ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝስወሩ መዓልታት ዘሕለፉ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣበይ ኣለዉ?

ገዲም ጋዜጠኛ ዓብዱልሰሚድ መሓመድ (ጸጋም)፡ ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Kidame Gebeya/Ethiopian Reporter

መግለጺ ስእሊ, ገዲም ጋዜጠኛ ዓብዱልሰሚድ መሓመድ (ጸጋም)፡ ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረን (የማን)

ሰራሕተኛ ጋዜጣ ሪፖርተር ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረን ገዲም ጋዜጠኛ ዓብዱልሰሚድ መሓመድን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ካብ ዝወሰዱ መዓልታት'ኳ እንተ ኣቝጸሩ፡ ሃለዋቶም ግን ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠ መሳርሕቶም ገሊጾም።

ንኣስታት ሓደ ሰሙን ደሃዩ ዝጠፍአ ጋዜጠኛ ዓብዱልሰሚድ፡ ፖሊስ ክኣስሮ እንከሎ ተራእዩ'ኳ እን ተነበረ፡ ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ግን ኣይተፈልጠን፤ ክሳዕ ሕጂ ጠበቓኡ ይዅን ስድርኡ ክርእይዎ'ውን ኣይተፈቕደሎምን።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ "ገጾም ብዝተሸፈኑን ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ብዝመስሉን፡" ሰባት ተወሲዱ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ሪፖርተር ድማ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ይዅን ብመን ከም ዝተወስደ ብወግዒ ከም ዘይተፈልጠ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ እታ ጋዜጣ ዮናስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ወይ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቦም እንተ'ለዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዘየሎ መሳርሕቶም ገሊጾም።

ንኣስታት 30 ዓመታት ጋዜጠኛ ኰይኑ ዝሰርሐ ዓብደልሰሚድ፡ ኣብ ራድዮ ኣሃዱ ዝፍኖ መደባት 'ተረክ'ን 'ቅዳሜ ገበያ'ን የዳሉ።

ሓደ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዩቱብ ቻነላት ዝፍኖ ፖለቲካውን ታሪኻውን ጸብጻባት እውን ይሰርሕ።

መሳርሕቱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብሰኑይ 5 ነሓሰ 2017 (ኣ.ግ) ረፋድ ሰዓት 5፡00 (11፡00 ኣ.ምብራቕ ኣፍሪቃ) እዩ ጠፊኡ።

ዓብዱልሰሚድ ኣብታ መዓልቲ ናይ መዘወሪ መኪና ፈተና ከም ዝነበሮ ዝገልጽ እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣጋ ምሸት ብዛዕባ ውጽኢት እቲ ፈተና ከም ዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ጋዜጠኛ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ሃያ ሁለት ከም ዝበጽሐ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝሰምዐ ሓቢሩ።

"እቲ ዝፈተኖ መምህር'ዩ ካብ ቃሊቲ ኣብ ከባቢ ሃያ ሁለት ኣውሪድዎ። ካብኡ ናብ ስራሕ ኣይኣተወን። 'ኣብቲ ከባቢ ተራእዩ' ኢሎም፤ እንተዀነ ኣይተረኽበን፡" ኢሉ።

ብዓልቲ-ቤት ዓብዱሰሚድ ለይቲ ተለፎን ምስ ደወለት ከም ዝጠፍአ ከም ዝፈለጠ ዝገልጽ እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ኣብ ፖሊስ ፈደራልን ቤትህንጸትን ዝኣመሰሉ ቦታታት ከም ዘጻረዩ ሓቢሩ።

"መጀመርታ ብዓልቲ-ቤቱ [ኣብ መደበር ፖሊስ] ምስ ሓተተት፡ 'እወ ኣሎ' ተባሂላ፤ ንጽባሒቱ ምስ ከደት 'ኣይፋልን ንሕና'ውን ንደልዮ ኢና ዘለና፣ ከተቕርቦ መመልከቲ ኣእትዊ' ኢሎማ፡" ብምባል ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠ ኣብሪሁ።

ቢቢሲ ካብ ብዓል- ቤት ዓብደልሰሚድ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ጋዜጠኛ ሓባራዊ ኣዳላዊ መደብ ራድዮ 'ቅዳሜ ገበያ' ዝዀነሉ ምድላው ዘፍሪ 'ሰለንዳ ኢቨንትስ ኤንድ ኮሙኒኬሽንስ' ብቐዳም 10 ነሓሰ 2017 (ኣ.ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዓብደልሰሚድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ፡ ዓብደልሰሚድ ካብ ዝጠፍኣሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ብሓሙስ ቤትጽሕፈቱ ክፍተሽ እንከሎ፡ "ብፖሊስ ተዓጂቡ" ከም ዝመጽአ ይሕብር።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዓብደልሰሚድ ብህይወት ከም ዘሎ ካብ ኣባላት ጸጥታ ድሕሪ ምስማዕና፡ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ሃያ ሁለት ናብ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ፡ ንኽፍተሽ ብፖሊስ ተዓጂቡ ከም ዝኸደ ኢና ፈሊጥና፡" ኢሉ።

እቲ መግለጺ፡ እቲ ጋዜጠኛ ክሳዕ ሕጂ ናብ ቤትፍርዲ ከም ዘይቀረበን ምስ ጠበቓ ወይ ስድራቤት ክራኸብ ከም ዘይተፈቕደሉን ኣመልኪቱ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ክሳጵ ሕጂ ዘለወሉ ኵነታት ዘይተፈልጠ ጋዜጠኛ ሪፖርተር ዮናስ ኣማረ ብወገኑ፡ ካብ ረቡዕ 7 ነሓሰ 2017 ጀሚሩ ደሃዩ ከም ዝጠፍአ ዋና ኣሰናዳኢ እታ ጋዜጣ ታምሩ ጽጌ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ጋዜጣ ሪፖርተር ጸሓፊ ዓምዲ ፖለቲካ ዝዀነ ዮናስ ንመወዳእታ ግዜ ብረቡዕ ከም ዝተራእየ ዝገልጽ ታምሩ፡ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ከም ዘይመጽአ ጠቒሱ።

ተለፎን እቲ ጋዜጠኛ ንመዓልቲታት "ትጽውዕን ትዕጾን፡" ከም ዝነበረት ዝገልጽ ታምሩ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ንምርካብ ዝተገብረ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ከም ዘይተዓወተ ኣዘኻኺሩ።

ዮናስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ጸጥታ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት ኣፋፍኖት ብቐዳም ክርከብ እንከሎ፡ እቶም ኣቐዲሞም ናብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ዝኸዱ ሰባት፡ "ፖሊስ ወሲዶምዎ" ዝብል ሓበሬታ ካብ "ሓለውቲ ጸጥታ" ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

"መን ከም ዝወሰዶ፡ ናበይ ከም ዝተወስደ ዋላ ሓንቲ ክብሉ ኣይደለዩን፡" ዝበለ ታምሩ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይነበረ ኣብሪሁ።

መሳርሕቱ ዳግማይ ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ንነበርቲ ከም ዝሓተቱ ዝገለጸ ታምሩ፡ "ገጾም ዝተሸፈኑ ሰባት፡" ብረቡዕ ምሸት ከም ዝወሰድዎ ዝሕብር ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ገሊጹ።

"እቶም ገጾም ዝተሸፈኑ ሰባት ምሸት መጺኦም ወሲዶሞ። ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ይመስሉ። ገጾም ግን ኣይርአን ነይሩ፡" ክብል ንነበርቲ ናይቲ ዮናስ ዝነብረሉ ኮንዶሚንየም ብምጥቃስ ኣብሪሁ።

ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረ

ምንጪ ስእሊ, The reporter

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ዮናስ ኣማረ

ብተወሳኺ፡ እቶም ሰባት ንዮናስ ምስ ወሰድዎ፡ "ኵለን ተለፎናት ናይቶም ኣብቲ [ኮንዶሚንየም] ዝነበሩ ሰባት ወሲዶም፡ ዝዀነ ነገር ከይስእሉ፡ ከይዛረቡ ኣፈራሪሖም፡ ካብቲ ቀጽሪ ከይወጹ ገይሮም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከባቢ ሰዓት 3፡30 (9፡30 ኣ. ምብራቕ ኣፍሪቃ) ከም ዝወሰዱዎ፡" ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ነበርቲ ከም ዝተረኽበ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ዮናስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ይርከብ ድዩ ኣይርከብን ንምርግጋጽ ዝተገበረ ጻዕሪ፡ "ከምዚ ዝበለ ሰብ ምሳና የሎን፡" ዝብል መልሲ ከም ዝተረኸበ ሓቢሩ፤ ካልኦት ጻዕርታት እውን ከም ዘይተዓወቱ ወሲኹ ገሊጹ።

"እቶም ዝወሰዱዎ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ እንተዀይኖም፡ ምናልባት [ሰኑይ] ናብ ቤትፍርዲ ከቕርብዎ ተስፋ ንገብር። ገለ እንተ ገይሩ፡ ገበን እንተ'ልዩ፡ ጥርጣረ እንተ'ልዩ ናብ ቤትፍርዲ ምቕራቡ ይሓይሽ። እንተዀነ ከምዚ ገይርካ ምጭዋይ ረብሓ ዘለዎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ቢቢሲ ነቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ካብ ኮምሽን ፖሊስ ፈደራልን ኣዲስ ኣበባን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጋዜጣ ሪፖርተር፡ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ክገጥሞ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኡ'ዩ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ሪፖርተር ኣበበ ፍቅር፡ ንስራሕ ናብ ክፍለ ከተማ ልደታ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ኣትዩ።

እቲ ጋዜጠኛ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ማእሰርቲ ናብ ቤትፍርዲ ምስ ቀረበ፡ "ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ይሰርሕ ከም ዘሎ፡" ተገሊጹ።

ነቲ ጉዳይ ዝሰምዐ ቤትፍርዲ ጉዳያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ብዋሕስ 10,000 ብር ፈቲሑዎ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ መስራትን ኣሰናዳእን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ሆቴል ግዮን ተወሲዱ ንሽዱሽተ መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ።

ብ1 ሰነ 2017 ጋዜጠኛ ተስፋኣለም፡ "ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ" ብዝብል ጥርጣረ ተታሒዙ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ጋዜጠኛ ክሳዕ ዝፍታሕ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ዋሕስ ተፈቒዱሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ፖሊስ ምፍታሕ ድሕሪ ምእባዩ ግን ብ6 ሰነ ክፈትሖ ክኢሉ።