ጆ ባይደን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ንምስታፍ ለንደን ኣትዩ

ጆ ባይደን ለንደን ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጽባሕ ሰኑይ መስከረም ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ንምስታፍ ናብ ለንደን ምእታዉ ተፈሊጡ።

ባይደን ናብቲ ኣስታት 500 መራሕትን ተወከልትን ሃገራት ዝርከብሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምስታፍ’ዩ ናብ ለንደን ኣትዩ።

ቀዳሞት ሚኒስትራት ሃገራት ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን’ውን ኣቐዲሞም ናብ ለንደን ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከምኡ’ውን ካልኦት ገለ ኣጋያሽ ምዕዳሞም ግርታ ፈጢሩ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባኔሴ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሰኽ ሓሰን ሃሲና፣ ፕረዚደንት ስሪላንካ ራኒል ዊክሪመሲንግን ካልኦት መራሕትን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እታ ንግስቲ ክርከቡ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሎም መራሕቲ ዓለም ገሊኦም’ዮም።

ህንዲ ብፕረዚደንት ድሮፓዲ ሙርሙ ክትውከል’ያ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣይሪሻዊ ሚሼል ማርቲን ፕረዚደንት ፍራንክ ዋልተር ሽታይንማየር፣ ፕረዚደንት ጣልያን ሰርጅዮ ማታሬሌም’ውን ካብቶም ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክርከቡ’ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ዝተገብረሎም መራሕቲ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ምሉእ ኤውሮፓ ዝርከቡ ስድራ ንጉሳውያን’ውን ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ክርከቡ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

መብዛሕቲኦም ኣጋይሽ ኣብ ዌስት ሚኒስተር ተረኺቦም ነተን ንግስቲ መሰነይታ ዝገብሩ ኮይኖም፡ ኣብ ላንካስተር ሃውስ ድማ ዝተሰምዖም ሓዘን ብጽሑፍ ክገልጹ እዮም።

ሎሚ መዓልቲ ቆላሕታ ዝተገብረሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቤኪንግሃም ብንጉስ ቻርለስ ሳልሳዊ ዝግበር ኣቀባብላ ኣጋይሽ’ዩ።

ብዙሓት መራሕቲ ብሓበራ ንኽራኸቡን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ንኽዝትዩን ጽቡቕ ዕድል ከምዝኾነ ድማ ተጠቒሱ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እተን ንግስቲ ካብ ሞንጎ ዝተዓደሙ መራሕቲ ጉዳይ ወራሲ ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ወራሲ ዘውዲ ኣብ 2018 ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ስዑዲ ዓረብ ናይ ዝተቐተለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንኽቕተል መምርሒ ከምዝሃበ’ዩ ዝኽሰስ። እንተኾነ ግን ንሱ ኮነ ዝመርሖ መንግስቲ ብዛዕባ ነቲ ጉዳይ ነጺጎሞ’ዮም።

ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ካውሾጊ ሃቲስ ጄንግዝ፡ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክርከብ ኣይነበሮን ኢላ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ንግስቲ ጸሊም በሰላ ዝገድፍ ምዃኑ ተዛሪባ።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ዝለዓል ነቐፌታ ሰብኣዊ መሰላት ስዒቡ ንፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ዝተገብረ መጸዋዕታ’ውን ካልእ ግርታ ዝፈጠረ ውሳነ’ዩ።

ዢ ጂንፒንግ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይክርከብን’ዩ። ምክትል ፕረዚደንት ቻይና ዋንግ ኪሻን ግን ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከምርሕ ትፅቢት ኣሎ።

ወከልቲ ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ሚያንማር፣ ሶርያ፣ ቬንዙዌላን ኣፍጋንስታንን ኣይተዓደሙን።

ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ኒካራጓን ዝተዓደማ’ኳ እንተኾና ብኣምባሳደራት ደረጃ’የን ክውከላ።