ትራምፕ፡ ብስሙ ዝተሰምያ 'ወርቃዊ' መራኽብ ውግእ ንምስራሕ ዝሓንጸጾ መደብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣካል ናይቲ ዝተሓደሰ ህንጸት ሓይሊ ባሕሪ "ወርቃዊ መርከብ"፡ ዝዀና ከቢድ ዕጥቂ ዘለወን ብስሙ ዝተሰምያ ሓደስቲ ተኸታተልቲ "መራኽብ ውግእ" ክትእዝዝ ምዃና ኣፍሊጡ።
ህንጸት ናይታ "ዩኤስኤስ ዲፊያንት" ዝተባህለት መርከብ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ትጽቢት ይግበር፤ ትራምፕ ድማ እተን ቀዳሞት መራኽብ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ስራሕ ክጅምራ ምዃነን ገሊጹ።
እዚ ኣካል ናይቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሰብ ዘለወንን ሰብ ዘይብለንን መራኽብ፡ እንተላይ ኣብ ዓበይቲ ሚሳይላት ዝዓጠቓ መራኽብ ውግእን ንኣሽቱ መራኽብን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንምስፋሕ ዝዓለሞ ዝዓበየ መደብ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣመሪካ ብዓቕሚ ምህናጽ መራኽብን ጠቕላላ ፍርያትን ካብ ቻይና ድሒራ ከም ዘላ ሰበስልጣን ኣጠንቂቈም።
ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ክለብ ጎልፍ ማር-ኣ ላጎ ምስ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ጸሓፊ ሓይሊ ባሕሪ ጆን ፌላንን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህንጸት ክልተ ሓደስቲ መራኽብ ውግእ ክጅመር ከም ዘጽደቐን፡ ኣስታት 25 መራኽብ ናይ ምህናጽ መደብ ከም ዘለዎን ገሊጹ።
ትራምፕ፡ እዚአን "ካብ ዝዀነት ክሳብ ሕጂ ዝተሃንጸት መርከብ ውግእ ዝቐልጠፋ፡ ዝዓበያን፡ ብ100 ዕጽፊ ዝሓየላን ክዀና እየን፡" ኢሉ።
ህንጸት እተን ዕጡቓት መራኽብ ምስ ተዛዘመ፡ ልዑል ድምጺ ዘለዎን "ኣዝዩ ቀታሊን" ኣጽዋር ክሕዛ ክዕጠቓ ምዃነን፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ጕጅለ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝቀጥመለን ክዀና ምዃነንን ገሊጹ።
ብኽልቲኡ ወገን "ትራምፕ ክላስ" ዝብሃላ መራኽብ ዝተቐረጻ ፖስተራት ሒዙ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ እተን መራኽብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክህነጻ ምዃነን፡ እዚ "ኣሽሓት" ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥርን ገሊጹ።
ፌላን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ትራምፕ ብፍሉይ "ዓባይን ጽብቕትን" መርከብ ውግእ ክትስራሕ ከም ዝሓተተን፡ እዚ ድማ ዓሰርተታት ናይ ደገፍን መጓዓዝያን መራኽብ እውን ከም ዘጠቓልል ገሊጹ።
ብ19 ታሕሳስ፡ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ሌጀንድ-ክላስ ሃገራዊ ድሕነት ካተር ዝተመርኰሰ፡ ካልእ ሓድሽ መደብ መራኽብ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ወግዓዊ ኰይኑ።
ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ዳሪል ካውድል ብዛዕባ እተን ሓደስቲ መራኽብ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ካሪብያን ዝተገብረ ስርሒታት ነቲ ጠለብ ዘይስገር ይገብሮ፡" ኢሉ።
ተመሳሳሊት መርከብ ኮንስተላቲዮ ዝዓይነታ ፍሪጌት - ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣኑ ዘጽደቓ - ኣብ 2024 ድሕሪ ተደጋጋሚ ምድንጓያትን ልዕሊ ዓቐን ወጻኢታትን ተሰሪዛ።
ኣብቲ ፕሮጀክት ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምውጽኡ፡ ክልተ መራኽብ ጥራይ ክቐርባ ትጽቢት ከም ዝነበረ ይንገር።
ሰበስልጣን ኣመሪካን ተንተንቲ ምክልኻልን፡ ኣመሪካ ብዓቕሚ ምህናጽ መራኽብ ካብታ ቀንዲ መወዳድርታ ክትከውን እትኽእል ቻይና ድሒራ ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖም እዮም።
ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 60% ካብ ትእዛዛት ዓለምና ናብ መፍረ መራኽብ ቻይና ዝኸይድ ኰይኑ፡ ሓይሊ ባሕራ ድሮ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ንኢንዱስትሪ ምህናጽ መራኽብ ኣመሪካ ዳግማይ ንምትንሳእ ቃል ኣትዩ።
ትራምፕ ኣብ መጋቢት "ብዙሕ መራኽብ ንሰርሕ ነይርና፡" ኢሉ።
"ሕጂ ብዙሕ ኣይንሰርሕን ዘለና፤ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ክንሰርሐን ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ጥቅምቲ፡ ትራምፕን ፕረዚደንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስታብን ኣመሪካ 11 ብፊንላንድ ዝተነድፋ በረድ ዝሰብራ መራኽብ ክትገዝእ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ካብዚአን እተን 7 ብክኢላታት ፊንላንድ ኣብ ኣመሪካ ዝስርሓ እየን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







