ሎሚ ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ መን'ዩ ክሳተፍ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክፍጸም’ዩ።
ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራን ብሪጣኒያ ንዓሰርታት ዓመታት ዘጋየሸቶም ፖለቲከኛታትን ክርከቡ’ዮም።
500 መራሕቲ ሃገራትን ሰበስልጣንን ዕድመ ተላኢኹሎም ኣሎ።
ኣባላት ስድራ፣ መሓዙትን ዓጀብትን’ውን ክርከቡ’ዮም።
ዝርዝር እቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ኣጋይሽ ወግዓዊ እኳ እንተዘይኰነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘለና ሓበሬታ ግን ኣብቲ ዝርዝር መን ክህሉ ይኽእል፡ ብርግጽ መንከ ኣይመጽእን ዝብል ክንሕብረኩም።
ንጉሳዊ ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንጉስ ቻርለስ፡ ምስ ንግስቲ ‘ኮንሰርት’ ካሚላ ክርከብ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ካልኦት ሰለስተ ደቀን - ማለት- ልእልቲ ኣን፣ ልኡል ኣንድሪውን ልኡል ኤድዋርድን ከምኡ’ውን ኣንስቶምን በዓልቲ ቤት ኣንድሪው ዝነበረት ሳራ ፈርጉሰንን ክርከቡ እዮም።
ደቅ ደቂ እተን ንግስቲ፡ ልኡል ዊልያምን ሃሪን፣ ልእልቲ ቢያትሪስን ዩኢንን፣ ዛራ ቲንዳል፣ ፒተር ፊሊፕስ፣ ሌዲ ሉዊስ ዊንድሶርን ጄምስን፣ ቪስካውንት ሰቬርን ምስ ኣንስቶምን ሰብኡተንን ትጽቢት ይግበረሎም።
ካብቶም 12 ደቂ ደቀን፡ ክንደይ ዝኣኽሉ’ዮም ክርከቡ ዝብል ግልጺ እኳ እንተዘይኰነ፡ ልኡል ጆርጅን ልእልቲ ቻርሎቴን ግን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብ ሞንጐ እቶም ካልኦት ትጽቢት ዝግበሩ ዕዱማት፡ ሓው ልእልቲ ዲያና ከምኡ’ውን ኣኮ ዊልያምን ሃሪን ዝዀነ አርል ስፔንሰር፣ ልኡልን ልእልትን ኬንት ሚካኤል ከምኡ’ውን መስፍን መስፍንቲን ኬንት እዮም።
መሓዙትን ሰራሕተኛታትን እተን ንግስቲ
ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ጐኒ እተን ንግስቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ትጽቢት ዝግበሩ ዕዱማት ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
እዚኦም፡ ነተን ንግስቲ ካብ 1960ታት ጀሚሩ ዝሰርሓ ሌዲ ሱዛን ሁሴይ ይርከብኦም። ንሰን ኣባልገ ልኡል ዊልያም’ውን እየን።
ብ2021፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልኡል ፊሊፕ ክፍጸም እንከሎ ነተን ንግስቲ ኣሰንየን ተረኺበን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ጓል 83 ዓመት እመቤት ሜሪ ሞሪሰን፣ ድሓር ናይ ውልቂ ተሓጋጋዚትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣልባሲት ክዳነን ዝነበረት ኣንጄላ ኬሊን እውን ክርከባ እየን።
ኣንጄላ፡ ናይ ቀረባ ሚስጥረኝአን ከም ዝነበረት’ውን ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብተወሳኺ ናይ ፈረስ ቅድድም ኣማኻሪአንን መሓዝአንን ጆን ዋረን እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከብ እዩ።
ክልቲኦም፡ ኣብ 2013 ኣብ ዝነበረ ውድድር ፈረስ እተን ንግስቲ ወርቂ ዋንጫ ክዕወት እንከሎ እንትጽንብሉ ተራእዮም ነይሮም።
ቅድሚ ምማተን ክረኽበን መደብ ዝነበሮ ሻምፒዮና ዓለም ‘ፎርሙላ-1’ ነበር ጃኪ ስቲዋርት፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከብ ትጽቢት ይግበር።
ጸሓፊ ታሪኽን ጋዜጠኛን ሰር ዴቪድ ኣቴንብሮ ካልእ ካብቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ዕዱማት እዩ።
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊትን ሰር ዴቪድ ኣቴንብሮን ኣብ ውሽጢ ናይ ሰሙናት ኣፈላላይ ዝተወለዱ መሓዙት ኰይኖም፡ ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት ብሓባር ሰሪሖም’ዮም።
ንጉሳዊ ስድራ ኣውሮጳ
ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኣውሮጳ - መብዛሕትኦም ናይ ስጋ ዘመድ እተን ንግስቲ ዝኾኑ - ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከቡ ትጽቢት ይግበር።
ንጉስ ቤልጅዩም ፊሊፔን ንግስቲ ማቲልዴን፣ ንጉስ ኔዘርላንድ ዊልያም ኣሌክሳንደርን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ማክሲማን ከምኡ’ውን ኣዲኡ ንግስቲ ኔዘርላንድ ዝነበረት ልእልቲ ቢያትሪክስን ከም ዝመጽኡ ኣረጋጊጾም ኣለው።
ንጉስ ስፔን ፌሊፕን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ሌቲዛን’ውን እቲ ዕድመ ዝተቐበሉ ኰይኖም፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ዴንማርክን ሞናኮን እውን ከም ዝመጽኡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንጉሰ ነገስት ጃፓን ናሩሂቶን ንግስቲ ማሳኮን፣ ንጉስ ቡታን ጂግሜ ቄሳር ናምጊሌ ዋንግቹ ክርከቡ’ዮም።
ብተወሳኺ፡ ሱልጣን ብሩነይ ሃሳናል ቦልኪያ፣ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ፣ ልኡል ኩዌት ሸኽ መስሃል ኣል-ኣሕማድ ኣል-ሳባሕ፣ ንጉስ ሌሴቶ ሌትሲ ሳልሳይን ወራሲ ዓራት ሌችቴንስታይን ልኡል ኣሎሲን ክመጽኡ’ዮም።
መራሕቲ ንግስነት ላክሰምበርግ፣ ማሌዥያ፣ ሞናኮ፣ ሞሮኮ፣ ኦማን፣ ቀጠርን ቶጎን’ውን ትጽቢት ይግበረሎም።
መራሕቲ ሃገራት 'ኮመንዌልዝ'
መራሕቲ፡ እተን ንግስቲ ኣብ ዘመን ንግስንአን መራሒት ናይ ዝዀንአን ሃገራት ኮመንዌልዝ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከቡ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውትራሊያ ኣንቶኒ ኣልባኒስ ብሪጣኒያ ኣትዩ ኣሎ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኒውዚላንድ ጃሲንዳ ኣርደሬን፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ካና ጀስቲን ትሩዶን’ውን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይርከቡ።
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ባንግላድሽ ሸኽ ሃሲናን ፕሬዝደንት ህንዲ ዲሩፓዲ ሙርሙን’ውን ኣብታ ሃገር ከም ዝኣተው ይግለጽ።
ፕረዚደንት ስሪላንካ’ውን ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበለ ተሓቢሩ ኣሎ።
ካልኦት መራሕቲ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደንን ካልኦት ዕዱማትን ብቐዳም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዮም’ዮም።
መራሕቲ ሃገራት ኣየርላንድ፣ ጀርመን፣ ጥልያንን ፈረንሳን’ውን ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣለው።
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን’ውን ሓደ ካብቶም ዝቐረበሎም ዕድመ ዝተቐበሉ መራሕቲ ኰይኑ፡ መንግስቱ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዊገር ብዘለዎ ኣተሓሕዛ ግን ገለ ኣባላት ባይቶ ነቲ ዕድመ ተቓዊሞምዎ ነይሮም።
ምንጪታት ባይቶ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ቻይና ኣብ ህንጻ ዌስትሚኒስትር ኣስክሬን እተን ንግስቲ ንምብጻሕ ተኸልኪሎም እዮም።
ብቐዳም፡ መንግስቲ ቻይና፡ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዝርከብ ኣረጋጊጹ ኔሩ።
ወራሲ ዓራት ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢል ሳልማን ዕድመ ቐሪብሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ግን እቲ ልኡል ኣብቲ ቀብሪ ከም ዘይርከብ ሓቢሩ።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብ2018 ካብ ዝቕተል ንድሓር ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ በጺሑ ኣይፈልጥን።
እቲ ልኡል፡ ቅትለት እቲ ጋዜጠኛ ክፍጸም ኣዚዙ ብዝብል ይኽሰስ።
ብኻልእ ወገን፡ ብሰንኪ ምምዕባል ኒኩሌር እገዳታት ዝተነብራ ኢራን ብደረጃ ኣምባሳደር ኣብቲ ቀብሪ ከም እትሳተፍ ተገሊጹ ኣሎ።
ዘይተዓደሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወከልቲ ሶርያ፣ ቬነዝወላንን ኣፍጋኒስታንን ኣይተዓደሙን።
እዚ ኢንግሊዝ ምስተን ሃገራት ምሉእ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ስለ ዘይብላ እዩ።
ካብ ሩሲያ፣ ቤላሩስን ሚያንማርን’ውን ዝተዓደመ የለን።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ንድሓር፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ፈሪሱ’ዩ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድማ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምርካብ “ኣይሓሰብናሉን” ኢሉ።
ሰሜን ኮርያን ኣብ ሞንጐ ፓስፊክን ባሕሪ ካሪብያንን እትርከብ ኒካራጉዋን ኣምባሳደራተን ጥራይ ክልእኻ ተዓዲመን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







