ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ ስኮትላንድ ናብ ለንደን ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንኣስታት 24 ሰዓታት ብህዝቢ ክብጻሕ ዝወዓለ፡ ሬሳ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ካብ ስኮትላንድ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ለንደን ኣትዩ።
ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ፡ ኣብ ከተማ ኤድንብራ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ሰንት ጃይልስ ዝጸንሐ ሬሳ ንግስቲ ብሰሉስ ምሸት'ዩ ናብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ ኣትዩ።
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ባልሞራል ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወሳኺ መንበሪአ ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን።
ህዝቢ ከተማ ኤድንብራን ከባቢኡን፡ ምሉእ ለይቲ ነዊሕ መስርዕ ሓሊፉ ናብቲ ካቴድራል ብምብጻሕ ንወመዳእታ ግዜ ክፈናወን ሓዲሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ምብጻሕ ዘካየደ ሓድሽ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ካብ ፓርላማ እታ ግዝኣት ናይ ሓዘን መግለጺ ድሕሪ ምቕባል፡ ኣሰር ኣዲኡ ብምኽታል ንዝጸንሐ ልምድን ስርዓትን እታ ሃገር ከምዘኽብር ኣፍሊጡ።
እቲ ሓድሽ ንጉስ፡ ድሮ ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያን ስኮትላንድን ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቡ'ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ናብ ዌልስ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር። ንሱ፡ ከም ልኡል ዌልስ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይዝከር።
ሬሳ ወላዲቱ ናብ ለንደን ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝነበሮ ጻንሒት ብምዝዛም ናብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ተመሊሱ'ሎ።
ሓንቲ ጓለን፡ ልእልቲ ኣን ንሬሳ ወላዲታ ኣሰንያ ናብ ለንደን ኣትያ'ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







