ኲናት ሱዳን፡ 'ትንፋሶም ዘይሓለፈ ሰባት ብመኪና ክረግጽዎም ርእየ'

ዓብደልቃድር ዓብደላ ዓሊ፡ ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኤልፋሸር ዝሃድሙ ዝነበሩ ሰባት ይትኩሱ ከም ዝነበሩ ይረዛብ

ምንጪ ስእሊ, Ed Habershon / BBC

መግለጺ ስእሊ, ዓብደልቃድር ዓብደላ ዓሊ፡ ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኤልፋሸር ዝሃድሙ ዝነበሩ ሰባት ይትኩሱ ከም ዝነበሩ ይረዛብ

ዓብደልቓድር ዓብደላ ዓሊ፡ መድሃኒት ሕማም ሽኮር ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ከበባ ከተማ ኣልፋሸር ሱዳን ኣብ እግሩ ከቢድ ናይ መትኒ ጕድኣት በጺሕዎ።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ሰብኣይ፡ እናሓንከሰ እዩ ዝኸይድ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ነታ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ምስ ሓዙዋ ኣዝዩ ሰንቢዱ፣ ክጎዪ እንከሎ ዝዀነ ቃንዛ ኣይተሰምዖን።

"ዳዕመ ሰሪዕ ዝመጽእሉ መዓልቲ፡ ጥይት ነይሩ፡ ብዙሕ ጥይት፡ ቦምባታት ይፍንጀሩ ነይሮም፡" ይብል።

"ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኖም [ብፍርሒ]፡ ካብ ገዛኦም ሃዲሞም ወጺኦም። ኵሉ ሰብ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ይጎዪ ነይሩ፤ ኣቦ፡ ውላድ፡ ጓል - ይሃድም።"

ኣልፋሸር ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ክባ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ዕጽዋ ብፍላይ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣረሜናዊ ምዕራፍ እዩ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ዛንታ ናይቶም ካብቲ ቦታ ሃዲሞም ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ሰሜን ሱዳን ኣብ ዝቘጻጸሮ መሬት ናብ ዝተተኽለ መዓስከር ብምኻድ ሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ምሉእ እቲ ዑደት፡ ጕጅለ ቢቢሲ ብሰበስልጣን ክትትል ይግበረሉ ነይሩ።

ኣርኤስኤፍ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ውጥጥ ናብ ኲናት ከም ዝኣተወ ይፍለጥ። ንኣልፋሸር ምውሳድ ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዓቢ ዓወት ብምንባሩ፡ ነቲ ሰራዊት ካብቲ ኣብ ዳርፉር ዝነበሮ ናይ መወዳእታ ድፋዑ ደፊእዎ።

መርትዖታት ጃምላዊ ግፍዒ ኣህጉራዊ ውግዘት ኣስዒቡ እዩ፤ ኣመሪካ ድማ እቲ ግጭት ንኸብቅዕ ኣብ ምፍታን ኣተኲራ'ላ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ገለ ኣንበብቲ ዘጨንቕ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ እዩ።

ዓሊ ኣብቲ ካብ ኣልፋሸር ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት 770 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ በረኻ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣልዳባ ዝርከብ መዓስከር ኮለል ክብል ረኺብናዮ።

ስድራኡ መጽለሊ ንክረኽቡ ከመዝግቦም ይጽዕር ነበረ።

"ንሳቶም [ኣርኤስኤፍ] ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይትኩሱ ነይሮም - ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን፡ ሲቪላት ይትኵሱ፤ ጠበንጃኦም ኣብ ልዕሊኦም ይውድኡዎ ነይሮም፡" ክብል ሓቢሩና።

ንሱ ወሲኹ፡ "ገለ ካብቶም ዕጡቓት መካይኖም ሒዞም መጺኦም። ገና ትንፋሱ ዘይሓለፈት ሰብ እንተርእዮም ኣብ ልዕሊኡ መኪናኦም ይዝውሩ ነይሮም፡" ኢሉ።

ዓሊ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ከም ዝጎየየ፡ ኣብ መሬት ከም ዘንፋሓዀን፡ እቲ ስግኣት ኣዝዩ ምስ ዝቐርብ ድማ ከም ዝተሓብአን ይዛረብ። ብኸምዚ ድማ ናብታ ካብ ኣልፋሸር ሒደት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ጉርኒ ክበጽሕ ከኣለ።

ጉርኒ ንብዙሓት ካብታ ከተማ ዝሃደሙ ሰባት ቀዳመይቲ መዕረፊት እያ ነይራ።

መሓመድ ኣበከር ኣዳም ዝተባህለ ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዛምዛም ዝነበረ በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ እዩ።

ኣዳም ኣብ ሚያዝያ ዛምዛም ብሰራዊት ምክልኻል ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝተዋሕጠትሉ እዋን ናብ ኣልፋሸር ንድሕሪት ተመሊሱ። ኣብ ጥቅምቲ ነታ ከተማ ቅድሚ ምሓዞም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ድማ ወጺኡ።

ንርእሱ ኣረጊት ሰብኣይ ንኽመስል ጻዕዳ ጭሕሚ ገይሩ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ንኸይከላበት ዕድል ክህቦ ተስፋ ብምግባር ዝገበሮ'ዩ ነይሩ።

እቲ ኲናት ሚልዮናት ኣመዛቢሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኲናት ሚልዮናት ኣመዛቢሉ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"መገዲ ሞት መሊኡ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

"ንገለ ሰባት ብቐጥታ ኣብ ቅድመና ብጥይት ተኲሶም ድሕሪኡ ተሰኪሞም ኣርሒቘም ደርብዮምዎም። ኣብ መገዲ ድማ፡ ሬሳታት ኣብ ቅሉዕ ቦታ ተደርብዮም፡ ከይተቐብሩ ርኢና። ገሊኦም ንኽልተ ሰለስተ መዓልቲ ኣብኡ ተደርብዮም ነይሮም።"

"ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ፤ ኣበይ ከም ዘለዉ ግን ኣይንፈልጥን ኢና፡" ይብል።

ገለ ካብቶም ናብ ኣልዳባ ነዊሕ ​​ጕዕዞ ዘይገበሩ፡ ናብቲ ካብ ኣልፋሸር ኣስታት 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጣዊላ ዝርከብ ማእከል ሰብኣዊ ሓገዝ በጺሖም።

ካልኦት ድማ ናብ ጫድ ሰጊሮም። ሕቡራት ሃገራት ግን ካብቶም ቅድሚ ኣልፋሸር ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ምእታዋ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ 260 ሽሕ ሰባት ትሕቲ ፍርቂ ድሃዮም ከም ዘይፍለጥ ገሊጹ።

ትካላት ረድኤት ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ፡ ማእሰርቲ ወይ መውጽኢ ብምስኣን ብዙሕ ርሒቘም ከም ዘይከዱ ይኣምኑ።

ኣዳም፡ እቶም ዕጡቓት ንደቀንስትዮ እውን ከም ዝዓመጹን፡ እዚ ድማ ነቲ ሰፊሕ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽ ዘረጋግጽ ምዃኑን ገሊጹ።

"ብዓይንና መታን ከይንርኢ፡ ንጓለንስተይቲ ብድሕሪ ገረብ ወይ ካባና ኣርሒቖም ይወስዱዋ። ግን 'ሓግዙኒ፡ ሓግዙኒ' ኢላ ከተእዊ ንሰምዓ ነይርና። ምስ ተመልሰት ከኣ 'ዓሚጾምኒ' ትብል፡" ኢሉ።

ኣብቲ መዓስከር መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ኣለዋ፤ ብዙሓት ድማ ድሕነት እቶም ንድሕሪት ዝተረፉ መቕርባት ንምክልኻል መንነተን ክፍለጥ ኣይደልያን።

ሓንቲ ጓል 19 ዓመት፡ ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቝጣ ዝነበሩ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ንሓንቲ ጓል ካብቲ ምስኣ እትጓዓዝ ዝነበረት ጕጅለ ከም ዝወሰድዋ፡ ከምኡ'ውን ገዲፎምዋ ክኸዱ ከም ዝነገሩዎም ሓቢራ።

"ፈሪሐ ነይረ" ትብል።

"ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ካብ መኪና ምስ ኣውጽእዋ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቝጣ ጓል ከይወስዱ ፈሪሐ። ግን በቃ ወሲዶማ፡ ክሳብ ኣብዚ ንበጽሕ ድማ ከምኡ እዩ ነይሩ።"

ንሳ፡ ምስ ንእሽቶ ሓፍታን ሓዋን እያ ናብዚ መዓከስር ትጓዓዝ ነይራ። ወተሃደር ዝነበረ ኣቡኣ ኣብ ውግእ ተቐቲሉ፤ ኣዲኣ ኤል-ፋሸር ክትትሓዝ ከላ ኣይነበረትን።

ስለዚ እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ምስ ዓባዮም ብእግሮም ካብታ ከተማ ሃዲሞም፤ ንሳ ግን ኣብ ጉርኒ ከይበጽሑ ሞተት። እቲ ዝተረፈ ጕዕዞ ድማ ንበይኖም ክቕጽሉ ተገዲዶም።

"ራሕቑ ክሳብ ክንድዚ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጥና እኹል ማይ ኣይሓዝናን ነይርና፡" ትብል እታ መንእሰይ።

"ተጓዒዝና ተጓዒዝና . . . ዓባየይ ድማ ቀልባ ኣጥፊኣ። ስእነት መግቢ ይኹን ማይ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ። ስለ ዘይነቕሐት ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓኪም ረኺበ። መጺኡ ድማ 'ዓባይኪ ዓሪፋ'ያ' ኢሉኒ። ንኣሕዋተይ ክብል ኵሉ ተቐቢለዮ፣ ንኣደይ ግን ከመይ ጌረ ከም ዝነግራ ኣይፈልጥን።"

ብዙሓት ጥራይ ኢዶም ናብቲ መዓስከር በጺሖም ኣለዉ፣ ብመፈተሺ ነቝጣታት ኣቢሎም ክሓልፉ ዝነበሮም ገንዘብ ክኸፍሉ ተገዲዶም።

ዳዕመ ሰሪዕ ዝሃድሙ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ሰራዊት ዝተዋግኡ'ዮም ስለ ዝብል፡ ብዛዕባ ወዲ 15 ዓመት ሓዎም ስክፍታ ነይርዎም።

እቲ መንእሰይ ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቝጣ ኵሎም መንእሰያት ካብተን መካይን ምስ ወጽኡ ዘጋጠሞም መከራ ኣካፊሉ።

"ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ንሰዓታት መርሚሩና። ወተሃደራት ኢኹም ኢሎምና፣ ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ምናልባት ከምኡ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"

"ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሌና ደው ኢሎም ኣብ ዙርያና ከቢቦም እናገረፉ ብጠበንጃኦም የፈራርሑና ነይሮም። ተስፋ ስኢነ 'ዝደለኹሞ ግበሩ' ኢለዮም።"

ኣብ መወዳእታ ገዲፎሞ። ጓል 13 ዓመት ሓፍቱ ኣቦኣ ከም ዝሞተ ንሱ ድማ እንኮ ሓዋ ምዃኑ ምስ ነገረቶም፡ ገዲፎምዎ። ኣብ ኣልዳባ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ክኣ ምስ ኣደኦም ተራኺቦም።

ብዙሓት ሰባት፡ ዳዕመ ሰሪዕ ነቶም ኣረግቶትን ኣንስትን ካብቶም ዕድመኦም ንውግእ ዝኣኸለ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝፈልዮም ይገልጹ።

እዚ፡ ዓብደላ ኣደም መሓመድ ኣብ ጉርኒ ዘጋጠሞ ነገር እዩ።

ካብተን ሰለስተ ንኣሽቱ ደቁ፡ ክልተ፡ ኣርባዕተን ሽዱሽተን ዓመት ዝዕድመአን ፈልዮምዎ።

እቲ ሸያጢ ሽቶ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ በዓልቲ ቤቱ ብደብዳብ ካብ እትቕተል ኣትሒዙ ደቁ ይናቢ ነይሩ።

"ደቀይ ነተን [ምሳና ዝጓዓዛ ዝነበራ] ደቀንስትዮ ሂበየን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ድሕሪኡ ዳዕመ ሰሪዕ ዓበይቲ መካይን ሒዞም መጺኦም፣ ንሕና [እቶም ሰብኡት] ድማ ብሓይሊ ክመልምሉና እዮም ኢልና ፈሪሕና። ስለዚ ገለና ጎዪና ናብቲ ከባቢ ኣምሊጥና።

"ምሉእ ለይቲ፡ ከመይ ገይረ እየን ደቀይ ዳግማይ ክረኽበን? ክብል ሓዲረ። ድሮ ብዙሓት ሰባት ስኢነ ኣለኹ - ንአዕን'ውን ከይስእነን ፈሪሐ ነይረ።"

ብዙሓት ሰባት፡ ኣርኤስኤፍ ነቶም ኣረግቶትን ኣንስትን ካብቶም ዕድሚኦም ንውግእ ዝኣኸለ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝፈልዮም ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Ed Habershon / BBC

መሓመድ ኣምሊጡ፡ ካልኦት ግን ኣይከኣሉን።

ዓሊ፡ ደዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጕጅለ ደቂ ተባዕትዮ ተዅሲ ክኸፍቱ ካብ ርሑቕ ከም ዝረኣየ ገሊጹ።

"ነቶም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ቀቲሎም፡ ነተን ደቀንስትዮ ኣይቀተሉወንን፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ግን ኵሎም ብጥይት ተሃሪሞም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብዙሓት ሞይቶም ነይሮም፡ ንሕና ድማ ሃዲምና።"

ዓሊን ኣዳምን ካብ ጉርኒ ብኣእዱግ ተበጊሶም ብለይቲ ናብታ እትቕጽል ዓዲ ቱርዓራ ይጓዓዙ ነበሩ።

መሓመድ ናብ ቱርራ እውን በጺሑ፤ ኣብኡ ድማ ምስ ደቁ ተራኺቡ። ካብኡ ድማ ብመኪና ናብ ኣልደባ ዝወስድ ነዊሕ ጕዕዞ ገበሩ።

ብዙሓት ጥራይ ኢዶም እዮም ናብቲ መዓስከር ኣትዮም።

"ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ኵሉ ዝነበረና ገንዘብ፡ ተሌፎናት፡ ዋላ'ውን ጽቡቕ ክዳውንትና ገፊፎምና፡" ይብል ኣዳም።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቝጣ ቅድሚ ናብቲ ዝቕጽል ነቝጣ ክትሰጋገር ምፍቃዶም ናብ ኣዝማድካ ደዊሎም ናብ ሕሳቦም ገንዘብ ከተሰጋግር ይገብሩ ነይሮም።"

ዳዕመ ሰሪዕ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብስርዓት ዝፍጸም ግህሰት ዝብል ክሲ ከም ዝነጸጎ ሓቢሩ።

"እቶም ዝለዓሉ ዘለው ፍሉያት ክስታት - ዝምታ፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ወይ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት - ነጸብራቕ መምርሒታትና ኣይኰኑን፡" ይብል ኣማኻሪ መራሒ ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝዀነ ዶክተር ኢብራሂም ሙካየር።

"ዝዀነ ኣባል ብበደል ተሓታቲ ምዃኑ ምስ ዝረጋገጽ ምሉእ ብምሉእ ክሕተት እዩ።"

እቲ ጕጅለ፡ እቲ ሰፊሕ ግፍዒ ተፈጺሙ ዝብል ክስታት ኣካል ናይቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ብወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ዘሎ እስላማውያን ባእታታት ዝበሎም ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ወፍሪ መራኸቢ ብዙሃን እዩ ኢሉ ይኣምን።

ዳዕመ ሰሪዕ፡ ምስሊ እቲ ትረኻ ንምቕያር ዝዓለመ ኣባላቱ ካብ ኣልፋሸር ዝሃድሙ ሰባት ሰላምታ ክህቡ ከለዉ፡ ናይ ጽዕነት መካይን ሰብኣዊ ሓገዝ እንተምጽኣ፡ ማእከላት ሕክምና ድማ ዳግማይ ክኽፈታ ከለዋ ዘርኢ ቪድዮታት ኣሕቲሙ ኣሎ።

ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ኣርኤስኤፍ ብግህሰትን ቅትለትን ይኽሰስ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እግረኛታት ወተሃደራት ዳዕመ ሰሪዕ መኮንናቶም ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ዝያዳ ኣረሜናዊ ተግባራት ከም ዝፍጽሙ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣዳም ድማ ነቲ እቲ ጕጅለ ምስሉ ንምምሕያሽ ዝገበሮ ፈተነታት ኢሉ ዝገለጾ ነጺግዎ።

"እዚ ስትራተጂ ኣለዎም" ኢሉ።

"10 ወይ 15 ሰባት ኣኪቦም ማይ ሂቦምና ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝገብሩና ጌሮም ክስእሉና እዮም። እተን ካሜራታት ምስ ጠፍኣ፡ ክሃርሙና ክጅምሩ'ዮም። ኣዝዮም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ናብ ዘለዎ ክወስዱና'ዮም።"

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣመሪካ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዳርፉር ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸሙ ገሊጻ ነይራ።

ሓይልታት ሱዳንን መሻርኽቱ ዝዀኑ ምልሻታትን'ውን ብግፍዒታት ተኸሲሶም እዮም።

እዚ ድማ ንዳዕመ ሰሪዕ ይድግፉ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባር፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ፍልልይ ደብዳብ ምፍጻም ዝብሉ ክስታት ይርከብዎም።

እዚ ብፍላይ ኣብ ኣዕናዊ ኲናት ሱዳን ዝተራእየ ኣረሜናዊ ምዕራፍ፡ ኣቓልቦ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስሒቡ ኣሎ።

ኣመሪካ ተዅሲ ደው ምባል ንምድላው ኣብ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕርታት ብዝያዳ ብቐጥታ ክሳተፍ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ነቶም ካብ ኣልፋሸር ዘምለጡ፡ እዚ ርሑቕ ተስፋ እዩ ዝመስል።

በዚ ግጭት እዚ ብተደጋጋሚ ተሃስዮምን ተዳኺሞምን ስለ ዘለዉ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጡን።

ግን ተጻዋርነት ኣለዎም።

ዓሊ ብዛዕባ ሃንደበታዊ ተገዳስነት ትራምፕ ኣይሰምዐን ነይሩ።

ኣብቲ መዓስከር "ክንነብርን ከነዕርፈሉን እንኽእለሉ" ቴንዳ ዝበሎ ንምርካብ ፍቓድ ሰበስልጣን ክደሊ እዩ ጸኒሑ።