ኣመሪካ፡ ምስ ቬንዝዌላ ርክብ ዘለዋ ሳልሰይቲ መርከብ ነዳዲ ትሃድን

ኣመሪካ ብቐዳም ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙዌላ ካልእ ነዳዲ ዝጽዓነት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ብቐዳም ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙዌላ ካልእ ነዳዲ ዝጽዓነት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ወጥሪ እናዓረገ ይኸይድ ኣብ ከባቢ ቬንዝዌላ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማያት፡ ካልእ መርከብ "ይደሊ" ኣሎ።

ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብዚ ወርሒ ድሮ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለው - ሓንቲ ካብአን ብቐዳም ዝተታሕዘት እያ።

ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ እታ መርከብ "ናይ ሓሶት ባንዴራ ገይራ ትንቀሳቐስን፣ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ትጥስን ኣላ፡" ኢሉ።

ዋሽንግተን፡ ቬንዝዌላ ገንዘብ ነዳዲ ተጠቒማ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ትምውል ኣላ ክትብል ትኸስስ።

ቬንዝዌላ ድማ ነቲ ዝተታሕዘ መርከብ ነዳዲ "ስርቂን ጭውያን" ክትብል ገሊጻቶ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን እገዳ ዝተገብረለን መራኽብ ነዳዲ ናብታ ሃገር ከይኣትዋን ከይወጽኣን "ምኽልካል" ክግበር ኣዚዙ'ዩ።

ቬንዝዌላ - ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝተረጋገጸ ዕቝር ነዳዲ ዘለዋ ሃገር - ምምሕዳር ትራምፕ ጸጋታት እታ ሃገር ክዘምት ይፍትን ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እታ ብቐዳም ዝተትሓዘት መርከብ ዛጊት ብወግዒ ኣየረጋገጹን፤ ሓቀኛ ኣቀማምጣን ስምን ናይታ ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፈት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ'ውን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብተን ኣብ ማያት ቬንዝዌላ ዝርከባ ወይ ናብታ ሃገር ዝቐርባ 80 መራኽብ፡ እተን ልዕሊ 30 ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣመሪካ ከም ዝነበራ መረዳእታ ታንከርትራከርስ ዶት ኮም ይሕብር።

እቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ክስተት'ውን፡ ባንዴራ ፓናማ ዝሰቐለት መርከብ ብፍሉይ ታክቲካዊት ጋንታ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ዝበጽሐት እያ ነይራ።

እታ መርከብ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዝተገብረለን መራኽብ ቤት ጽሕፈት ትረዠሪ ኣመሪካ ኣይኣተወትን።

ኣመሪካ ግን "እገዳ ዝተገብረሉ ነዳዲ ፒዲቪኤስኤ" ከም ዝጸዓነት ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ግሪኽን ላይቤርያን እውን ከም ዝተጓዕዘት ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝረኣዮ መዛግብቲ ይሕብር።

መንግስቲ ቬንዝዌላ ነቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ፍጻመ ምላሽ ሂቡሉ'ዩ።

"እዞም ተግባራት ከይተቐጽዑ ኣይክተርፉን እዮም" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን "ካልኦት ትካላትን መንግስታት ዓለምን" ጥርዓን ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ።

ቬንዝዌላ፡ ንመንግስታዊ ወጻኢታታ ንምምዋል ካብ ሰደድ ነዳዲ ኣብ እትረኽቦ ኣታዊ ትምርኰስ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ወተሃደራዊ ህላወኣ ብምህናጽ ኣብ ልዕሊ እተን ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ቬንዝዌላ ዝበሃላ ጀላቡ ሓያሎ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ኣብ ልዕሊ ገለ ኣዝማድ ፕረዚደንት ማዱሮን ምስቲ ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ስርዓት እትብሎ ዝተኣሳሰሩ ንግዳዊ ትካላትን እውን እገዳ ተገይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ሕጂ ምስ ስርዓት ቬንዝዌላ ዘሎ ኵነታት ንኣመሪካ ዘይጽወር ምዃኑ ንጹር'ዩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ ዕላማ ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ምቕያር ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቬንዝዌላ ድማ ነዚ ርእይቶ ነቒፉ፤ ሩቢዮ ንኣመሪካ ናይ "ስርዓት ለውጢ" ናብ ምግባር ይጐታ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

እዘን መራኽብ ዕጸፋርስ ሒዘን ከም ዝነበራ ዝሕብር ወግዓዊ መርትዖ ኣይቀረበን፤ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲታት ካብ ኮንግረስ ነቐፌታታት ይበጽሖ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንፕረዚደንት ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ "ካርተል ደ ሎስ ሶለስ" ዝተባህለ ውድብ ግብረሽበራዊ ትካል ይመርሕ ኣሎ ክብል ይኸስስ፤ ማዱሮ ግን ነዚ ይነጽጐ።