ንእማመ ሰላም ሱዳን ዝደፍኣሉ ዘሎ ልኡኽ ትራምፕ፡ ናይ ዝዀነ ጸግዒ ከም ዘይሓዙ ገሊጹ

ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ብሉስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሳድ ብሉስ

ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ብሉስ፡ ኣመሪካ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ደው ንምባል ንዘቕረበቶ ዳሕረዋይ እማመ "ወገናዊ'ዩ" ንዝብል ነቐፌታ ነጺግዎ።

ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ መንጎ እቶም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ርሱን ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ከሸማግላ ይፍትና ምህላወን ይፍለጥ።

ትማሊ ሰንበት ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ እቲ ዳሕረዋይ እማመ ተዅሲ ደው ምባል ቅቡል ከም ዘይኰነን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ሽምግልና ክሳብ ዝሃለወት፡ እቲ እማመ ንሓደ ወገን ዘሻረወ ከም ዝኸውን ገሊጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትሕግዝ ከም ዘላ ብምኽሓድ፡ ማሳድ ብሉስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ሽምግልና ከምቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝተዛረቦ ዝዀነ ዓይነት ወገናውነት ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ማሳድ ቡሎስ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርጋሽ ኰይኑ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ ባይታ ዘየሎ፡ ብኣና ቀሪቡ ዘይፈልጥ ነገር መወከሲ ይጥቀም ኣሎ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ዋላ ሓንቲ ንፈልጦ የብልናን፡" ምባሉ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ፡ እቲ ዳሕረዋይ እማመ ውጥን ሰላም "እቲ ዝኸፍአ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ከኣ ንሰራዊት ሱዳን ዕሽሽ ዝበለን "ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዘለውዎ ክቅጽሉ ዘፍቅድን'ዩ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ብሉስ ቅድመ-ዅነት ከቐምጠልና ፈቲኑ ብምባል'ውን ከሲሱ።

እቲ ጀነራል፡ "ንሕና ተጣበቕቲ ኲናት ኣይኰናን፡ ሰላም'ውን ኣይንነጽግን፣ እንተዀነ፡ ዝዀነ ሰብ ከፈራርሓና ወይ ቅድመ-ዅነት ክገብረልና ግን ኣይክእልን'ዩ፡" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ጀነራል ኣስዒቡ፡ "ማሳድ ብሉስ ነቲ ኵሎም ሱዳናውያን ዝደልይዎ ሰላም ዕንቅፋት ከይከውን ንሰግእ ኢና፡" ብምባል'ውን ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ኳድ (Quad) ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብሓባር ብምዃን፡ ኣብ መስከረም ንኽልቲኦም ወገናት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ዕርቂ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪበን።

ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባልን ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ምስግጋርን ክግበር ኣለዎ ዝብል እማመ ምቕራበን'ውን ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፡ "ናይ ወጻኢ ምትእትታው" ንጹግ'ዩ ዝብል መልሲ ምሃቡ'ውን ይዝከር።

ንዅነታት ሱዳን ብቕርበት ዝከታተሉ ወገናት፡ እቲ ጠንቂ፡ ንዳዕመ-ስሪዕ ከም እትሕግዝ ብተደጋጋሚ እትግለጽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ሽምግልና ምህላዋ እዩ ይብሉ።

ብተወሳኺ፡ "ምስቶም ናይ ወጻኢ ሃገራት ዕሱባት ዝዀኑ ግብረሽበራውያን" ብማዕረ ንዝዕይሮም ዝዀነ ዓይነት ሽምግልና ከም ዘይቅበልዎ'ውን ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ሱዳን ብተደጋጋሚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋርን ናይ ግዳም ተዋጋእትን ከተቕርብ ጸኒሓ'ያ ክብል ጸኒሑ'ዩ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት'ውን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ከም እትድግፍ ዘእመን መርትዖታት ከም ዘሎ'ኳ እንተ ገለጹ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን ነቲ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትሕግዝ'ያ ዝብል ነጥቢ ክሳዕ ሕጂ ትነጽጎ ኣላ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለዒ፡ ነቲ ኲናት ንምቍራጽ፡ "ንኣህጉራዊ ጻዕርታት፡ ብቐንዱ ድማ ክቡር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ" ንዝወሰዶ ተበግሶ መልሲ ንምሃብ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ በይንኣዊ ተዅሲ ደው ምባል ክገብሩ ምውሳኖም ኣፍሊጦም።

እንተዀነ ሰራዊት ሰራዊት ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ድሕሪ እቲ በይንኣዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ውሳነኡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ምዕራብ ኮርዶፋን ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ንዝዀነት ከተማ ባባኑሳ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ከሲሱ።

ኣብ መጀመርታ ሕዳር'ውን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዋላ ደኣ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብር እን ተተሰማመዐ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ብሰራዊት ሱዳን ተታሒዛ እትርከብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም፡ ብድሮናት ደብዳብ ከም ዝፈጸመ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ጠንቂ ምፍንቓል 12 ሚልዮን ሰባት ዝዀነን ሕቡራት ሃገራት ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኢሉ ዝገለጾን ኵነታት ሱዳን ንምርግጋእ ጣልቃ ከም ዝኣቱ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኵናት ክንደይ ሰባት ሞይቶም ዝፍለጥ'ኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ ግንቦት 2024፡ ኣብቲ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ቶም ፐሪሎ ቍጽሪ ምውታት 150,000 ከም ዝበጽሕ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሱሙናት; ኣብ ከተማ ኤልፋሽር ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተፈጸመ ሓያለ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ዓለምለኻዊ ኵነነ ኣኸቲሉ'ዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ምቝጽጻሩ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓሌታዊ ምጽጻይን ጾታዊ ዓመጻትን ከም ዝፈጸመ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ ነቲ ብሰራዊቱ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ግህሰታትን ቅትለታትን ምርመራ ክካየደሉ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ምያዝያ 2023 ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር፡ ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኵናት ከም ዝፈጸሙ ብተደጋጋሚ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።