'ስራሕና ምቕታል ጥራይ እዩ' ኣብ ሱዳን ጨካናት ምሊሻታት ብኸመይ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ

ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ጥቓ ኤልፋሽር ኣብ ጥቓ ዝዓነዋ መካይድ ኮይኖም እናተሰኣሉ

መጠንቅቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቅትለት ዝርዝራዊ መግለጺ ኣለዎ

ኣብ ፒክኣፕ መኪና ዝተሰቐሉ ሰባት እናሰሓቑ፡ በታ መኪና ንትሽዓት ተር ኢሉ ዝነበረ ሬሳታት ረጊጸምዎ እናሓለፉ፡ "ነዚ ስራሕ ተዓዘቡ፡ ነዚ ጃምላዊ ህልቒት ተዓዘቡ፡" እናበሉ ይጽንብሉ።

እቲ ነታ ካሜራ ሒዝዋ ዝነበረ ወተሃደር፡ ነታ ካሜራ ናብኡን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩን ኣርማ ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑንን ብምዛር እናሰሓቐ፡ "ኵሎም ብኸምዚ ክሞቱ'ዮም፡" እናበለ ይስማዕ።

እዞም ወተሃደራት በቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕቅትለት'ዮም ዝስሕቑን ዝጽንብሉን ነይሮም።

ተጣበቕቲ ሰበኣዊ መሰላት ኣብ ሱዳናዊት ከተማ ኤልፋሽር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 2,000 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ቤትፍርዲ ዓለምለኻዊ ገበን [ኣይሲሲ] ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ገበን ኵናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን፡" ፈጺሞም እንተዀይኖም ይምርምሮ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

ኤልፋሽር፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር እታ እንኮ ንሰራዊት ሱዳን ደጀኑ ዝነበረት ከተማ እያ።

ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ 2023 ካብ ዝጅመር፡ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሱዳን'ያ ጸኒሓ። ን18 ኣዋርሕ ብዳዕመ-ሰሪዕ ተኸቢባ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ቅድሚ 12 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣትያ።

ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ልዕሊ 150,000 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግመት፣ ክልቲኦም እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓይልታት ከኣ ገበን ኵናት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ'ዮም፡ ብፍላይ ዳዕመ-ሰሪዕ።

እቲ ብኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኤልፋሽር ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ከኣ ነዚ ዘራጕድ'ዩ።

እታ ካብ ዓለም ዝተበትከት ከተማ

ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ምሉእ ከበባ ምስ ኣእተዋ፡ ንነበርታ ዝዀነ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘይኣትዎም እዩ ገይሩ።

ካብ ሳተላይት ዝተረኸበ ኣሳእል፡ እቶም ዕጡቓት ብሑጻ ብዝተሰርሐ ድፋዓት'ዮም ከርዲኖማ።

ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ እቲ ክርደና ከሪሩ፣ ነታ ከተማ ብፍጹም መውጽእን መእተውን ከም ዘይህለዋ ኰይኑ።

ንኤልፋሽር ኣብ ክርደና ዘእተውሉ ዕድሪ ዳዕመ ሰሪዕ ዝርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ንኤልፋሽር ኣብ ክርደና ዘእተውሉ ዕርዲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

እታ ከተማ ኣብ ምሉእ ከበባ እንከላ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብ19 መስከረም ኣብ ሓደ መስጊድ ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 78 ሰለማውያን ሰባት ከም እተቐተሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ጥቅምቲ'ውን ብድሮንን ከቢድ ብረትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 53 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ኣቓሊሑ።

ኣብ ኢድ ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝበጽሐ ቪድዮ'ውን ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብታ ከተማ መግብን ዝዀነ ካልእ ኣገዳሲ ነገርን ንኸይኣቱ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝኸልከሉ ዘረጋግጽ'ዩ።

ኣብ ትቅምቲ ሓደ ኢዱ ንድሕሪት ተኣሲሩ ምስ እግሩ ብምልጋብ ብሰንሰለት ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ፣ እቲ ነቲ ቪድዮ ዝስእል ዝነበረ ሰብ ከኣ እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ፡ ናብታ ተኸቢባ ዝነበረት ከተማ ኤልፋሽር ብሕቡእ ቀረባት ከእቱ ከም ዝተተሓዘ ይገልጽ።

እቲ ነቲ ኣብ ገረብ ቍልቍል ኣፉ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ዝስእሎ ዝነበረ ወተሃደር፡ "ኣንታ ከልቢ ኣነ ብሽም ኣምላኽ ይብለካ ኣለኹ ነዚ ዝገበርካዮ ዋጋ ክትከፍለሉ ኢኻ፡" እናበለ የጕባዕባዓሉ፡ እቲ እሱር ከኣ ክምሕሮ እናለመኖ እንከሎ ይስማዕ።

እታ ከተማ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ከበባ ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ወዲቓ።

ብረት ዘይዓጠቑ ሰባት ብጥይት እናተቐተሉ ዘርኢ ኣሳእልን ቪድዮታትን

ኣብ ረፋድ 26 ጥቅምቲ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብታ ከተማ ደፊኦም ብምእታው፡ ንቐንዲ መዓስከር ሰራዊት ሱዳን ተቘጻጺረሞ፣ እቲ መዓስከር ቀንዲ መኣዘዚ ናይቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሻዱሻይ ክፍለ ሰራዊት፡ ሰራዊት ሱዳን'ዩ ነይሩ።

ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ መዓስከር ምስ ሓዝዎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ መዓስከር ዘወር እናበሉ ዘርኢ ብዙሕ ቪድታት ዘርጊሖም።

ኣብቲ መዓልቲ ሓዉ ንላዕለዋይ ሓላፊ ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ዳጋሎ ወይ ሕሜቲ ዝዀነ ዓብዱል ራሒም ዳጋሎ (ንሱ'ውን ኣዛዚ ሰራዊት'ዩ) ኣብቲ መዓስከር ምብጻሕ እናኣካየደ ዘርቪ ቪድዮ ተዘርጊሑ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ጃንጃዊድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ 2003 ክሳዕ 2005 ኣብ ዳርፉር ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ዑጡቕ ጕጅለ ዝወጽአ'ዩ።

ጃንጃዊድ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ናይ ዓረብ መበቈል ዘይብሎም ሕብረተሰባት ሰፊሕ ቅትለትን ግፍዕታታን ፈጺሙ ተባሂሉ'ዩ ዝኽሰስ።

እዞም ዳዕመ-ሰሪዕ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኤልፋሽር ንሰለማውያን ሰባት ዕላማ ከም ዝገበሩ'ዩ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ኣሳእልን ተንቀሳቓሲ ምስልታትን ዘርኢ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣባላት ድዕመ ሰሪዕ ቅድሚ ንኤልፋሽር ምቍጽጻሮም ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ እናሰደዱ ዘርኢ ቪድዮ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ቅድሚ ምቍጻጻሮም ብዛዕባ እታ ከተማን ብዛዕባ ሃለዋት ነበርታን ንኣዋርሕ ኣዝዩ ውሑድ ሓበሬታ'ዩ ዝወጽእ ነይሩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ምስ ተቘጻጸርዋ ግን ኣብ ውሑድ ሰዓታት፡ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለትን ግፍዕታትን እናፈጸሙ ዘርኢ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

ሓደ ካብቲ ቢቢሲ ቨሪፋይ ዘጻረዮ ኣብ ምዕራብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ዝተፈጸመ ቅጥለት ዘርኢ ቪድዮ'ዩ።

ኣብቲ ቦታ ዓሰርተታት ሬሳታት ዛሕ ኢሉ ይርአ።

ሓደ ጻዕዳ እጅገ ዘይብሉ ክዳን ዝተኸደነ ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ሞንጎ እቲ ሬሳ ኮፍ ኢሉ ይርአ። ኣብቲ ቪድዮ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ናብቲ ብረት ሒዙ ዝነበረ ሰብ ገጹ እናጠመተ ይርአ፣ እቲ ዕጡቕ ከኣ ሓንቲ ጥይት ተኲሱ ኣውዲቕዎ።

ሓደ ካልእ ወተሃደር በቲ ተግባር እናሰሓቐ፡ ንሓደ ኣብ ሞንጎ እቶም ሬሳታት እግሩ ክትንቀሳቐስ ዝርኣዮ እናኣመልከተ፡ "ንምንታይ'ዩ እዚ ክሳዕ ሕጂ ብህይወቱ ዘሎ፣ ቅተሎ፡" ክብል ይስማዕ።

ብ26 ጥቅምቲ ብሳተላይት ዝተሳኣለ ካልእ ስእሊ'ውን ኣብ ጐደናታት ኤልፋሽር ሰባት ብጅምላ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዝተቐተሉ ዘርኢ ምዃኑ 'ያለ ሁማንተርያን ሪሰርች ላብ' ይሕብር።

እቲ 'ያለ ሁማንተርያን ሪሰርች ላብ' ዝወጽአ ጸብጻብ፡ እቶም ዝተቐተሉ መንእሰያት ከም ዝዀኑን እቲ ጐደና ካብቲ ቅድሚኡ ዝተሰኣለ ሕብሩ ምቕያሩ ብደም ሰብ ዝሰዓበ ከም ዝዀነ ይሕብር።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ'ውን፡ "ካብ ኣዝማድና ብዙሓት ተቐጢሎም'ዮም፣ ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም ንዅሎምቀቐቲለሞም፡" ኢሉ።

ካልእ ናይ ዓይኒ መስክር'ውን፡ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀቲሎም ንዅሉ ንብረታ ድሕሪ ምውሳድ ነቲ ሬሳኣ ናብ ሓደ ጸግዒ ክድርብይዎ ብዓይኑ ከም ዝርኣየ ሓቢሩ።

 ብሳተላይት ስተወስደ ስእሊ፡ ዛሕ ዝበለ ሬሳታት ዘርኢ'ዩ

ቀንድን ዝበዝሑን ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኸተማ ኤልፋሽር ንምቍጽጻር ናብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ኣብ ወሰናስን እታ ከተማ ዝተረፉ ኣባላት ደዕመ-ሰሪዕ'ውን ነይሮም'ዮም።

እዞም ኣብ ወሰናስን እታ ከተማ ዝነበሩ ኣባላት፡ ኣብ ምቕታል ንዝሓዝዎም ሰለማውያን ሰባት'ዮም ተዋፊሮም ነይሮም።

መብዛሕትኡ እቲ ቅትለታት ከኣ ካብ ኤልፋሽር 8 ኪሎሜተር ርሕቕ ኢሉ'ዩ ተፈጺሙ።

ብቢቢሲ ቨርፋይ ዝተረጋጸገ ቪድዮታት ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ናይ ስቪል ክዳን ዝተኸደኑ ዓሰርተታት ሬሳታት ኣብ ጥቓ እቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ብሑጻ ዝተሰርሐ ዕርድታት ዛሕ ኢሉ ይርአ።

ካልእ ቪድዮ'ውን ብሓዊ ዝተቓጸላን ኣብ ጥቕአን ዛሕ ዝበለ ሬሳታት ዘለወን መካይንን ዘርኢ'ዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣባላት ዳዕመ ስሪዕ ኣብ ጥቓ ሬሳታትን ዝነደዳ መካይንን ኰይኖም ሓጐሶም እናገለጹ

ንሱ ኣብ ክልተ ቪድዮታት ብረት ንዘይዓጠቑ ሰባት እናቐተለ ይርአ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኸር'ውን ንሱ ንኣባላቱ፡ "ንዝዀነ ሰብ ዋላ ቈልዑ ከይተረፉ ክቐትሉ ትእዛዝ ይህቦም ነይሩ፡" ይብሉ።

ሓደ ቪድዮ'ውን፡ ኣቡ ሉሉ ንሓደ ዝተወግአ ሰብ ክቐትል ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ወተሃደር ዳዕመ-ሰሪዕ ክምሕሮ ይልምኖ። እቲ ተወጊኡ ዝነበረ ሰብ'ውን ካብ ኣቡ ሉሉ ምሕረት ንምርካብ፡ "እፈልጠካ እየ። ቅድሚ ገለ መዓልታትኮ ጸዊዐካ ነይረ፡" ኢሉ ይምሕጸኖ።

ኣቡ ሉሉ ግን ንልመና እቲ ውጉእን ንኣማላድነት እቲ ኣባሉን ዕሽሽ ብምባል፡ "ዝዀነ ምሕረት ኣይክገብርን'የ፣ ስራሕና ምቕታል ጥራይ'ዩ፡" ድሕሪ ምባል ናብቲ ናይ ሲስቪል ክዳን ገይሩ ዝልምኖ ዝነበረ ውጉእ ብምንጽጻር ኣድራጋ ጠያይት ተኲሱ እናቐተሎ ይርአ።

ኣብ ጥቓ እቲ ንኤልፋሽር ንምኽባብ ዝተሰርሐ ዕርዲ ዝነደዳ መካይንን ፋሕ ዝበለ ሬሳታታት ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ኣብ ካልእ ቪድዮ'ውን ኣቡ ሉሉ ንትሽዓት ዝዀነ ብረት ዘይዓጠቑ ሰባት እናቐተለ እንከሎ ዘርኢ ኣሎ።

ድሕሪ መዓልታት ናይቲ ቅትለት ዝተዘርግሐ ቪድዮ'ውን ሬሳ ናይቶም ትሽዓት ሰባት ካብቲ ዝነበሮ ከም ዘይተለዓለ ዘርኢ'ዩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ሰለማውያን ሰባት እናቐተሉ ዝርኣዩ ዕጡቓት ኣርማ ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ'ዮም።

እቶም ኣብ ቕትለት ክሳተፉ ዝርኣዩ ወተሃደራት ናይ ዳዕመ ሰሪዕ ኣርማ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ'ዮም
መግለጺ ስእሊ, እቶም ኣብ ቅትለት ክሳተፉ ዝርኣዩ ወተሃደራት ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣርማ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ'ዮም

ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ዕንወት ክቈጻጸርዎ ከም ዝደልዩ እዮም ዝሕብሩ

ብድሕሪ እዚ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሰራዊቱ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዝፈጸሙ ብምእማን እቲ ክስተት ክጻረ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንገለ ካብቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ከም ዝኣሰሮም ዝሕብር ሓበሬታ ከም ዝተዋሆም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።

ኣብ ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ወግዓዊ ናይ ተለግራም ቻነል ኣብ ዝተዘርግሐ ብግቡእ 'ኤዲት' ዝተገበረ ቪድዮ፡ ኣቡ ሉሉ ኣብ ወሰናስን ኤልፋሽር ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እናኣተወ እንከሎ ዘርኢ'ዩ።

ያለ ብናይ ሳተላይት ስእሊ ተሓጊዙ ብ4 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከኣ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝፈጸምዎ ቅትለታት ንምሽፋን ነቲ ፋሕ ዝበለ ሬሳታት ኣኪቦም ይቐብርዎ ከም ዘለዉ ብስእሊ ኣደጊፉ ይሕብር።

ሓደ ካብቲ ሬሳታት ኣኪብካ ዝቕበረሉ ዘሎ ቦታ ከኣ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ህጻናት ኤልፋሽር'ዩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ'ውን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ብ30 ጥቅምቲ ንዝተረኣያ ሓያለ ጻዕዳ ነገራት ድሕሪ ምልካዕ፡ ዓቐኑ 1.6 ሜትሮን 2 ሜትሮን ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ እዚ ከኣ ብልክዕ ዓቐን መቓብር ናይ ሓደ እኹል ሰብ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ።

ብ ኤልፋሽር ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ሓሽቲ ጋህስታታን መቓብራትን ከምዝተወሰኽዎ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕን ምስኡ ምትእስሳር ዘለወን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ነቲ ዘሎ ዛንታ ንምዕራይ ህርዲግ ይብሉ ኣለዉ።

ኣብ ገለ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ንሰለማውያን ሰባት ረድኤት እናሃቡ ዘርኢ ቪድዮታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ንምሩኻት ሱዳን ሕክምናዊ ረድኤት እናገበርሎም ዘርኢ ሓያለ ቪድዮታት ብመንገዲ ቤትጽሕፈት ሚድያ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ዳዕመ ሰሪዕ፡ ምሩኻት ናይ ኵናት ግቡእ ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ኣሎ ንምባል ዝለጠፎ ቪድዮ
መግለጺ ስእሊ, ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ምሩኻት ናይ ኵናት ግቡእ ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ኣሎ ንምባል ዝለጠፎ ቪድዮ

ዳዕመ ሰሪዕ ዋላ ደኣ ነገራት ንምትዕርራይ ብዝመስል ወፍሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት የካይድ ይሃሉ'ምበር፡ እቲ ኣብ ኤልፋሽር ዘጋጠመ ነገር ዓለምላኻዊ ኣቓልቦ ካብ ምርካብ ኣይተዓገተን።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ነቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት መልሲ ንኽህብ'ኳ ሕቶ እንተ ኣቕረበሉ፡ እቲ ጕጅለ ግን መልሲ ኣይሃበን።