ጽልዋ ሓደገኛ ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ዳግማይ ይሕይል ድዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኣውስትራልያ ገምገም ባሕሪ ቦንዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ብምኽንያት ርእዮተ-ዓለም ኢስላሚክ ስቴት (ኣይኤስ)፡" ዝተደፋፍአ ይመስል ክብል፡ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ድሕሪ ምዝራቡ፡ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።
ዕጡቕ ጕጅለ ሱኒ ኣስላም ዝዀነ፡ ነቲ 15 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከም ዘይወሰደ ይፍለጥ።
ይዅን እምበር፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ዝተረኽበት ሓንቲ መኪና፡ "ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝተሰርሑ" ባንዴራታት ዳዕሽን ነተጕትን፡" ከም ዝተረኽቡ ሓቢሩ።
ሓደ ኣቦን ወድን እቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ጥርጡራት ምዃኖም ተገሊጹ'ዩ። እቲ ኣቦ ኣብቲ መጥቃዕቲ ፖሊስ ብዝተኰሶ ጥይት ክቕተል እንከሎ፡ እቲ ወዱ ድማ ብኸቢድ ቈሲሉ ብ15 ገበናት ቅትለት ተኸሲሱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዳዕሽ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን መጥቃዕቲ ንምውጣን ወይ ንምልዕዓል ካብ ምፍታን ንድሕሪት ከም ዘይበለ ዘዘኻኽር እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ሽም እቲ ጕጅለ ዳግም መዘራረቢ ዝዀነ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝርከቡ "ካሊፋት" [መራሕቱ] ካብ ዝስእን ጀሚሩ ዝነበሮ ጽልዋ ድሕሪ ምንካዩ'ዩ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ቦንዲ 15 ንጹሃት ሰባት ቅድሚ ሙማቶም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሶርያ ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ብምቕታሎም ዳዕሽ ደገፍቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓጐሶም ይገልጹ ነይሮም።
ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሶርያ ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ልኡኽቶ ዳዕሽ ዝተቐበለ እዩ ኢላ። ኣብ ጅሃድ ትዅረት ገይራ እትሰርሕ ወኪል ቢቢሲ ሞኒተርንግ ማይና ኣል ላሚ፡ "ፈጺሙ ዘይጠፍአ ነገር ዳግማይ ተመሊሱ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን፡" ትብል።
ብተወሳኺ፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ምትእስሳር ንስሕተት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ። ከምኡ ምግባር፡ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ዓቕሚ ናይቲ ጕጅለ፡ ንፕሮፖጋንዳ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ተገንዝብ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ዳዕሽ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ ድዩ?
ዳዕሽ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ግብሪ ብምእካብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ፖሊስን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ንርእሱ ከም ሓደ መንግስቲ ገይሩ ብምቕራብ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን ይገዝእ ነይሩ።
ኣብ 2019 ብኣመሪካ ዝምራሕ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝሓቘፈ ጥምረት ምስ ስዓሮ ግን፡ መራሒ ዳዕሽ ነብሱ ቀቲሉ።
ኣል ላሚ ከም እትብሎ፡ መስራትን መራሕን እቲ ጕጅለ ኣቡበከር ኣል ባቕዳዲ፡ ኣብ 2019 ኣመሪካ መጥቃዕቲ ኣብ እትፍጽመሉ እዋን፡ ነብሰ-ቕትለት ብምፍጻሙ፡ እቲ ጕጅለ ዝነበሮ ቅቡልነት ተዳኺሙ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዋላ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ጕጅለ ኣፍልጦ ወይ ዝና ናይ ምርካብ ዕድል ኣይቀንዖን።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ኣስታት 3,000 ተዋጋእቲ ዳዒሽ ከም ዘለዉ ይግምት።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ 2014 ኣብ ኤውሮጳ ካሊፋት ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወጻእተኛታት ዕጡቓት ናብቲ ጕጅለ ክጽንበሩ ይውሕዙ ነይሮም።
ኣል ላሚ፡ ካልእ ምልክት ምንቍልቋል ዳዕሽ፡ ዓቐን መጥቃዕትታቱ ምዃኑ ትዛረብ።
እቲ ጕጅለ፡ ኣብ መፋርቕ 2010ታት ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ምዕራባውያን ሃገራትን ንዝተፈጸሙ ሓያሎ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ወሲዱ እዩ።
"ሕጂ ዝያዳ ኣብ ንኣሽቱን ዝተነጸሉን መጥቃዕትታት እዩ ዝምርኰስ፡" ትብል።
ስለዚ፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሓሓሊፉ ዝፍጸም መጥቃዕትታት መብዛሕትኡ ግዜ "ዝተማእከለ" ዘይኰነ "ብዕላማ ዳዕሽ" ዝተደፋፍኡ ሰባት ዝፍጽሙዎም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኮራሳን ፕሮቪንስ (ISKP) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጨንፈር ኣፍጋኒስታን ዳዕሽ፡ ኣብ ጥሪ ኣብ ኢራን ኣስታት 100 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ኣብ ሩስያ ኣስታት 150 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ቀንዲ ኣርእስተ-ዜና ዓለም ኰይኑ።
ኣብ ኤውሮጳ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወጢኑ ተባሂሉ'ውን ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ፤ መብዛሕትኦም ግን ፈሺሎም'ዮም። ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣይኤስኬፒ ኣዝዩ ተዳኺሙ ብምህላዉ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከይተረፈ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተጸጊሙ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መብዛሕትኦም ብስም ዳዕሽ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ እዮም ዘለዉ።
ብመሰረት እቲ ብኢንስቲትዩት ቍጠባን ሰላምን ዝተሓትመ ናይ 2025 ዓለማዊ መዐቀኒ ግብረሽበራ፡ ዳዕሽን ተሓባበርቱን "ኣብ 2024 ኣብ 22 ሃገራት ምኽንያት ሞት 1,805 ብምዃን እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ ግብረሽበራዊ ትካል ኰይኑ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣል ላሚ፡ ዳዕሽ መብዛሕትኡ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዓቕሙ ከም ዝሰኣነ ትዛረብ።
"ብጽቡቕ ዝተወደበን ዝተራቐቐን ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮታት ነይርዎ፤ ሕጂ ግን ቪድዮታት ንምሕታም ይጽገም እዩ ዘሎ።"
ዳዕሽ ግን ክሳዕ ሕጂ ብመንገዲ ናይ ኦንላይን ሚድያታቱ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም የለዓዕል ኣሎ።
እቲ ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ፡ "መንእሰያት፡ ኣፍልጦ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዎምን ኣብ ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ጕጅለ ዝነበረ ሃጓፋት ብኣድማዒ መንገዲ ዝመልኡ ሰራዊት ደገፍቲ ኦንላይንን ዘለዎ ምዃኑ'ዩ፡" ትብል ኣል-ላሚ።
ንመንእሰያት ንምርካብ፡ ከም ብዓል ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ዝኣመሰሉ መድረኻት ይጥቀሙ።
ተንተንቲ ቢቢሲ ሞኒተርንግ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከመይ ገይርካ ኣጽዋር ከም እትጥቀም፡ ከም እትትኵስን ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከም እትቐትሎን "ዝርዝር መምርሒታት" ዝሓዘ መልእኽቲ ይረኽቡ።
ኣል ላሚ ገለ ካብዞም ጽሑፋት ገሊኦም ልምዲ ብዘለዎም ናይ "ሚድያ ጅሃዳውያን" ዝተጻሕፉ ምዃኖም ትግምት፤ ገለኦም ድማ "ብተራ መንእሰያት ዝተዳለዉ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ፕሮፖጋንዳ ዳዕሽ ዝወደቑን ነቲ ጕጅለ መልእኽቱ ንኽዝርግሕ ዝሕግዙን ዘለዉ፡" እዮም ትብል።
ዳዕሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ይዓቢ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ደገፍ ምጥፋኡ፡ ዳዕሽ ናብ ካልእ ክጥምት ኣገዲድዎ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ እስያ፡ ኣይኤስ-ኮራሳን ወይ ISKP፡ ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት ጨናፍር ናይዚ ጕጅለ ከም ዝዀነ ይእመን።
እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ሰሜናዊ ፓኪስታንን ዝመደበሩ ጕጅለ 2,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎን ካብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ እስያ ከም ታጂኪስታንን ኡዝቤኪስታንን ይምልምል ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤሽያ ፕሮቪንስ (ISEAP) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጕጅለ፡ ንደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝሽፍንን መብዛሕትኡ ኣብ ደቡባዊ ፊሊፒንስ ዝመደበሩን፡ ኣብ ፊሊፒንስን ኢንዶነዥያን ሓያሎ ቀታሊ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ተሓታቲ ዝዀነን እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ጕጅለ ኣብዚ ዓመት ዝዀነ መጥቃዕቲ ኣይፈጸመን። ዳዕሽ ቀንዲ ትዅረቱ ኣብ ኣፍሪቃ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማእከል ጸረ-ሽበራ ክኢላ ጸጥታ ኣድሪያን ሽቱኒ፡ "ዳዕሽ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ብዝለዓለ ኵነታት ወሲኹ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
"እዚ ድማ ኣብ ከም ብዓል ሳሕል (ዞባ ሰሜን ኣፍሪቃ)ን ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዘሎ ድኹም ምሕደራ ብምምዝማዝ፡ ብኣስገዳድን ብወለንታን ምስሓብ ሰራዊት ምዕራባውያን ዝፈጠሮ ናይ ጸጥታ ክፍተት፣ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ንጻዕርታት ጸረ-ሽበራ ዝውዕል ምወላ ምንቍልቋል ብምርኣዩ ዝተፈጸሙ ክፍተታት ጸጥታ'ዩ መዝሚዙ።"
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢስላሚክ ስቴት ዌስት ኣፍሪካ ፕሮቪንስ) ካብ 8,000 ክሳብ 12,000 ዕጡቓት ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም።
ኣል ላሚ፡ እቲ ጕጅለ ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ዓሰርተ መጥቃዕትታት፡ እቶም ትሽዓተ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።
ንሳ ወሲኻ፡ ዳዕሽ ኣብ ሳሕልን ሶማልያን ይንቀሳቐስ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብዞም ከባቢታት ንሕንሕ ጨንፈር ኣልቃዒዳ ዝዀኑ ጅሃዳውያን የጋጥሞ ከም ዘሎ ተብርህ።
እንተዀነ ኣብ ናይጀርያ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሞዛምቢክን እውን ህላወኡ ሓያል ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ዕጡቓት ንክርስትያንን ወተሃደራትን ዒላማ ይገብሩ።
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ተሓባበርቲ ዳዕሽ ብተደጋጋሚ ወራር ኣብ ዝፍጽምሎም ከበቢታት፡ ኣስላም ዘይኰኑ ሰባት ግብሪ ንክኸፍሉ ክገብሩ ፈቲኖም እዮም ኢላ።
"ዳዕሽ ኣብ ኮንጎ ዝርከቡ ክርስትያናት ሰለስተ ኣማራጺታት ከም ዘለዎም ይገልጽ፤ ኣስላም ምዃን፡ ጂዝያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግብሪ ንዳዕሽ ምኽፋል ወይ ሙማት'ዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሳቶም [እቶም ዕጡቓት] ምርጫ ኣይህብዎምን እዮም። ናብተን ዝነብሩለን ከባቢታት ብምእታው ይቐትልዎም፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣል ላሚ፡ ንጥፈታት ዳዕሽ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓቢዩ ብሰንኪ ሕጽረት ኣቓልቦ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ከይተነግረ ከም ዝጸንሐን እቲ ጕጅለ ባዕሉ'ውን ብዛዕባ'ዚ ሓበሬታ ኣቕሪቡ ከም ዝፈልጥን ጠቒሳ።
"ኣብ ዝለሓፈ ዓመት፡ ዳዕሽ ተስፋ ቈሪጹ ነይሩ። ኣብ ወግዓዊ መግለጺተት 'ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ክርስትያን ንቐትሎም ኣለና፡ መራኸቢ ብዙሓን ምዕራባውያን ግን ዓሌታውያን እየን። ኣይተገደሳን፡" ከም ዝበለ ገሊጻ።
ዳዕሽ ኣብ ኣፍሪቃ ምንቅስቓሱ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣል ላሚ ከም እትብሎ ምስቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝነበሮ ሓይሊ "ምንም" ኣይወዳደርን።
"ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሮ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዀነ መሬት ኣይቈጻጸርን እዩ። የግዳስ ብሕቡእ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻምን ምህዳምን ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ቀጺሉ እንታይ'ዩ ክኸውን?
ኣብ ቻታም ሃውስ ላዕለዋይ ፌሎ ዝዀነ ዶክተር ሬኖድ መንሱር፡ ዳዕሽ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዝዩ ዝደኸመ ምዃኑ ይኣምን።
"ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ዝነብሩ ሰባት ተሃስዮም እዮም፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ መንጎ መንግስታት ተስፋ ምቝራጽ እኳ እንተ ተራእየ፡ "ዳዕሽ ከም ቀደሙ ሓያል ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "እቶም መሰረታት ስለ ዘየለዉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካሊፌት ተላዒሉ ዘይክንርኢ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
ግን ድማ፡ ብዙሓት ዕጡቓት ጕጅለታት ንስልጣን ኣብ ዝወዳደሩሉ ከባቢታት፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዳዕሽ ንዘስዕቦ ሓደጋ ብኸመይ እዩ ምላሽ ክህብ ዘለዎ ዝብል ምዃኑ ይብል ክኢላ ጸጥታ ኣድሪያን ሽቱኒ ገሊጹ።
ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ስዒቡ "ምላሽ ምሃብ፡" ከም ዘይሰርሕን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽእ ቀጻሊ ጸቕጢ ከም ዘድሊ ይገልጽ።
"ከም ዳዕሽ ዝበሉ ተቐያየርቲ መጥቃዕቲታት ንዝፍጽሙ ትካላት፡ ሓሓሊፉ መልሲ ምሃብ እኹል ኣይኰነን፡" ብምባል፡ "ዳዕሽ ኣብ ውሽጢ ዕሽሽ ዝተባህለ ኵነታት'ዩ ዝውደብ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







