጽሊ ነይረ'

ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ኣሚራ፡ ኣብ ግንቦት፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኮርዶፋን እትርከብ ትነብረላ ዝነበረት ከተማ ዒን ናሁድ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ካብ ገዛኣ ክትወጽእ ተገዲዳ። ነፍሰጾር ሸውዓተ ወርሒ ስለ ዝነበረት እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ነይሩ፣ ሆስፒታላት፡ ፋርማሲታት፡ ዳርጋ መጓዓዝያ ኣይነበረን። እቲ ጽርግያታት ሓደገኛ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣማራጺ ግን ኣይነበራን።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ህይወትን ናብራን ኣማኢት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ኣዕንዩ፣ ሕጂ ድማ እቲ ውግእ ናብቲ ኣሚራ እትነብረሉ ዝነበረትን ክትወጽኣሉ ዝተገደደትን ዞባ ኣስፋሕፊሑ'ሎ።

ቢቢሲ፡ "ኣሚራ" ንድሕነታ ሓቀኛ ስማ ዓቂብዎ'ሎ።

ኣሚራ እናሃደመት እንከላ፡ ብድምጺ ዝመልኣቶ መዘክር - ዳየሪ ዓቂባ እያ። ድሒራ ድማ ብጕጅለ ጐስጓስ ኣቫዝ ንቢቢሲ ኣካፊላቶ። ቢቢሲ ድማ ካብቲ ክትሓርስ ትጽበየሉ ዘላ ከተማ ካምፓላ - ኡጋንዳ ብተለፎን ኣዘራሪብዋ።

ካብ መጀመርታ እቲ ጕዕዞ ጀሚሩ እዩ እቲ ሽግር ተፈጢሩ።

ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱ ጕጅለታትን ንዅሉ እቲ መጓዓዝያታት ከም ዝተቘጻጸርዎ እያ ኣሚራ ትገልጽ።

ንሳን ብዓል-ቤታን ካብ ከተማ ዒን ናሁድ ንምውጻእ ኣብታ ዝተኻረዩዋ መኪና ጽዕነት ምስ ተሰቐሉ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ነታ መኪና ንስድራቤቱ ዝተኻረየ መንእሰይን እቲ ዝያዳ ተሳፈርቲ ክሰቅል ዝደለየ መራሒ መኪና ኣባል ዳዕመ-ሰሪዕን ዕግርግር ተፈጢሩ።

"እቲ መራሒ መኪና ብኡ ንብኡ ሽጕጡ ኣውጺኡ፡ ነቲ ነታ መኪና ዝተኻረየ መንእሰይ ብጥይት ክቐትሎ ምዃኑ ሃዲድዎ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ክልምኖ ጀሚሩ፣ እንተላይ ካልእ ብጻዩ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ለሚንዎ፡" ትብል ኣሚራ።

"ዓባዩን ኣደኡን ነቲ ወዲ እናበኸያ፡ ኣብ እግሪ እቲ መራሒ መኪና ወዲቐን ኣምሪረን ለሚነናኦ፤ ንሕና ተሳፈርቲ ብፍርሒ ኣንፈርፊርና ክንመውት ደሊና፡" ትዝክር።

"ክትኵስ እንተ ወሲኑ መቸም፡ ንሓደ ቀቲሉ ጥራይ ስቕ ኣይምበለን፣ ብዙሓት ክቐትል እዩ ዝብል ስምዒት ነይሩኒ፡" ክትብል ተዘንቱ፡ "ምኽንያቱ ሰኺሩን ማሪዋና የትክኽን ስለ ዝነበረ።"

ኣብ መወዳእታ እቲ መራሒ መኪና ሽጕጡ ኣቐሚጡ፣ እቲ መንእሰይ ግን ኣብታ ከተማ ተረፈ።

ተበላሽያ ትድፋእ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Amira

መግለጺ ስእሊ, እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና፡ ኣብ መገዲ ብተደጋጋሚ ተበላሽያ እያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነት መኪና፡ ሳንጣታትን ካብ 70 ክሳብ 80 ሰባትን ተጸፋጺፎም፣ ጐዳጕዲ ዝበዝሖ መንገዲ ሩባታትን ዘይምዕሩይ ጽርግያታትን ተበገሰት። ኣደታት ብሓደ ኢደን ዝረኸባኦ መትሓዚ መኪና፣ በቲ ሓደ ኢደን ድማ ደቀን ክሓቝፋ ይጽዕራ ነይረን።

"ኣብቲ ጕዕዞ ኣመና ፈሪሐ ነይረ፡" ትብል ኣሚራ፤ "እቲ ዕሸል ከይውለድ እጽሊ ነይረ - ኵሉ ጽቡቕ ክኸውን ተተስፍየ።"

ኣብ መወዳእታ እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ምዕራብ ኮርዶፋን ዝዀነት ኤል-ፉላ በጽሑ። ኣሚራ ግን ኣብኡ'ውን ነዊሕ ክትጸንሕ ኣይደለየትን፤ ምኽንያቱ፡ ሰራዊት ናብኣ ገጾም ይግስግሱ ነይሮም።

"እቲ ሰራዊት ኣብ ኤል-ፉላ እንተ በጺሑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን እየ፡" ክትብል ብድምጺ መዘክራ ይስማዕ። "ብፍላይ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ርክብ ኣለዎም ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ተወለድቲ ባጋራን ሪዘይጋትን ዝኣመሰሉ ብሄራት ዒላማ ክገብሩዎም እዮም፡" ትብል።

"ብዓል-ቤተይ ካብዞም ጕጅለታት'ዩ - ዋላ'ኳ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀነ ርክብ እንተ ዘይብሉ። ሕጊ ዝተማህረ ተራ ሰራሕተኛ መንግስቲ እዩ፤ ኣብዚ እዋን ግን፡ እዚ ትርጕም የብሉን። ሰባት ብዓሌቶም ጥራይ እዮም ዒላማ ዝዀኑ ዘለዉ።"

ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቶም ሚልሻታትን ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ምስ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተሓባበርቲ እዮም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ሰለማውያን ሰባት ከም ዘጥቅዑ እዮም ዝኽሰሱ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ድሕሪ ዘመዝገብዎ ዓወታት፡ ነዚ ክሲታት እትምርምር ሽማግለ ኣቝሙ ነይሩ።

እቲ ብስለስተ ግዝኣታት ዝቘመ ኮርዶፋን ኣብዚ እዋን ቀንዲ ዓውደ-ኲናት ኰይኑ ዘሎ ዞባ እዩ። ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ስትራተጅያዊ ማእከል ቀንዲ መራኸቢታት መጓዓዝያ እውን ስለ ዝዀነ ኣብ ኲናት ሱዳን ወሳኒ ዞባ እዩ።

ዓራት ዓንገሬብ

ምንጪ ስእሊ, Amira

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ኢንተርነት ዝረኸበትላ ኤል-ሑጀይራት ዝተባህለት ቍሸት ንሓደ ለይቲ ዝተኻረየታ ዓራት ዓንገሬብ

ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ሚልሻ ብፍላይ ድማ እቲ ሓያል ምዃኑ ዝእመን SPLM-N ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስላፉ ነቲ ግጭት ዝያዳ ሓላሊኹ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክስዕብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ጕጅለታት ረድኤት ቀረብ ክሰዳ ዳርጋ ናብ ዘይክእላሉ ደረጃ በጺሐን።

ኣሚራ፡ ካብ ኤል-ፉላ ምስ ተበገሰት ናብ መዳውብቲ ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ፡ ሓያለ መካይን ዝቐያየረትሉ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ሽግራትን ዕንቅፋታትን ዝረኣየትሉ ጕዕዞ ሰለስተ መዓልቲ ወሲዱላ።

"እቶም ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ መራሕቲ መካይን ከከም ስምዒቶም እዮም ዝሰርሑ፡" ትብል።

"መን ክጓዓዝ ከም ዝኽእል፣ ኣበይ ደው ከም ዝብሉን ክንደይ ከም ዘኽፍሉን ዝዀነ እዩ ዝውስን። ፍሉጥ ዋጋ ኣይነበረን፣ ነዚታት ክትጻወር ድማ ግድን ይኸውን። ዕጡቓት ስለ ዝዀኑ ድማ ብቐሊሉ እዮም ናብ ግጭታት ዝኣትዉ።"

ኣብ ነፍሲወከፍ 20 ደቓይቕ ኣቢሉ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ መፈተሺ ነቝጣታት ዳዕመ-ሰሪዕ ደው ክብሉን ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ኣሚራ ትዛረብ።

እዚ ድማ ኣብ ርእስቲ ነቶም ከም ዓጀብቲ ኣሰንየሞም ዝኸዱ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ምዃኑ እዩ።

መግቢ ኣዝዩ ክቡር እዩ ነይሩ፤ ማይ ከኣ ዳርጋ ኣይርከብን እዩ።

ኣብ ሓንቲ ኤል-ሑጃይራት ዝተባህለት ቍሸት ምስ በጽሑ፡ ተጓዓዝቲ፡ ብስታርሊንክ መሳርሒ ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣቢሎም ኢንተርነት ክረኽቡ ክኢሎም ነይሮም። እንተዀነ፡ እዚ'ውን ናይ ባዕሉ ሓደጋታት ነይርዎ።

"ሓንሳብ ኣብ ኢንተርነት እንተ ኣቲኻ ክትጥንቀቕ ኣለካ፡" ትብል ኣሚራ፡ "እቶም ኣባላት ዳዕመ-ሳዕሪ እንተ ሰሚዖምኻ - ከም ገለ ቪድዮ ናይ ሰራዊት እንተ ርኢኻ፡ ወይ ድምጺ ወይ ደርፊ፡ ወይ'ውን ኣብ እትገብሮ ዝርርብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ እንተ ጠቒስካ፡ ብኡ ንብኡ ትእሰር።"

እቲ ጽርግያ ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ፡ መካይን ብቐጻሊ ይስበራ፣ ኣብ ጕዕዞና ስለስተ ግዜ መኪና ኣበላሺና፤ ክትብል ኣሚራ ተዘንቱ።

ኣሚራ እቲ ኣዝያ ተስፋ ዝቘረጸትሉ ህሞት፡ ኣብ በረኻታት ኦካቻ እናተጓዕዘት ጐማ መኪና ድሕሪ ምትኳሱ እዩ። ተጓዓዝቲ ብዘይ ማይ ተሪፎም፤ ዝሓልፋ ዝነበራ መካይን ድማ ትርፊ ቦታ ከም ዘይብለን ገሊጸን።

"ወላሂ! ኣብ ካልእ ቦታ ክበጽሕ ይኽእል እየ ዝብል ተስፋ ኣይነበረንን፤ በቃ ልክዕ ኣብኡ ዝመውት ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ትብል።

"በቃ ተስፋ ቈሪጸ! ሓንቲ ኮቦርታ ጥራይ ስለ ዝነበረትኒ፡ ኣብ መሬት ኣንጺፈያ ደቂሰ።"

"ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብሓቂ እዚኣ ናይ መወዳእታ መዓልተይ እያ ዝብል ስምዒት ተሰሚዑኒ።"

መወዳእታ ግን ኣይነበረትን።

ካርታ ሱዳን

ኣሚራን ብዓልቤታን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓንቲ ኣሕምልቲ ዝጸዓነት ፒክኣፕ መኪና ክስቀሉ ዕድል ረኺቦም።

ንጽባሒቱ ኣብ ዶብ ኣቢየ በጽሑ፡ ናብኡ ዝግበር ጕዕዞ ግን ብዝናብን ውሕጅን ዝተዓናቐፈ እዩ ነይሩ።

ኣብዛ እዋን፡ ኣብ ሓንቲ በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና እዮም ነይሮም፤ ንሳ ድማ ቀጻሊ ትበላሾ ነበረት።

"እታ መኪና ደጋጊማ ኣብ ጭቃ ትሽከል ነይራ፡" ትብል ኣሚራ።

"ክዳውንትና ጠልቅዩ፣ እቲ ድሮ ብሙቐትን ዶሮናን ዝተበላሸወ ቦርሳታትና ድማ ጠልቅዩ።"

"ብቝሪ ከርዲድና፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ክንበጽሕ ጥራይ ኢና ንጽሊ ነይርና።"

ኣብ መወዳእታ እዞም መጻምድቲ፡ ካብታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ከተማ ዔን ናሁድ ኣስታት 1300 ኪ.ሜ ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ርእሰኸተማ ደቡብ ሱዳን - ጁባ ክበጽሑ ክኢሎም። ካብኡ ድማ ብኣውቶቡስ ናብ ካምፓላ - ኡጋንዳ ተጓዒዞም።

ሕጂ እታ ስድራ ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ በጽሐት፡ እቲ እፎይታ "መሪር ጥዑም እዩ!" ኢላ ተስተማቕሮ'ላ።

ኣሚራ፡ ብዛዕባ እቶም ድሕሪት ዝተረፉ ኣባላት ስድራኣ ግን ኣዝያ እያ ትጭነቕ። ክትሓርስ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ድማ ትሓዝንን ትቓዝንን።

"እቲ ናይ ሕርሲ ስምዒት ኣዝዩ እዩ ዘፍርሓኒ ዘሎ፤ ቦካር ስለ ዝዀንኩ ኣደይ ኣብ ጐድነይ ክትህልወለይ ነይርዋ፣ ግን በይነይ እየ፡" ትብል።

"መሓዛይን ብዓል-ቤተይን ጥራይ ክኸውን'ዩ። እንድዒ... ብዙሕ ነገራት'ዩ፡ ኣዝዩ ፋሕፋሕ ዝበለ እዩ መቸም፣ ኣዝዩ ልዕሊ ዓቕመይ'ዩ።"

ኣሚራ ኣብ እዋን ኲናት፡ በቲ "ህጹጽ ምላሽ" ዝፍለጥ ኣካላት ኣቢላ ኣብ ስራሕ ረድኤት ትነጥፍ ዝነበረት ተጣባቒት መሰል ደቀንስትዮን ደጋፊት ደሞክራስን እያ።

ጕጅለኣ ብሰራዊት ሱዳን ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዝርአ ትገልጽ። ገለ ኣባላቶም ድማ ተኣሲሮም እዮም።

"ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ እውን ዝሓሹ ኣይኰኑን። ምስ መጽኡ ይዘምቱ፡ ይዕምጹ። ካብቲ ሰራዊት ዘፍሊ ተግባር የብሎምን፤ ኵሎም ሓደ እዮም።"

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዋላ'ኳ ሰፊሕ መርትዖታት ዝምታን ክስታት ዓመጽን እንተ ቀረበሉ፡ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይገብር ብምግላጽ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ ይነጽግ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ንዝብል ክሲታት ነጺጐምዎ እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኣሚራ ዘሎ ብድሆ - እቲ ሓጐስ እውን ማዕረኡ - ኣደ ምዃን እዩ።

ወትሩ ኣብ ርእሳ ዝመላለስ ሕቶ ግን ውላዳ ሒዛ ናብ ሃገራ ሱዳን ትምለስዶ ትኸውን ዝብል እዩ።

"ኵነታት ሱዳን ክመሓየሽ ተስፋ እገብር፡" እትብል ኣሚራ፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ውሑስ ኣይክኸውንን'ዩ፣ ከምቲ ቀደም ዝነበረ ዓይነት ሰባት እውን ኣይክህሉን እዩ፣ እቲ ቦታታት ከም ዝነበሮ ኣይክኸውንን'ዩ - ኵሉ ክቀያየር'ዩ።"

"እቲ ኲናት ደው እንተ ኢሉ ግን እንተ ወሓደ ዝተወሰነ ውሕስነት ክህሉ'ዩ፤ ብውሕዱ'ውን ሰባት ከምዚ ሕጂ ፈቘድኡ ኣይክሞቱን እዮም።"