ብዝሒ ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ብ70% ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ፡ ኵነታት ኤርትራን ኢትዮጵያንከ?

ምንጪ ስእሊ, UN
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ከም ዝጠፍኡን ኣስታት 70% ወሰኽ ከም ዝገበረን ትካል ግብረ-ሰናይ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣፍሊጡ።
እዚ ወሰኽ ብሰንኪ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ኲናት፡ ጃምላዊ ስደትን ዝጠሓስ ዘሎ ምኽባር ሕጊ-ኲናትን ምዃኑ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒየር ክራሄንቡል፡ "ካብ ሱዳን ክሳብ ዩክረይን፡ ካብ ሶርያ ክሳብ ኮሎምብያ፡ እቲ ዝንባለ ንጹር እዩ፤ ቍጽሪ ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናትን ደገፍቶምን ኣብ እዋን ኲናት ንሰላማውያን ሰባት ከም ዘይከላኸሉ ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።
ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ 2024 ኣስታት 284,400 ሰባት ከም ዝጠፍኡ ኣብ ቀይሕ መስቀል ተመዝጊቦም። በዚ ድማ ኣብ 2019 ካብ ዝነበረ 169,500 ናይ ኣስታት 70% ወሰኽ ከም ዝገበረ እቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ይሕብር።
ጠንቂ ምውሳኽ ናይዚ ኣሃዝ፡ ግጭት ሱዳን፡ ቓዛን ዩክረይን ገለ ካብ'ቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ድማ ይገልጽ።
ፒየር ክራሄንቡል ግን እዚ ዝተገልጸ ኣሃዝ፡ "ንእሽቶ ናይቲ ገዚፍ ቍጽሪ፡" ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
"ብደረጃ ዓለም፡ ሚልዮናት ሰባት ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ተፈልዮም እዮም - መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመታት ወይ'ውን ንዓሰርተታት ዓመታት፡" ይብል።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ግዱድ ምፍልላይ ንምውጋድ ብ1949 ተኸታተልቲ ኣህጉራዊ ውዕላት ተፈሪሞም እዮም። እንተዀነ፡ ነዞም ሕግታት'ዚኣቶም ምኽባር እናሃሰሰ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ትካል የጠንቅቕ።
"ሰቘቛ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ዘይውገድ ኰይኑ ኣይኰነን። ጸረ-ምፍልላይ ስጕምትታት ብምውሳድ፡ ነቶም ኣብ መቑሕ ዘለዉ ብምክልኻልን ብዛዕባ ዝሞቱ ግቡእ ኣልያ ብምግባርን፡ ሓያሎ ስድራቤታት ምሉእ ዕድመኦም ካብ ምጭናቕ ክድሕኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፡" ክብል ይውስኽ።
"ብድሕሪ ነፍስወከፍ ሰብ፡ እዚ ጸብጻብ'ዚ ከርእዮ ዘይክእል፡ ኣደ፡ ኣቦ፡ ውላድን ቤተሰብን ኣብ ሰቘቛ ከም ዘለዉ ንዘክር።"
ዓለምለኻዊ ኮሜተ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ዝሳተፋ ሃገራትን ኣካላትን ደሃይ ምጥፋእ ሰባት ኣብ ምውጋድን ንስድራቤታት ደገፍ ኣብ ምሃብን ብቐዳምነት ሓላፍነት ክስከሙ ከም ዝግባእ ይገልጽ።
"መንግስታት ንጉዳያት ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት ብኸመይ ምላሽ ይህብሉ፡ ዋላ እቲ ዓመጽ ምስ ኣብቅዐ ጽልዋኡ ኣብ ሕብረተሰባት ክቕጽል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንምንጋስ ሰላምን ምሕዋይ ቍስሊን ሕብረተሰባት ብኣሉታ ይጸልዎ፡" ይብል።
ኵሎም ኣካላት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምስ ዘኽብሩ፡ "ሓደጋ ምጥፋእ ሰባት ከም ዝንኪ፡" ኣስሚሩሉ።
ሓደ ኣካል ብሓይሊ ቦታታት ክቈጻጸር ከሎ ኣባላት ስድራቤት ዝፈላሊ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ክቝጠብ ግቡኣት ከም ዘለዎ ሕጊ-ኲናት ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣካላት ብዛዕባ እሱራት ሓበሬታ ብእዋኑ ከካፍሉን ምስ ኣዝማዶም ርክብ ክህልዎም ከኽእሉን ከም ዘለዎም እቲ ትካል ግብረሰናይ የተሓሳስብ።
ግጭት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ድማ፡ "ብወገን ጸላኢ ኰይኖም ናይ ዝመቱ ወተሃደራት ንስድራቤቶም ከም ዝፈልጡ ናይ ምግባር፡" ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ወሲኹ ይገልጽ።
ቀይሕ መስቀል ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ብምዃን ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት ኣብ ምምዝጋብን ዳግማይ ምስ ስድራቤቶም ኣብ ምርኻብን ይሰርሕ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 16,000 ደሃዮም ዘጥፍኡ ሰባት ሃለዋቶም ክፍለጡ ክኢሎም።
ሱዳን ቍጽሪ ደሃዮም ዝጠፍኡ ይውስኽ
ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 82,000 ሰባት ደሃዮም ዝጠፍኡ ከም ዝተመዝገቡ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ይሕብር። ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ኲናት ሓድሕድ ኣብዚ ቍጽሪ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ'ውን የመልክት።
እዚ ትካል ምስ መሻርኽቱ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ብምዃን፡ 755 ስድራቤታት ዳግማይ ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን 5,083 ስድራቤታት ሃለዋት መቕርቦም ክፈልጡ ገይሩ።
እዚ ጽቡቕ ስማዕ ደኣ ይዅን'ምበር ቍጽሪ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ።
ግጭት ሱዳን ብዝፈጠሮ፡ 7,700 ስድራቤታት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡ መቕርበን ሓቲተን። እዚ ካብቲ ኣብ 2023 ዝነበረ ብ52% ወሰኽ ኣርእዩ።
ሓላፊ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕመስቀል ኣብ ኣፍሪቃ ፓትሪክ ዩሱፍ፡ "እዚ ኣሃዝ ንእሽቶ ክፋል ናይቶም ዝጠፍኡ እዩ፡" ይብል'ሞ፡ ደሃይ ናይ ዝጠፍኡዎም ሰባት ንምሕታት ኣብ ሰሙን ኣማኢት መልእኽትታት ከም ዝመጽኦም ይሕብር።
ኢትዮጵያ፡ ሓላፍነት ዝወስደሎም ኣካል ዘይብሎም ጭውያታት

ምንጪ ስእሊ, Kidame Gebeya/Ethiopian Reporter
ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይታ ሃገር ምስ ዘሎ ግጭታት ብምትእስሳር ኰነ ካልኦት ምኽንያታት ዝተፈላለዩ ሰባት ናብ ማእሰርትን ግዱድ ጭውያን ይቃልዑ ከም ዘለዉ ጽብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብ17 መስከረም 2024 ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምስ ግዱድ ጭውያ ዝተኣሳሰር ልዕሊ 200 ጉዳያት ከም ዝሰነደ ገሊጹ።
"ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ኣብ ዘይፍሉጥ መዳጐኒታት ንነዊሕ እዋናት - ክሳዕ ሸሞንተ ኣዋርሕ - ጸኒሖም፡" ደሃዮም ከም ዝርከብ ወይ ከም ዝፍትሑ ድሕሪ ምሕባር፡ ክሳዕ ሰነ 2024 ሃለዋቶም ዘይፍለጥ 42 ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ከም ዝመዝገበ ይገልጽ።
እቶም ግዳያት ኣብ መስርሕ ከምዚ ዓይነት ማእሰርቲ፡ ብመግረፍቲ፡ ገሊኦም ድማ ብጥይት ዝተጐድኡ ከም ዘለዉ እውን ይውስኽ።
ቀጺሉ፡ ሰባት ካብ ፍሉጣት ኣብያተ ማእሰርቲ ናብ ዘይፍለጡ ቦታታት ከም ዝውሰዱ፡ ቤተሰቦም ኣብ ዝሓትሉ ድማ ናብ ትካላት ጸጥታ ወይ ሰራዊት ከም ዝተረኸቡ ከም ዝገልጽሎም ሻቕሎቱ ገሊጹ።
"ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ዘሎ መርትዖታት፡ ብሓይሊ ዝተሰወሩ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከም ዝተቐትሉ፡" ዝሕብር ምዃኑን ንማእሰርቶምን ምስግጋሮምን ዝገልጽ መዝገብ ስለ ዘየሎ ንምጽራዩ ከቢድ ከም ዝገብሮን ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሰራሕተኛ ጋዜጣ ሪፖርተር ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረን ገዲም ጋዜጠኛ ዓብዱልሰሚድ መሓመድን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ካብ ዝወሰዱ መዓልታት'ኳ እንተ ኣቝጸሩ፡ ሃለዋቶም ግን ከም ዘይተፈልጠ መሳርሕቶም ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብ"ዘይተፈልጡ ዕጡቓት" ድሕሪ ምጭዋዮም ሓደ ካብኦም ድማ ህይወቱ ስኢኑ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ስለ ዘለዉ ሓላፍነት ዝወስደሎም ኣካል ዘይብሎም ጭውያታት ይበዝሑ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ኤርትራ - "ከምኡ እዩ ዘሎ እቲ ወረ"
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓዊሱ ኣሽሓት ዜጋታት ናይታ ሃገር ብሓይሊ ተሰዊሮም ደሃዮም ዘይፍለጥ ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተጣበቕቲ ትካላትን ንዓመታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ስድራቤታቶም ድማ ደሃይ መቕርቦም ዘይብሎም ንዓመታት ኣብ ሰንፈላልን ቃንዛን ይርከቡ።
ድሕሪ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ "ኣተሓሕዛን ኣልያን ኲናት ክልተ ዓመት ክግምገም፡ ክሳዕ ሽዑ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር፡ እቲ ንህዝቢ ዝተኣትወ መብጽዓ ምትካል ሰለማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክቀላጠፍ፡ ወዘተ . . ." ከም ዝሓተቱ ዝንገረሎም ምኒስተራት፡ ጀነራላትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጕጅለ-15፡ 11 ካብኦም ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ዛጊት ኣብ መቝሕ ከም ዝርከቡን ሃለዋቶም ከም ዘይፈልጡን ይግለጽ።
ብሞያዊ ሓላፍነቶም ርእይቶ ናይቶም ሰብስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ጋዜጣታቶም ዝሓተሙን ቃለመሕትት ዘካየድሎም ጋዜጠኛታትን ኣብ መስከረም 2001 ምስ ተኣስሩ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ፡ ን24 ዓመታት ተሸሪቦም ምህላዎም፡ እቲ 2016 ኣብ ኤርትራ "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት" ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸብጻቡ ዘቕረበ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹዎ ነይሩ እዩ።
ሓደ ካብ ሰበስልጣን ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ቢትወደድ ኣብርሃ ካብ ጥቅምቲ 1991 ኣትሒዙ ን34 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።
መንግስቲ ኤርትራ ብ2002 ብዘይካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊኽን ከኒሻን ካልኦት ሃይማኖታት ክዕጸዋ ወሲኑን ምእመናን ንጥፈታት ሃይማኖቶም ከየካይዱ ድሕሪ ምኽልካሉን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ብዘይክሲ ተኣሲሮምን ብዘይፍርዲ ንዓመታት ተመቚሖምን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, SIHAM
ካብ 2004/5 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ፓስተር ሚልዮን ገብረስላሰን ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ንልዕሊ 20 ዓመታት ስድራቤቶም ደሃዮም ኣብ ዘይረኽብሉ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣትሒዙ ካብ ከረን፡ ኣስመራ፡ መንደፈራን ጊንዳዕን ዝኣመሰላ ከተማታት ዝተጨዉ ኣመንቲ ምስልምና ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይፍለጥ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ካብዚኦም ከም መሓመድ ማራነት (1991)፡ ዓብደልዓሊም ዘርኦም (1992)፡ መሓመድ ዓሊ ሓሰን (1992)፡ ኢብራሂም ጅምዕ (1992)ን ካልኦትን ይርከቡዎም።
ሂውማን ራይትስ ዎች ኣብ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 44 መነኮሳት ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ከም ዝተኣስሩ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ገሊጹ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ይግለጽ። ንኣብነት፡ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ጓል 15 ዓመት እንከላ ኣብ 2012 ካብ እትእሰር፡ ን13 ዓመታት እንታይ ዕጫ ገጢሙዋ ኣይፍለጥን።
ብተወሳኺ፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኰነ ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምብጻሕ ኣብ ዘካይዱዎ ሓደገኛ ጕዕዞ ደሃዮም ዝጠፍኡ መንእሰያት ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
30 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት እዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ደሃይ ናይ ዘፍቅርዎም ሰባት ንምስማዕ ኣብ ሞንጎ ተስፋን ጓሂን ተቕርቂሮም ንዓመታት ኣብ ትጽቢት ይርከቡ።
ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብመንገዲ 'ፋሚሊ ሊንክስ ኔትዎርክ' ደሃይ ዘጥፍኡ ምስ መቕርቦም ንምርኻብ ይሰርሕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







