ኣብ ልዕሊ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተቐመጠ ውቁብ ዘውዲ

ዘውዲ እተን ንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተቐሚጡ ዝርአ ፍሉጥ ዘውዲ 'ኢምፔርያል ስቴት ክራውን' ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዘውዲ ኣብ ውሽጢ ዘመናት ብነገስታትን ንግስታትን እንግሊዝ ዝተኣከበ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕንቊታት ዝሓዘ ብዋጋ ዘይሽነን እኽብካብ እዩ።

እቲ ዘውዲ ብ2,868 ኣልማዝ፡ 273 ሉል፡ 17 ሳፋየር፡ 11 ኤመራልድን 5 ሩቢን ዘብለጭልጭ እዩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ እቲ ካብኦም ዝወጽእ ንጹር ብርሃን [ነቲ ዘውዲ] ክትጥምቶ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ቃል ብቓሉ ዘደንጹ'ዩ…" ትብል ተመራማሪት ታሪኽን ደራሲት ‘ዘ ክራውን ጀውልስ’ን ኣና ኪይ።

ኣብ ታሪኽ ክሳብ ማእከላይ ዘመን፡ ዘውዲታት ከም መግለጺ ሃብትን ደረጃን ይረኣዩ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።

"ግርማ ዘመልክት እዩ፣ ልኡላውነት ዘመልክት እዩ" ድማ ትብል።

ኣብ 1937 ንንግስና ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ካብቲ ካብ ንግስቲ ቪክቶርያ ኣትሒዙ ዝነበረ ዘውዲ ዝቐለለ ክኸውን ተገይሩ ዝተዳለወ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኢምፔርያል ስቴት ክራውን 1.06 ኪሎ ግራም ክብደት ኣለዎ።

ዘውዲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ
መግለጺ ስእሊ, ዘውዲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ኣብ እዋን ንግስነተን፡ ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ባይቶ ኣብ ወርቃዊ ዝፋን ኮፍ ኢለን ናይ መጻኢ ዓመት መንግስታዊ መደባት ከንብባ ከለዋ ዝለብስኦ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2018፡ እተን ንግስቲ፡ እቲ ዘውዲ ክትለብሶ ክሳብ ክንደይ ከምዝኸብድ ተዋዝየን ነይረን።

"ነቲ መደረ ከተንብቦ ንታሕቲ ክትጥምት ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ክሳድካ ከይስበር ነቲ መደረ ንላዕሊ ክትገብሮ ኣለካ" ክብላ ግርማዊት ገሊጸን ነይረን።

"ዘውዲታት ገለ ሳዕቤናት ኣለዎም፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት እዮም።"

ኣብ 2019፡ እተን ንግስቲ ዕድሚአን ናብ 90ታት ምስ በጽሐ ዝቐለለ ዘውዲ ይጥቀማ ነይረን። ኣብቲ ኣብ 2021 ንመወዳእታ ግዜ ዝተሳተፋሉ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ፈጺመን ኣይለበሳን።

ኢምፔርያል ስቴት ክራውን ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ኣልማዝ ዝተቖርጸ 317 ካራት ዝዓቐኑ ‘ኩሊናን 2’ ዝተበሃለ ኣልማዝ ዘጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ንጉስ እንግሊዝ ቅዱስ ኤድዋርድ ዘ ኮንፌሰር ይገብሮ ነይሩ ዝበሃለሉ ቀለበት ዝነበረ ሳፋየር ዕንቊ የጠቓልል። እቲ ሳፋየር ዝተባህለ ዕንቊ ኣብቲ ዘውዲ ኣብ ማእኸል እቲ መስቀል ተቐሚጡ ይርአ።

እተን ንግስቲ ብፍላይ ኣብቲ ዘውዲ ብዝነበረ ‘ዘ ብላክ ፐሪንሰስ ሩቢ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ዓብዪ ቀይሕ ዕንቊ ይምሰጣ ነይረን። ኣብ 1415 ኣብ እዋን 'ኲናት ሚእቲ ዓመት' ንጉስ ሄንሪ 5ይ፡ ሓይልታት እንግሊዝ ንፈረንሳውያን ኣብ ዝሰዓርሉ ግንባር ኣጊንኮርት ገይርዎ ከምዝነበረ ይግመት።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ንምስራሕ ነቲ ዘውዲ ቀሪቡ ክምልከት ፍቓድ ዝረኸበ ኣቕራቢ ቢቢሲ ክላይቭ ማይሪ፡ ነቲ ዘውዲ ምርኣዩ "ዳርጋ ዘይክውንነታዊ" ክብል ገሊጽዎ።

"ንጹርነት ናይቶም ኣልማዛት ፍጹም ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ" ድማ ይብል።