ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, VANGUARD TECH ENTERPRISE
ብ7 ሕዳር 2024 ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ንመትረብ ስወጽ ሓሊፈን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እናኣምራሓ እንከለዋ፡ ካብ ዓለምለኻዊ መስመር መራኽብ ሰጊረን ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ስለዝኣተዋ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዘን።
እተን ሰለስተ መራኽብ 18 ባሕረኛታትን ሽዱሽተ ብረተ ዝዓጠቑ ሓለዋ ባሕርን'የን ሒዘን ነይረን።
እቶም 18 ተወለድቲ ኣዘርባዣን ባሕረኛታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጋቢት 2025 ነጻ ክፍነዉ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽት ስሪላንካውያን ኣባላት ሓለዋ እተን መራኽብ ከኣ ድሕሪ ዝተገበረ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ጥቕምቲ ተፈቲሖም ነናብ ዓዶም ተመሊሶም።
ዛንታ እተን መራኽብ ግን ኣብዚ ኣየብቐዐን።
እተን ሲ-ኤም-ሴስ ፓህላቫን መለለዪ ቁጽሪ 9753789፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድ መለለዪ ቁጽሪ 9702168 ከምኡ ከኣ ሲ-ኤም-ኤስ 3 መለለዪ ቁጽሪ 9684639 ዘለወን መራኽብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘለዋ ክምለሳሉ ነተን መራኽብ ዝውንን ትካል ብመንገዲ እቶም ብትካላት ኢንሹራንስ ዝተወከለ ብሪጣንያዊ ትካል ይሓትት ኣሎ።
ሓደጋ ንዘጋጠመን መራኽብን ኣብ ምውጻእ፡ ንዝተጨውያ መራኽብ ኣብ ምፍታሕን ካልእ ተመሳሳልቲ ነገራትን ንትካላት ኢንሹራንስ ወኪሉ ዝሰርሕ ብሪጣንያዊ ትካል ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ዝተብሃለ ትካል እቲ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ መራኽብ ኣዛርባጃን ክፍትሓ ውክልና ተዋሂብዎ ዝሓትት ዘሎ'ዩ።
እቲ ትካል ክሳብ ጥቕምቲ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ሲኤምኤስ 3 ኣብ ዓሰብ እተን ሴኢምኤስ ፓህላቫንን ሱኤምኤስ ኢጊድን ከኣ ኣብ ጥቃ ባጽዕ ገደም ኣብ ዝተባሃለ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ተዓሺገን ከምዘለዋ'ዩ ዝገልጽ።
ኢሊ ሻፊክ ዳይረክተር 'ኢንተለጅንስ ኤንድ ሪስፖንስ' ናይ ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ኮይና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እተን ሰለስተ መራኽብ ብሓደ ናይ ኣዘርባዣን ናይ ውልቂ ትካል ከምዝውነና ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, VANGUARD TECH ENTERPRISE
ትካል ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ከኣ እተን መራኽብ ካብ ዝተተሓዛሉ ጀሚረን እቶም ባሕረኛታት ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሖም ከወሃህድ ከምዝጸንሐ ሓቢራ።
ትካል ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ፡ በቲ ናይተን መራኽብ ትካል መድሕን ሓላፍነት ተዋሂብዎ እቶም ባሕረኛታት ኣብ ምፍታሕ ከምዝሰርሐን ሕጂ ከኣ እተን ሰለስተ መራኽብ ነጻ ተፈንየን ናብ ዋንአን ዝኾነ ትካል ንኽምለሳ ይሰርሑ ከምዘለዉ ኢሊ ሻይክ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እቶም ኣብተን መራኽብ ምስ ዕጥቖም ከም ሓለዋ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሲሪላንካወያን ኣብ ምፍታሕ ግን መላፍንቲ ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ዝኾነት ትካል ሲጉል ማሪታይም ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከምዝነበረ'ያ ኢሊ ሻፊክ ትገልጽ።
እተን መራኽብ መጀመርታ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዝኣተዋሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ "እቲ ካፒተይን ኩነታት ኣየር ዘበገሶ ብርቱዕ ማዕበል ዝኾነ ዓይነት ፍቓድ ከይሓተቱ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ክኣትዉ ከምዘገደሞ'ዩ ዝገልጽ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, VANGUARD TECH ENTERPRISE
ንምፍታሕ እተን ሰለስተ መራኽብ ኣብ ዝምልከት ከኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዘይኮነ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይኻየድ ከምዘሎ ብምግላጽ "ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ምዕባለታት ዕጉባት ኢና ብዓቢኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ባሕረኛታትን እቶም ሓለዋ ባሕርን ዝነበሮም መርመራ ወዲኦም ነጻ ስለዝሰደድዎም፡ ጉዳይ እዘን መራኽብ ከኣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክፍታሕ ይኽእል'ዩ ዝብል ተስፋ'ዩ ዘለና" ትብል።
ዳይረክተርን 'ኢንተለጅንስ ኤንድ ሪስፖንስ' ናይ ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ኢሊ ሻፊክ "ኤርትራ ንባሕራዊ ወሰናስና ንምቁጽጻር ዘለዋ ልዑል ስልጣን ምሉእ ንምሉእ ኢና ነኽብሮ፡ ዕለማና ንኹነታት እተን መራኽን ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ምእታወን ምኽኑይ ንምግባር'ውን ኣይኮነን።
"ንምፍታሕ እተን መራኽብ እንታይ ዓይነት ግብራዊ ምድላዋት ክድለ ከም ዝኽእል ንምርዳእ ንጹርን ኣኽብሮት ዘለዎ መስመር ርክብ ንምምስራት እዩ" ድሕሪ ምባል "ምስ ባሕረሕተኛታት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ከምዝተዛዘሙ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብተመሳሳሊ ናይ ምትሕብባር ኣገባብ ኩነታት እተን መራኽብ ንምፍታሕ ዕድል ኣሎ ኢልና ንኣምን" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, VANGUARD TECH ENTERPRISE
ኢሊ ሻፊክ፡ እዘን መራኽብ ንኽፍታሓ ቀዳማይ እምነቶም ብዘተ ክውዳእ'ዩ ዝብል'ዩ "ስለዚ ዝኾነ ዓይነት ፍርዳዊ መስርሕ ኣድላዪ ከምዘይከውን'ዩ እምነትና፡ ንምውጻእ እተን መራኽን ንምምችቻእ እንታይ ክድለ ከም ዝኽእል ንምርዳእ ንመንግስቲ ኤርትራ ክንሰምዕን ብሃናጺ መንገዲ ክንዋሳእን ድሉዋት ኣለና" ብምባል ከኣ ነዚ ጉዳይ ብዘተ ክፈትሕዎ ምሉእ እምነት ከምዘለዎም'ያ ገሊጻ።
እተን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተተሓዛ ሰለስተ መራኽብ [ታግቦት] ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዘን መራኽብን ብዛዕባ እተን ተኣሲሮም ዝነበሩ 18 ባሕረኛታትን ምስኦም ዝነበሩ ብረት ዝዓጠቁ ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ሓለዋ ባሕርን ብወግዒ ዝበሎ የለን።
እተን መራኽብ እንታይ'የን ጽዒነን ነይረን?
እዘን ሰለስተ መራኽብ 'ታግ ቦት'የን።
ቀንዲ ስራሕ ታግ ቦት ከኣ፡ ኣዝዩ ሓያል ሞተረ ስለዘለወን፡ ንዓበይቲ መራኽብ ናብ ወደብ ምጽጋዕ ወይ ከኣ ስሒብካ ምውጻእ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ እታ መርከብ ዓባይ ኮይና እቲ ክትዕሸገሉ ዝተመደበላ ወደብ ምስ ዝንእሳ፡ ናብቲ ወደብ ቅርብ ኢላ ነቲ ጽዒናቶ ዝመጽአት ንብረት ኣብ ሓደ ዘንሳፍፍ ነገር ተራግፎ'ሞ እዘን ታግ ቦት ከኣ ጎቲተን ናብ ወደብ የብጽሐኦ።
ካልእ መርከብ ተበላሽያ ወይ ብብርቱዕ ማዕበል ተደፊኣ ኣብ መሬት ምስ እተሽከል ብሓገዝ ታግ ቦታ'ያ ተጎቲታ ናብ ንቡር ምንስፋፍ ትምለስ።
እዘን ሰለስተ መራኽብ ምስ ተታሓዛ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ጽዒነነኦ ነይረን ተባሂሉ ዝተገመተ ብዙሕ ነገራት'ዩ ዝዝረብ ነይሩ።
ነዚ ንምንጻር፡ ንዳይረክተርን 'ኢንተለጅንስ ኤንድ ሪስፖንስ' ናይ ቫንጋርድ ቴክኖሎጂ ኢሊ ሻፊክ፡ እተን ሰለስተ ታግ ቦት እንታይ'የን ጽዒነን ነይረን ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ።
"እዚአን ታግ ቦት'የን፡ ታግ ቦት ከኣ ካብን ናብን ጽዕነት ዘመላልሳ መራኸብ ኣይኮናን፡ ኣብቲ እዋን ከኣ ዝኾነ ዓይነት ጽዕነት ኣይነበረን" ትብል።
ብምስዓብ "ኣብ ኣቡዳቢ ከም ቀወምቲ ናይ ታግ ቦት ስርሓት ንምክያድ'የን ናብ ቀንዲ መዓልቦአን ዝኸዳ ነይረን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሰለስቲኤን መራኽብ ዝነበሩ 18 ባሕረኛታት ነቲ ካብን ናብን መትረብ ስወጽን ባብኤል መንደብን ዝጉዓዛ መራኽብ ዘጋጥም ዝነበረ መጥቓዕትታት ንምክልኻል ኣብ ውሽጠን ሽዱሽተ ብረት ዝሓዙ ሓለዋ ነይሮመን" ብምባል ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ጽዕነት ከምዘይነበረን ኣነጺራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







