ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት ተቓሪባ ዘላ ሩስያ ነዚ ዞባ እንታይ ከተምጽኣሉ'ያ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ይሱፍ ምስ መዘናኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተራኸብሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ይሱፍ ምስ መዘናኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተራኸብሉ

ዳርጋ ኵለን ካብዘን ዓበይትን ጸለውትን ሃገራትን ዓለምና ኣብዚ ካብ ዓለምና ሓደ ካብ ስትራተጅያዊ ቦታ ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ኢደን ከንብራ ዘይደልያ የለዋን።

ኣመሪካ፡ ገለ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ርሑቕ ምብራቕን ኣብ ጅቡቱ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምምስራት ብቐጥታ ገለ ከኣ ብዘይቀጥታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጽልዋ ንምሕዳር ኣብ ምስራሕ ይርከባ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ይሱፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ከም ዝሓበሮ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትምስርት ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ንፍሊስጤም ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ እተን ብቐይሕ ባሕሪ ዝመሓላለፋ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ዓበይቲ ሃገራት ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ውሑስ ንምግባሩ ዝያዳ ተገዳስነት ከሕድራ ተራእየን'የን።

እተን ድሮ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እግረን ኣንቢረን ዘለዋ ሓይለን ከደልድላ እንከለዋ፡ ካልኦት ከኣ መርገጺ እግሪ ንኽረኽባ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚደን ይርከባ።

ካብዚአን እታ ብቐንዲ እትጥቀስ ከኣ ሩስያ'ያ፣ ሩስያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብምንጽጻር እታ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝቐረበት ሃገር'ኳ እንተዀነት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር የብላን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስተን ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀና ሃገራት ጽምዶን ምትሕብባርን ከተርኢ ዝጸንሐት ሩስያ፡ ተስፋ ከይቈረጸት ድሌታ ክፍጸመላ ዝተቓረበት ትመስል።

ቀይሕ ባሕሪ ብደቡብ ባብኤል መንደብ፡ ብሰሜን መትረብ ስወጽ ሓሊፉ ንእስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ዝሓጸረ መስመር'ዩ፤ ኣብዚ መስመር እዚ ዝጋጠም ዝዀነ ዓይነት ጸገም ከኣ ብቐጥታ ንመላእ ዓለም ክጸሉ ይኽእል'ዩ።

እታ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ትቐርብ ዘላ ሩስያ

ሩስያ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበራ ሓዲግና ካብ 2017 ጀሚራ ግን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽህልዋ ብዘይምቍራጽ'ያ ክትጽዕር ጸኒሓ።

ሕጂ ግን ኣብታ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተሸሚማ ዘላ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ዘኽእላ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ዝገልጽ ጸብጻባት ይወጽእ ኣሎ።

እታ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ እትርከብ ሱዳን ከቢድ ዕንወት'ዩ ኣጋጢምዋ ዘሎ።

እቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመራሕ ሰራዊት ሱዳን ምስቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ከቢድ ኲናት'ዮም ዝርከቡ።

እቲ ንቐንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝርከብ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ምስ ሩስያ ብምቅርራብ ደገፍ ንምርካብን ከም መለሳ ከኣ ንሩስያ እትደልዮ ንምሃብን ማዕጽኡ ከፊቱ ይርከብ።

 መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መልሕቐን ዝድርብያሉ ወደብ ንኽረኽባ ዝተቓረባ ይመስላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መልሕቐን ዝድርብያሉ ወደብ ንኽረኽባ ዝተቓረባ ይመስላ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዓሊ ይሱፍ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ሓይሊ ባሕሪ ንኸተስፍር ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ምኒስተር ዓሊ፡ "ነዚ ተግባሪዊ ንምግባር ዝዀነ ዝዕንቅፍ ነገር የሎን፡" ኢሉ።

ሩስያ ብወገና፡ ነታ ብዂናት ሓድሕድ ዓንያ ዘላ ሱዳን፡ ድሕሪ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ዳግመ ህንጸታ ኵሉ ዝከኣላ ቍጠባዊ ደገፋት ንኽትገብር ድልውቲ ምህላዋ'ያ እትገልጽ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ኵናት ሓድሕድ ብዓወት ክዛዝሞ ዘኽእሎ ደገፋት ንምርካብ ንሩስያ ኣብ ገማግም ሱዳን ሓይሊ ባሕራ ከተስፍር ቦታ ክህባ ድሉው ምህላዉ ዘመላኽት ብዙሕ ሰነዳት ይወጽእ ኣሎ።

ሱዳን ከም ውጽኢቱ ካብ ሩስያ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትረክብ ትጽቢት ከም ዘለዋ'ውን ይግለጽ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዎል ስትሪት ጆርናል ቅድሚ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሱዳን ንሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ገማግማ መዓስከር ክትህብ ዝፈቐደትሉ ምኽንያት ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክወሃባ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ'ዩ ይብል።

እቲ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሱዳን ኣስታት 300 ዝዀኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ምስ መራኽቦም ክሕዝ ዝኽእል መደበር ሓይሊ ባሕሪ'ዩ ክህልዋ፡ እቲ ስምምዕ ከኣ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ ከም ዝዀነ'ዩ ዝሕብር።

ሱዳን ትሪቡን ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምኒሰተር ዓሊ ይሱፍ፡ "ንወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝምልከት ሱዳንን ሩስያን ኣብ ስምምዕ መጺሐን'የን፡" ኢሉ ምዝራቡ ጠቒሱ ኣሎ።

"ኣብ ምሉእ ስምምዕ በጺሕና ኣለና፡ እቲ ጉዳይ ቀሊል'ዩ ዝዀነ ዕንቅፋት ኣይከጋጥሞን'ዩ።"

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሩስያ ምብጻሕ ዘካየደ ምኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ይሱፍ፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጉ ላብሮቭ ብምዃን ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ዝዀነ ሱና፡ ዋላ ደኣ እቲ ምኒስተር መግለጺ ይሃብ'ምበር ንትሕዝቶ እቲ መግለጺ ኣብ ዝምልከት ዝርዝር ኣይሃበን።

እቶም ክልተ ምኒሰትራት ክልትኣውን ስትራተጅያውን ርክባት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረቡ ማዕከን ሱዳን ሓቢሩ።

ሰርጌ ላቭሮቭ'ውን ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምውዳስ፡ "ሩስያ ንሱዳን ኣብ ዓለምለኻዊ መድራኻት ክትድግፋ'ያ፡" ምባሉ ሱና ሓቢሩ።

ሩሰያ ካብ 2017 ጀሚራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምርካብ ኣበርቲዓ'ኳ ክትሰርሕ እንተ ጸንሐት፡ ክልቲአን እዘን ሃገራት ኣብ 2020'የን ናብ ከፊላዊ ስምምዕ በጺሐን።

አንተዀነ፡ ሰበስልጣን ሱዳን ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዝበጽሖም ዝነበረ ጸቕጢ ነቲ ስምምዕ ክደፍእሉ ኣይጸንሑን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ የሱፍን መዘናኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ምንጪ ስእሊ, Suna

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ይሱፍን መዘናኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ወተሃደራዊ መዓስከር ብወተሃደራዊ ብረት

ሩስያ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝህልዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ፡ ብንዩክለሳዊ ሓይሊ ክትንቀሳቐስ እትኽእል መርክብ ትርከበን ክሳብ ኣርባዕተ ዝዀና ወተሃደራውያን መራኽብ ከተስፍር ከኽእላ'ዩ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ሩስያን ኢራንን ጥቡቕ ዝዀነ ርክባት ክፈጥር'ዩ ተራእዩ።

እዚ ከኣ ነቲ ካብ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ዝገጥሞ ዘሎ ጸቕጢ፡ ካብዘን ሃገራት ወተሃደራዊ ንዋት ብምርካብ መኸተምታ ክገብረሉ ዝደለየ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሱዳን ምስ ምዕዳን ነዳዲ፡ መጓዓዝያን ንግዲ ወጻእን ኣብ ዝምልከት ምስ ሩስያ ክልተኣዊ ስምምዕ ተፈራሪማ ምንባራ ኣይርሳዕን።

ዎል ስትሪት ጆርናል ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰበስልጣን ሱዳን ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ንምድኳን ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝምልከት እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ከም ዝተፈጸመ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ሩስያ ኣብ ሱዳን ኵዕታ ነዳዲ ከተካይድ'ውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ሩስያ ብወገና፡ ነቲ ብዳዕመ ሰሪዕ ተደጋጋሚ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ዝበጽሖ ዘሎ ሰራዊት ኣልቡርሃን ዘመናዊ ጸረድሮናትን ጸረነፈርትን ካልእ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ንዋትን ከተዕጥቖ ተቓሪባ ኣላ።

ኢንዲፔንደር ሚሊታሪ ዎች ዝተባሃለ መጽሔት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምኒስተር ምክልኻል ሱዳን ሱ-30 ከምኡ ከኣ ሱ-35 ዝተባህላ ስርሓት ሩስያ ዝዀና ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ንምርካብ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ መጽሔት፡ እተን ነፈርቲ ሱዳን ንሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሱዳን ክትተክል ስለ ዝፈቐደትላ'ያ ክትህባ ይብል።

እቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ሩስያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ክኸውን እንተ ክኢሉ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ፖርት ሱዳን ትድዅኖ መዓስከራ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ናይ መጀመርታኣ'ዩ ክኸውን።

በዚ ከኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነተን ኣቐዲመን ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ክትውሰኸን'ያ።

ንስምምዕ ሩስያን ሱዳንን ኣብ ዝምልከት ካብ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ምዕራባውያን ሃገራት ኣሉታዊ ኮነ እወታዊ ርእይቶ ዝተዋህበ የሎን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ብሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ተዓብሊሉ ንኸተማ ኣልፈሽር ዝኸሰረ ሰራዊት ሱዳን፡ ዓብላልነቱ ንምምላስን ነተን ዝኸሰረን ከተማታት ዳግማይ ንኸምልሰንን ወተሃደራዊ ንዋት ንምርካብን ብሩስያ ዝተሓተቶ ክፍጽም ይኽእል'ዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ልዕሊ 150,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከኣ ካብ ቤተ-ንብረቶም ተፈናቒሎም ይርከቡ።

ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ከኣ ጥምየት ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎ'ዩ ዝንገር።

ብዙሓት ተንተንቲ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢደን ብምእታውን እቲ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ዝያዳ ዝተሓላለኸ ከም ዝገበሮ ይጠቅሱ።

ንሰራዊት ሱዳን ይድግፋ'የን ዝበሃላ ሃገራት ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ኢራን፡ ሩስያን ኤርትራን'የን።

እዘን ሃገራት ንሰራዊት ሱዳን ቀጥታዊ ወተሃገራዊ ደገፋት ከም ዝገበራሉ'ዩ ዝእመን።

ንዳዕመ ሰሪዕ ከኣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምሉእ ደጋፍ ከም እትገብረሉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ብዛዕበ ሱዳን ብምግላጽ፡ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ኢዱ ከእቱ ሓቲትዎ ነይሩ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ "ንሱዳን ኣብ ዝምልከት ምንቅስቃስ ክንጅምር ኢና፡" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘለውኦ 'ኳድ' ዝተሰመየ ጥምረት ብምፍጣር ነቲ ኵናት ደው ንምባል ኣብ ምስራሕ ይርከባ።

ቀንዲ ዕላማአን ከኣ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን ብስቪል ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ክምስረትን'ዩ።