ኢትዮጵያ፡ ተገዲዳዶ ተሰማሚዓ? 'ጾታዊ መጥቃዕቲ' ጓል 13 ዓመት ዝተዋህቦ ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ጋምቤላ፡ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ኣብ ልዕሊ ዘስርሓ ዝነበረ ጓል 13 ዓመት፡ "ጾታዊ ዓመጽ" ዝፈጸመ ውልቀሰብ ብሰለስተ ዓመትን 11 ወርሕን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ተፈሪዱ።
ግዳይ፡ "ከም ዝተዓመጸት" ንፖሊስን ቤት ፍርድን ክትገልጽ እንከላ፡ ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ፡ መረዳእታታት "ዕድመኣ ምስ ዘይኣኸለት ቈልዓ፡"፡ "ብድልየት" ጾታዊ ርክብ ከም ዝተፈጸመ'ዮም ዘርእዩ ኢሉ።
እዚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ጋምቤላ ክርአ ዝጸንሐ ክሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 8 ሓምለ 2017 [ግ] ውሳነ ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ጓል 13 ዓመት ግዳይ፡ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን "ጾታዊ ዓመጽ" ከም ዝበጽሓ ከም ዝገለጸት ኦፊሰር መርመራ መጥቃዕቲ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝዀነ ምኽትል ሳጅን ሳሙኤል ኣስፋው ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ምስክርነት ክትህብ እንከላ'ውን፡ ነዚ ከም ዝገለጸት ቢቢሲ ዘዛረቦም ክልተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ኣረዲኦም።
ነዚ ጕዳይ ሒዙ ዝነበረ ዓቃቢ ሕጊ ግን፡ "ጾታዊ ዓመጽ" ዘይኰነ ገበን "በደል ጾታዊ ርክብ'ዩ፡" እዩ ኢሉ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ ነዚ ኽሲ በዚ መልክዕ ዘቕረበሉ መገዲ፡ ምስ ካልአት ሰብ ሞያ ብምዃን "ምኽንያታውነት ሕጊ" ብምጥቃም፡ ነቲ ጕዳይ ከም ዝርኣዮ ተገሊጹ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ብቐንዱ ዘልዓሎ መካትዒ ሓሳብ፡ ግዳይ ንፈለማ እዋን እቲ ተግባር ምስ ተፈጸመ ናብ ሕጊ ኣይመጽአትን ዝብል'ዩ።
"እዚ ተግባር ክልተ ግዜን ልዕሊኡን ከም ዝፈጸሙዎ [ዘመላኽት] ኣብ መንጐኦም ዝዀነ ስምምዕ ኣሎ፡" ኢሉ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ "እዚ ተግባር ክልተ ግዜ ስለ ዝተፈጸመ ድሮ ተለማሚዶም'ዮም፡" ዝብል ከም ዘመላኽትን ኣብ መንጐኦም "ስምምዕ [acceptance]" ከም ዘሎ ከም ዘርእን ተዛሪቡ።
"ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት መርመራ ሕክምና ዘይተገብረ ምዃኑ፡" ከምኡ'ውን ግዳይ "ምስክር ወረቐት ልደት ከተቕርብ ዘይምኽኣላ" ዓቃቢ ሕጊ እቲ ኽሲ በዚ መልክዑ ንከቕርቡ ምኽንያት ከም ዝዀኑዎ ጠቒሱ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ሕጊ ግን፡ እዞም ጕዳያት እቲ ክሲ ካብ "ጾታዊ ዓመጽ" ናብ "ገበን ጾታዊ ርክብ" ኣውሪድካ ምቕራብ ግቡእ ከም ዘይኰነ ይዛረቡ።
እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?
ነባሪ ከተማ ጋምቤላ ዝዀነ ውልቀሰብ፡ ነቲ ገበን ብ12 ለካቲትን 22 ለካቲት 2017 [ግ] ከም ዝፈጸሞ፡ ምኽትል ሳጅን ሳሙኤል ኣስፋው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እታ ጓል 13 ዓመት ግዳይ፡ ማንታ ደቁ ንምንባይ ብሓደ ሽሕ ብር ከም ሰራሕተኛ ተቘጺራ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ ጥሪ ኣብ ገዛ እቲ ሰብኣይ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ከም ዝተቘጽረት ዝገለጸ ሳሙኤል፡ እታ ጓል ዝሃበቶ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ቀዳማይ "ጾታዊ ዓመጽ ብ12 ለካቲት'ዩ፡" ተፈጺሙ ኢሉ።
"ኣብቲ እዋን ናብ ፖሊስ ኣይመጸትን፤ ዳግም ብ22 ለካቲት ተወሳኺ መጥቃዕቲ በጺሑዋ፡" ክብል የረድእ።
ምክትል ሳጅን ሳሙኤል፡ እታ ግዳይ፡ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ በዓልቲ ቤት እቲ ውልቀሰብ "ማይ ክትቀድሕ፡" ወጺኣ ምንባራ ከም ዝተረዛበት ሓቢሩ።
"እቲ ካልኣይ፡ ብ22 ለካቲት፡ ቈልዑ ሓሚሞም [እታ በዓልቲ ቤት] ኣብ ሆስፒታል ስለ ዝነበሩ፡ ነቶም ቈልዑ ስንቆ ክትገብር ናብ ገዛ ክትከይድ ምስ ተነግራ እዩ ኣጋጢሙ።"
ብመሰረት ሓበሬታ ምክትል ሳጅን ሳሙኤል፡ እታ ግዳይ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ካብቲ ገዛ ወጺኣ፡ ምስ ሓፍታ ተመሊሳ ደሞዛ ክትሓተት መጺኣ።
እቲ ውልቀሰብ "ኣቕሓ ሰይራ'ያ"፡ ብዝብል ካብ ደሞዛ 400 ብር ከም ዝቘረጸን፡ እታ ግዳይን ሓፍታን ነዚ ንምሕባር ናብ መደበር ፖሊስ ከም ዝመጽኣን ገሊጹ።
እታ ግዳይ ናብ መደበር ፖሊስ ምስ መጽአት ግን ብዛዕባ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ከም ዘልዓለት ሓቢሩ።
"ኣብቲ እዋን እቲ ሕክምናዊ መርመራ እንተዝግበር ነይሩ፡ ዓመጽ ዘመልክት ምፍሳስ ደም [ዘመልክት] ወይ ካልእ ዝተፈለየ ነገር ክህሉ ይኽእል ነይሩ። ድሕሪ እቲ ፍጻመ ድሕሪ 12፡ 14 መዓልታት እያ ናብ ሓኪም ከይዳ። ስለዚ ከም ዝተዓመጸት ዘርኢ ሕክምናዊ መርትዖ ክኸውን እዩ።"
ፖሊስ ነዚ ሕክምናዊ መርትዖ፡ ከምኡ'ውን ቃል ግዳይን ሓፍታን ብምትሕብባር፡ ነቲ ጕዳይ ብ24 መጋቢት ናብ ዓቃቢ ሕጊ ኣቕሪቡ።
"እቲ ሰነድ ኣወሃሂድካ ንምምራሕ እምበር ኣብ ኣወሃህባ ውሳነ ንሕና ስልጣን የብልናን፡" ብምባል እቲ ኽሲ ብዓቃቢ ሕጊ ከም ዝተመርሐን ከም ዝተመስረተን ኣብሪሁ።
ኣብዚ ጕዳይ ሕቶታት ዘልዓለ ካልእ ጕዳይ ድማ፡ እቲ በዳሊ ካብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝሰገረ ነታ ጓል 13 ዓመት ቈልዓ ከም ሰራሕተኛ ምቝጻሩ ዝምልከት ክሲ ዘይምቕራቡ እዩ።
ምክትል ሳጅን ሳሙኤል፡ እዚ ተግባር ንባዕሉ "ካልእ ገበናዊ ጉዳይ" ኢሉ እኳ እንተጠቐሶ፡ ፖሊስ ነቲ ናይ መርመራ ፋይል ምስቲ ዓመጽ ብዝተኣሳሰር ጥራይ ከም ዘዳለዎ ገሊጹ።
ነቲ ጕዳይ ዝመርሐ ዓቃቢ ሕጊ ድማ፡ "እቲ መዝገብ ብኸምኡ ተወዲኡ ኣይመጽአን፡" ይብል።
ዓቃቢ ሕጊ ዘቕርቦም ምኽንያታት እንታይ'ዮም?
ነዚ ጕዳይ ዝሓዞ ዓቃቢ ሕጊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል፡ እቲ ክሲ "ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ዘይኰነ ዕድመኣ ምስ ዘይኣኸለት ቈልዓ፡" ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብዝብል ገበን ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብ1996 ዝወጽአ ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸሙ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ፈላልዩ'ዩ ዘቐምጦም።
ካብዚኦም ብቐዳምነት ዝጥቀስ፡ "ብኣስገዳድ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ" ዝብል እዩ።
ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ "እዚ ገበን "ሓይሊ ብምጥቃም ወይ ብምፍርራሕ" ከምኡ'ዉን ካልኦት መገዲታት ብምጥቃም "ኣገዲድካ ምስ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡" ዝምልከት እዩ።
እዚ ገበን፡ "ዕድመኣ 13 ዓመት ኰይኑ 18 ዓመት ኣብ ልዕሊ ዘይመልኣ ጓለንስተይቲ" ምስ ዝፍጸም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 20 ዓመት የቕጽዕ።
ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝተፈጸመ ገበን ድማ፡ "በደል ጾታዊ ርክብ" ብዝብል ኣብቲ ሕጊ ዝተቐመጠ ዓንቀጽ እዩ ተራእዩ።
ከምዚ ዝበለ ገበን፡ ብኣስገዳድ ካብ ዝፍጸም "ጾታዊ መጥቃዕቲ" ዝፍለየሉ መገዲ፡ ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ዝፍጸም ገበን ኣብ ውሽጡ "ምግዳድ" ዝብል ስለ ዘይብሉ'ዩ።
ሓደ ውልቀሰብ "ብበደል ዓመጽ ጾታዊ ርክብ" ክኽሰስ እንከሎ 18 ዓመት ምስ ዘይመልአት ጓል ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ።
ኮሚሽን ፖሊስ ጋምቤላ፡ ነታ ጓል 13 ዓመት ዝምልከት ዘዳለዎ መዝገብ፡ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ክመርሖ እንከሎ እታ ግዳይ "ጾታዊ ዓመጽ" ከም ዝበጽሓ ብምግላጽ ከም ዝዀነ ምኽትል ሳጅን ሳሙኤል ይገልጽ።
ነዚ መዝገብ ዝተቐበለ ዓቃቢ ሕጊ ብተመሳሳሊ፡ "መጀመርታ ብ12 ለካቲት ከምዚ ተፈጺሙኒ፡" ኢላ ከም ዝተዛረበት ኣረጋጊጹ።
ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝብሎ፡ መዝገብ መርመራ ፖሊስ ናብ መምርሒ ፍትሒ ምስ ተላእከ ኣብቲ ጕዳይ ዘተ ተገይሩ'ዩ።
"እቲ መዝገብ ክንርእዮ ከለና፡'እዛ ቈልዓ እቲ ተግባር ብዘይድልየታ እንድሕር ተፈጺሙ፡ ስለምንታይ ብ13ን 14ን ለካቲት ዘይከሰሰት' ብዝብል ርእሱ ዝኽኣለ ዝርርብ ገይርና፡" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, GAN CHAONAN
"ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ሓይሊ ብምጥቃም ጾታዊ ርክብ ክፍጸም እንከሎ፡" ጥራይ እዩ እቲ ኸሲ፡ ብገበን "ጾታዊ ዓመጽ" ዝምስረት ክብል ይገልጽ።
ነዚ ጕዳይ ዝሓዞ ዓቃቢ ሕጊ፡ "ሓደ ናይ መዓልቲ ፍልልይ ኣሎ፤ 10 መዓልቲ ምሉእ ኣብ ከተማ እያ ነይራ። እዚ ተግባር ካብ ድልየት ወጻኢ እንተዝፍጸም ነይሩ፡ ስለምንታይ ንዓሰርተ መዓልቲ ተጸብያ?" ይብል።
ቢቢሲ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸመለን ሰብ ኰነ ካብ ማሕበረሰብ ዝበጽሐን ጸቕጢን ምፍርራሕን ብምስጋእ እቲ በደል ክፍለጥ ኣብ ምግባር ከም ዝሰግኣ ብምግላጽ፡ "እቲ ምኽንያት እዚ ክኸውን ኣይክእልን ድዩ?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ "[ፈሪሓ እያ] ከይንብል ዝገበረና ነገር እንታይ'ዩ? እታ ቈልዓ ምስ ዓባይ ሓፍታ ትዘራረብ ነይራ እያ። ፍርሒ ዝበሃል ነገር እንተዝህሉ ነይሩ ደሞዛ ምስ ተቘርጻ እያ እቲ ጕዳይ ዘልዓለቶ፡" ዝብል መልሲ ሂቡ።
ብመሰረት እቲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መካትዒ ሓሳብ፡ እታ ግዳይ ፈለማ እቲ ተግባር ክፍጸም እንከሎ ናብ ሕጊ ዘይምምጽኣ "ስምምዕ ከም ዘሎ፡" ዘመልክት'ዩ ዝብል'ዩ።
እቲ ተግባር ዳግማይ ክፍጸም እንከሎ ድማ "ምልማድ"ን "ምቕባል"ን ዘርኢ እዩ ክብል ይምጕት።
ብተወሳኺ፡ እታ ግዳይ ሰርቲፊከት ልደት ከተቕርብ ኣይከኣለትን።
እቲ ተግባር ምስ ተፈጸመ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት መርመራ ሕክምና እንተዝግበር ነይሩ፡ ክርከቡ ዝኽእሉ ከም "ምብሕጫር፡ ጸጕሪ እቲ ውልቀሰብ" ዝበሉ መረዳእታትት ክርከቡ ይኽእሉ ነይሮም'ዮም'ውን ኢሉ።
"ከምዚ ዓይነት ጕዳይ ድሕሪ 72 ሰዓታት ውዱቕ'ዩ ዝኸውን፣ ድሕሪ 72 ሰዓታት ናይ ሕክምና መረዳእታ ውዱቕ ይገብሮ፡" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ፡ "ናይ ልደት ሰርቲፊኬት ዘይምህላው፡ መርመራ ሕክምና ኣብ ዘይተገብረሉ ኵነታት፡ እታ ቈልዓ already ድልየታ ምዃኑ'ዩ ዘርኢ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ቢቢሲ እዚ ጕዳይ ዝተመርሓሉ መገዲ ዝምልከት ካብ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ጋምቤላ ኣቶ ዶል ኣኩሪ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰረመን።
መስርሕ ክሲ
ቢቢሲ፤ ፋይላት እዚ ጕዳይ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ጋምቤላን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ዞባን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
እንተዀነ ዳኛ ኒተንዶ ኦፒዶን ነቲ ጕዳይ ዝሰምዑ ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቶ ዶማች ኮክን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ቢቢሲ ተዘራሪቦም።
እቲ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ህጻናት ዝተሰምዐ ጕዳይ ጓል 13 ዓመት ከም ዝነበረ ምክትል ፕረዚደንት ኣቶ ዶማች ኣብሪሁ።
በዚ ምኽንያት ድማ እታ ቈልዓ ከም ዓባይ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ መርትዖ ከም ዘይሃበት ብምግላጽ፡ "ፍሉይ ቤት ፍርዲ ስለ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ስለ ዝነበራን፡ ንመግለጺ እታ ጓል ከም መርትዖ ዝተቐበላ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ እየን፡" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን ዋላ ምስ ሃበት "ተዓሚጸ" ከም ዝነበረት ገሊጻ። ነቲ ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ኒተንዶ ነዚ ኣረጋጊጹ።
ዳኛን ምክትል ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፤ ዓቃቢ ሕጊ፡ ጉዳይ ናይ ምድላውን ክኽሰስ ዘለዎ ዓንቀጽ ናይ ምውሳንን ስልጣን ኣብ ዓቃቢ ሕጊ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ፋይል ጉዳይ ዓቃቢ ሕጊ መሰረት ገይሩ እዩ ርእዩ።
ዳኛ ኒተንዶ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ዝቐረበ ክሲ ከቢድ እንተዘይኰይኑ እቲ ጉዳይ ክመሓየሽ ቤት ፍርዲ ክሓትት ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ዳኛ ነዚ ኣብ ሕጊ ገበናዊ መስርሕ እውን ዝተጠቕሰ ኣሰራርሓ ጠቒሱ።
እቲ ሕጊ፡ እቲ ክሲ "ንተኸሳሲ ዘደናግር ወይ ዘደናግር እንተመሲሉ" ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ "ክቕየር"፡ "ክውሰኽ" ወይ "ዳግማይ ክነድፍ" ክእዝዝ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ሰለስተ ክኢላታት ሕጊ ከም ዝገለጽዎ፡ ብመሰረት እዚ ትርጉም ሕጊ፡ ዳያኑ እቲ ጉዳይ ናብ ታሕተዋይ ዓንቀጽ ክመሓየሽ ክእዝዙ ይኽእሉ።
እዚ ኣገባብ እዚ ዳያኑ እቲ ጉዳይ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክመሓየሽ ከይእዝዙ ይኽልክል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ጓል 13 ዓመት ቈልዓ ዝቐረበ ጉዳይ ዝሰምዐ ዳኛ ኒተንዶ፡ ኣብ ዓንቀጽ ሕጊ ገበንን ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ደረጃ ፍርድን መሰረት ብምግባር ዝለዓለ መቕጻዕቲ ከም ዝተዋህበ ገሊጹ።
ብመሰረት ሕጊ ገበን፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ዘቕረበሉ ዓንቀጽ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።
ይኹን እምበር፡ ዳያኑ ኣብቲ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ንብዝሒ ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዘለዎ ኣይኰኑን ዝውስኑ።
እቲ 'መምርሒ ገበናዊ ፍርዲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ፡ ደረጃ ሓደ ገበንን ጽንኩርነት ናይቲ መቕጻዕትን ዝውስኑ ደረጃታት መቕጻዕቲ የቐምጥ።
ዓቃቢ ሕጊ ናይ ፍርዲ ርእይቶኡ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ኣብ ካልኣይ ደረጃ 17 ፍርዲ ክወሃቦ ሓቲቱ።
እዚ ደረጃ እዚ ካብ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ክሳብ 3 ዓመትን 11 ወርሕን ዝበጽሕ ፍርዲ ዝሓዘ እዩ።
ዳኛን ምክትል ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ጋምቤላ እውን በቲ ዝቐረበ ደረጃ መሰረት ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ዝለዓለ ናይ 3 ዓመትን 11 ወርሕን ማእሰርቲ ከም ዝወሰኑ ገሊጾም።
ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ዘቕረቦ ፍርዲ ይግባይ ክብል መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







